'እቲ ዘሎ ናይ መራኸቢ ጋግ ይፈታሕ': ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ መልበርን ድሕሪ ከቢድ ምዕጻው ን መንግስቲ ይጣርዑ

'ካብ ለበዳ ናይ ምውጻእ መርሓ' ድምጺ ናይ ገለ ኣፍሪቃ-ኣውስትራሊያውያን ተቐማጦ ናይ ፍለምዲንግተንን ኖርዝ ሜልቦርን ህዝባዊ ግምብታት መንበሪ ኣባይቲ ነቕርበልኩም ኣሎና ፡ ንሳቶም ካብቲ ኣብ 2020 ዘጋጠመ ጽንኩር ዕጽዋ ትምህርቲ ረኺብና ኢና ይብሉ ።

Minara ya makazi ya umma mjini Melbourne, ilikabiliwa kwa amri kali yaku baki ndani katika mwezi wa July 2020.

Minara ya makazi ya umma mjini Melbourne, ilikabiliwa kwa amri kali yaku baki ndani katika mwezi wa July 2020. Source: David Crosling/AAP PHOTOS, Jul 2020

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ዝኸበደ ዕጽዋ  ኣብ ከተማ መልበርን ዓበይቲ ህንጻታት ፍላሚንግተን ዝነብሩ ፡ ነቲ ኣብዚ ዓመት እዚ እተራእየ ለበዳ ብዝወሰድዎ  ትምህርቲ ይጻወርዎ ኣለዉ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ካብዝተተግበሩ ናይ ኮቪድ-19 ግብረመልሲታት እቲ ዝኸበደ እዩ ፡ ኣብ ምንቅስቓስ እገዳታት ብዘይ መጠንቀቕታ ስለዝውሰን ፡ ነበርቲ ካብ ንእሽቶይ ኣፓርታማኦም ወጺኦም ከም መግብን መድሃኒትን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ክዕድጉ ወይ ውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ኣይፍቀዶምን እዩ ።

 

ዚጐልሕ ነጥብታት ፦

  • ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ መልበርን 2020 ተሪር ስጉምቲ ምዕጻው ምርሳዕ ከቢድ እዩ ይብሉ
  • ትምህርቲ እኳ እንተ ተማህረተወስደ ፡ ነቲ ናይ ሓበሬታ ሕጽረት  ንምእላይ ዝያዳ የድሊ
  • 'ተሳትፎ ናይ ማሕበረሰብ ሰራሕተኛታትን ጂፒታትን ሓጋዚ እዮ' ይብሉ ኣባላት ኣፍሪቃዊ ማሕበረሰብ
 

ኣብቲ ግዜ እቲ መንግስቲ ቪክቶርያ ብሰንኪ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ቀጽሪ እቲ ግምቢ ዝርከቡ ንጡፋት ኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባትዩ ።

መብዛሕትኦም እዞም ተቐማጦ እዚኦም ካብ ዝተሓተ ማሕበረ-ቁጠባዊ ከምኡውን / ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት እዮም ።

ሓደ ዓመት ጸኒሑ ፡ እቲ ዝኽሪ ይቕጽል እኳ እንተ'ሎ፡ መልበርን ካልእ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ምስ ኣጋጠማ ፡ ንሻድሻይ ግዜ እታ ከተማ ተዓጽያ ኣላ። ንነበርቲ እቲ ህዝባዊ ህንጻታት ግና እተቐየረ ነገር ኣሎዶ?

Public housing tower resident Barry Berih
Public housing tower resident Barry Berih. Source: SBS-Abby DInham
ክፍተት ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ

 

ባሪ በሪህ  ካብ ኤርትራውያን ወለዲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተወልደ ኰይኑ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ እቲ ምዕጻው ምልክታ ምስ ተነግረ ፡ ኣብ ኖርዝ መልበርን ኣብ ዝርከብ ፍላት ምስ ሓዉን ኣዲኡን ዝነብር ነይሩ ።

ነዚ ተመክሮ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ነቲ መልበርን ኣብዚ እዋን እዚ ተዓጽያትሉ ዘላ እዋንን ዝግበር ዘሎ መስርሕ ክታበትን ብኸመይ ይርእዮ ? ካብዚ እንታይ ተማሂሩ ?

