ቀንዲ ነጥብታት
- ሚኒስተር ጥዕና ንነበርቲ ካብ ካልኦት ክታበታት ንላዕሊ እቶም ንኦሚክሮን-ዘጥቅዑ መደንፍዒ ክታበታት ክመርጹ ይሓትት
- ህጻናትን ንኣሽቱ መንእሰያትን ኣብ'ዚ እዋን መደንፍዒ ክታበት (Booster) ኣየድልዮምን፡ ሚኒስተር ጥዕና
- ዋና ሓላፊ ጥዕና ፖውል ኬሊ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ማዕበላት ኮቪድ ክህልዉ ትጽቢት ይገብር
ሚኒስተር ጥዕና ማርክ ባትለር ኩሎም ኣብ በጽሒ ዕድመ ዝርከቡ ኣውስትራልያውያን ተወሳኺ መደንፍዒ ክታበት ኮቪድ-19 ሕጂ ክወስዱ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ።
እዚ ተወሳኺ መደንፍዒ ክታበት ነቶም መልከፍቲ ኮቪድ ዘይነበሮም ወይ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መደንፍዒ ክታበት ዝወሰዱ በጽሒታት ካብ 20 ለካቲት ጀሚሩ ቅሩብ ክኸውን'ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ዝወሰድኩሞም ብዝሒ ክታበታት ኣብ'ዚ ሕጂ ትወስድዎ ጽልዋ ወይ ወሳንነት የብሎምን።
ሚስተር ባትለር ካብ ካልኦት ክታበታት ንላዕሊ እቶም ንኦሚክሮን-ዓሊሞም ከጥቅዑ ዝተሰርሑ መደንፍዒ ክታበታት ተመረጽቲ'ዮም ኢሉ።
ኣውስትራልያ ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ነቶም BA.4/BA.5 ዓሌታት ኦሚክሮንን ነቲ ናይ መጀመርታ ዓሌትን ዘጥቅዑ ናይ ፋይዘር ባይቫለንት ክታበታት ከም መደንፍዒ ንበጽሒ ሰባት ኢላ ኣጽዲቓቶም'ያ።
ሚኒስተር ባትለር "እንተበዝሐ" 14 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ካልእ ተወሳኺ መደንፍዒ ክታበት ክወስዱ ክኽእሉ'ዮም፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝነበረ ማዕበል ርኢኻ ግን እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ዝተሓተ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል።
ሚስተር ባትለር፡ ካብ ቴክኒካዊ ኣማኻሪ ጉጅለ ኣብ ጉዳያት ክታበት (Australian Technical Advisory Group on Immunisation (ATAGI)) ዝተዋህቦ ምኽሪ ብምጥቃስ ከቢድ ሕማም ክሓሙ ዝለዓለ ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት እዚ ናይ 2023 መደንፍዒ ክታበት ክወስዱ ይምከሩ ኢሉ።
እዞም ከቢድ ሕማም ክሓሙ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት፡ ሕዱር ጸገም ጥዕና፡ ስንክልና ወይ ዝተሓላለኸ ሓገዛት ዝደልዩ ሰባትን ክአምኡ'ውን ልዕሊ 65 ዝዕድሚኦም ሰባትን'ዮም።
"ATAGI ብተወሳኺ ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ህጻናትን ኣጉባዝ/ጎራዙትን ኣብ'ዚ እዋን እዚ መደንፍዒ ኣየድልዮምን'ዩ ኢሉ መኺሩ'ሎ፡ ትሑት መጠን ከቢድ ሕማም ዘጋጥም ምዃኑን ኣብ'ዞም ጉጅለ ዕድመ ልዑል መጠን ዝተሓናፈጸ ዓቕሚ ምክልኻል ምህላዉን ኣብ ግምት ብምእታው፡" ኢሉ ሚስተር ባትለር።