ኣብቲ ግዜ እቲ ፡ብዛዕባ ኮቪድ ዘጋጥም ዝነበረ ጕዳይ ኰይኑ ፡ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ክታበት ንምርካብ ዘሎ ጸገም ከምዝቐጸለ ገለጹ ።

ካብ ናትና ሓኪም ሓበሬታ የለን

[ንዓና]

ኣቶ በሪህን ሓዉን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምዕጻው ጸኒሖም ብኮቪድ-19 ከም እተለኽፉ ተፈልጠ ። ንሱ ነዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ሕማም ንምምካትን ክታበት ንምውሳድን ተወሳኺ ሓገዝ ንሕብረተሰብ ክወሃብ ይጽውዕ።

"እቲ ሕቶ ንሕብረተሰብ ኣፍሪቃ ነቶም ብኮቪድ-19 ዝተጎድኡ ን14 መዓልታት ተነጺሎም ዘለዉ ሰባት እንታይ ዓይነት ጸጋታት ክትህቦም ትኽእል ዝብል እዩ" ኢሉ ይሓትት ።
Amharic  news 19 July, 2020
A sign at one of the public housing towers on Racecourse Road in Flemington, Melbourne. Source: AAP


ካብ ኣፍሪቃዊ ማሕበረሰብ ሰራሕተኛታት ሓገዝ ምርካብ

 

ኣቶ በሪህ ነቶም ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምን ንማሕበረሰቦም ኣገልግሎታት ዝህቡ ኣፍሪቃዊ ውርሻ ዘለዎም ሰባት ከጠቓልል ካብ ዝጽውዑ ሓደ እዩ።

ማቾት ኣኮል ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተወልደ ኣውስትራልያዊ ኰይኑ ፡ ንርእሱ "ግዱስ ዜጋ" ኢሉ እዩ ዝጽውዓ ። ንኣባላት ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ እውን ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ከም ዝሕግዝ ገለጸ ።

"ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዝዓይዩ ብዙሓት ሰባት ኣለዉና ፣ ሰባት ኣብ ዙርያኦም ክርእዩ ከለዉ ምእንቲ ኸተባብዖም ፡ ንገሊኦም ኸነእትዎም ጽቡቕ እዩ ፣ 

ሚስተር ኣኮል ብተወሳኺ እቲ መንግስቲ ምስ ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ኣብ ዙርያ ኮቪድ ከምኡ 'ውን ኣብ ዙርያ ክታበት ዝገበሮ ዝርርብ ቁሩብ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ኣፍልጦ ይህብ እንተኾነ ዝያዳ ክግበር ይደሊ ።

ክፍሊ ጥዕና ቪክቶርያ ኣብ መግለጺኡ ፡ ዝዀነ ይኹን ቀይድታት ቅድሚ ምግባሩ ፡ ነቶም ተቐማጦ ብእተፈላለየ መድረኽ የዘራርቦም ከም ዘሎ ይገልጽ ።
Hamdi Ali
Carlton housing tenant, Hamdi Ali Source: provided by the talent
ዝሓሸ ኣገልግሎት ዝያዳ የድሊ

 

 ኣብ ግምቢ መንበሪ ኣባይቲ ካርልተን ዝነብር ሓምዲ ዓሊ ፡ ኣብ እዋን ምዕጻው ፡ ነቶም ተቐማጦ ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ ይብል።

ብዘይካዚ ፡ ኣብ መንጎ እቶም ነበርትን ሰበ ስልጣንን ገና ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ጋግ ከም ዘሎ ይኣምን እዩ ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፡ ዝተለወጠ ነገር የለን ኢሉ።  ኰይኑ ግና ፡ ገሊኡ ኣገልግሎት በቶም ንነበርቲ ዝሕግዝዎም ሓደስቲ ትካላት ከም እተመሓየሸ ገለጸ ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ፡ "ኣብ ሰሜናዊ መልበርንን ኣብ ፍላሚንግተንን ንዚነብሩ ተቐማጦ ፡ ካብ ሕማቕ ኵነታት እቲ ምዕጻው ንኺገላገሉ ዝሕግዝ ትካል ኣሎ" ኢሉ።

ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ብዝምልከት ዝወሃብ ካልእ መልስታት እውን ንተወሰኽቲ ሰባት ቀዳምነት ምስ ዝወሃቦም ናይ ሓድሽ ለበዳን ናይ ክታበትን መደብ ዘይምትግባሩ ተመሓይሹ እዩ ። 

"እቶም ነበርቲ ኣብ ጕጅለታት ዕድመ ኣይኰኑን ተኸፋፊሎም ። ካብ ወዲ 16 ዓመትን ልዕሊኡን ንላዕሊ ዝኾኑ ኩሎም ሰባት ኣብቲ ናይ መንበሪ ገዛ ህንጻ ከምዝነብሩ ከረጋግጹ እንተኽኢሎም መሰል ኣለዎም ።"ይብል ኣቶ ዓሊ ።

 

ብቐሊሉ ንምኽታብ

እቲ ዝዓበየ ለውጢ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ኮይኑ ፡ መንግስቲ እታ ግዝኣት ነዚ ኣብ ግምብታት መንበሪ ኣባይቲ ዝተኸስተ ለበዳ ምስ ናይ ክታበት ጋንታታት ኣብ ቦትኡ ከካይዶ ዝኸኣለ በዚ ኣገባብ እዩ ።