መንግስቲ ኣውስትራልያ ካብ 5 - 17 ዕድመ ዘለዉ ህጻናት ኣብ ከቢድ ሕማም ከውድቕዎም ዝኽእሉ ጸገማት ጥዕና ዘለውዎም ግን ነዚ ተወሳኺ መደንፍዒ ክወስድዎ ይፍቀደሎም'ዩ ኢሉ።
እዚ ተወሳኺ እብረ ክታበት ነቶም ካብ 18 - 30 ዕድመ ዘለዉ ኣውስትራልያውያን ካልኣይ መደንፍዒ ወይ ራብዓይ እብረ ክታበቶም ክኸውን እንከሎ ነቶም 30ን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ከኣ ሓምሻይ እብረኦም ክኸውን'ዩ።
ዓቕሚ ምክልኻል ካብ ኮቪድ ኣብ ህጻናት ዝያዳ ቀልጢፉ እናደኸመ ይኸይድ ይብል ሓደ መጽናዕቲ ኣውስትራልያ

Immunity from COVID wanes faster in children: Australian research
ፕረዚደንት ሕክምናዊ ማሕበር ኣውስትራልያ (Australian Medical Association) ስቲቭ ሮብሰን ቅድሚ ቁሪ ሓጋይ ምእታዉ መንግስቲ ካልእ ተወሳኺ እብረ ክታበት ክፈቅድ ምውሳኑ ብሓጎስ ተቐቢልዎ።
"ኮቪድ ክሳብ ሕጂ ህይወት ይቐዝፍን ኣብ ስርዓተ ክንክንጥዕና ዝተዋህለለ ጸቕጢ ይፈጥርን ኣሎ። ነብሲ ወከፍ ኣውስትራልያዊ ክታበት ከወስድ ዕድል ክወሃቦ ኣዝዩ ወሳኒ'ዩ።" ክብል ሚስትር ሮብሰን ንABC News ሓቢሩ።
ዋና ሓላፊ ጥዕና ኣውስትራልያ ፖውል ኬሊ ኣብ መጻኢ ተወሰኽቲ ማዕበላት ኮቪድ-19 ክህልዉ'ዮም ኢሉ።
ብዛዕባ ዝተሓናፈጸ ዓቕሚ ምክልኻል ካብ ኮቪድ-19 ውድብ ጥዕና ዓለም ዝገለጾ ኣብ'ዚ ኣለኩም

This is what the WHO revealed about people who have hybrid immunity from COVID-19
ፕሮፌሰር ኬሊ እዞም ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠሙ ማዕበላት ኮቪድ-19 ካብ'ቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ማዕበላት ኦሚክሮን ውሕድ ዝበሉ ምእታዋት ናብ ሆስፒታላትን ክፍሊታት ጽዑቕ ክንክን ጥዕናን (ICU) ኣኸቲሎም ኢሉ።
"እዛ ኣብ'ዚ ማዕበል ዝነበረትና ጽፍሕ ዝበለት ሕንጻጽ፡ ንዓይ ዘመልክተለይ ኣንተሃልዩ፡ ብመንጽር ዝተሓናፈጸ ዓቕሚ ምክልኻል፡ ሕጂ ብዙሕ ዝመጠኑ ምክልኻል ኣብ ሕብረተሰብ ከምዘሎ'ዩ፡" ኢሉ።
ሚኒስተር ባትለር ኣብ'ቲ ናይ ቀረባ ግዜ ማዕበል ኣውስትራልያ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዝተጸብጸቡ መልከፍታት ኔሮማ፡ እቲ ልክዕ ቁጽሪ ግን ክሳብ ሰለስተ ሚልዮን ክበጽሕ ይኽእል'ዩ ይብል።
ኤስቢኤስ ኩሉ እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ንብዝሐባህላውን ብዝሐቋንቋዊን ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ የቕርብ። በብግዚኡ ኣብ'ዚ ብምብጻሕ ፈሊጥኩም ጽንሑን ነብስኹም ሓልዉን።