ክፍሊ ጥዕና ቪክቶርያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ እዞም ተቐማጦ እዚኦም ናይ ፋይዘር ክታበት ንኽወሃቦም ዘለዎም ብቕዓት ኣፍሊጡ። 

"እቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ኣብ ዘለዎ መንበሪ ዝነብሩ ወይ ዝሰርሑ ፡ ካብ ሓምለ 2021 ጀሚሮም ብዘይዝኾነ ቅድመ-ኵነት ናይ ዕድሜኦም ክታበት ፋይዘር ክፍቀደሎም ይኽእልን ፡ ኣብ ክሊኒክ ክታበት መንግስቲ ቆጸራታት ክሕዙ ዕድል ረኺቦም" ይብል ።

 

መንግስቲ ፡ ካብቲ ቦታ ናይ ምግዓዝ ዕድል ይህብ

 

መንግስቲ እታ ግዝኣት ንገለ ዓበይቲ ስድራቤታት ኣብ ንኣሽቱ ናይ ህዝቢ መንበሪ ኣባይቲ ብምጥርናፍ ካብ ከተማ ወጻኢ ናብ ናይ ግሊ ክራይ መንበሪ ገዛ ንኽግዕዙ ዕድል ሂብዎም።

ኣስታት 100 ስድራ ቤታት ነዚ ዕድመ እዚ ከም ዝተቐበልዎ ድማ ይግመት ። ሓደ ካባታቶም ፡ ዓብዲራሕማን ማጋንን ስድራ ቤቱን እዮም ፣ ካብ ግምብታት ኣባይቲ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሜልቦርን ዝርከብ ቤት ግዒዞም እዮም ። 

ካብ "ቶም ዝዘርዘሮም ብድሆታት ፡ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎ ኣፓርታማ ፡ ናይ ኢንተርነት ትምህርቲ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ ።

"እቲ ኣፓርታማ ጻዕቂ ዘለዎ እዩ። እቶም ቈልዑ ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ኣስተምህሮታት እናሰምዑ ወይ ምስ መምህሮም እናተዘራረቡ ንሓድሕዶም ክቀራረቡ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ፣ እዚ ገዛ ግን ኣብ ድሕሪት ቦታ ስለዘለዎ ቈልዑ ምስ ላፕቶፓቶም ኮፍ ዝብሉሉን ዝተፈላለየ ቦታታት ኣለዎ ፣ እዚ ከኣ ዓቢ ፍልልይ እዩ "ይብል ።

ማጋን ካልኦት ስድራ ቤታት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ክረኽብዎን ናብ ካልእ ቦታ ኺግዕዙን ተማሕጺኑ ኣሎ ።

ስድራቤታት ናብ ገዛውቲ ክግዕዙ ዝበለጸ እዩ ።
Victorian health officials work to conduct testing during a lockdown of a Melbourne public housing tower.
Victorian health officials work to conduct testing during a lockdown of a Melbourne public housing tower. Source: AAP
ኣብዚ ግምብታት እዚ ዝወሃብ ክታበት ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከም ዘሎ ይኣምን እኳ እንተ ኰነ ፡ ንገሊኦም ሰባት ግን ተወሳኺ እምነት ከም ዘድልዮም ይእመን ።  ሚስተር አብዲሳማድ መጠን ክታበት ክብ ንምባል 'ውን ግዲኡ ገይሩ ።

"እቲ ዝገርም ግን እታ ዝተኸተብኩላ መዓልቲ ንሽዱሽተ ኣዕሩኸይ ምሳይ ናብቲ ማእከል ክታበት ክኸዱ ከእምኖም ኔሩኒ ፡ 'መጠን ክታበት ነዛይዶ' ድማ ይውስኽ ፡" ይብል ሚስተር አብዲሳማድ ን SBS ሱማሊኛ ።

 

ቅኑዕ ድራኸን ግጉይ ተግባርን

ካብ ሰማዒ ጥርዓን ቪክቶሪያ  ዴቦራ ግላስ : እቲ ምዕጻው ኣብ ህዝባዊ ጥዕና መሰረት ከም ዝዀነ እኳ እንተ ገለጸት: እቲ ሃንደበት ብዘይ መጠንቀቕታ ዝፍጸም ተግባር ግን ከም ዘይኰነ ተገንዚባ። ብዘይካዚ ፡ መንግስቲ ንነበርቲ ግምብታት ኣባይቲ ህዝቢ ይቕረታ ክሓትት ሓሳብ ኣቕረበትሎም ፣ እዚ ነቲ ዝተገብረ ምዕጻው ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ንተግባራውነቱን ንሰብኣዊ መሰላትን ክበሃል እዩ ።

 

እዚ ብምትሕብባር SBS ትግርኛ: Sbs ዲንካ: Sbs ስዋሂሊ ከምኡውን SBS ኣምሓርኛ እተዳለወ እዩ ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ዝኸበደ ዕጽዋ  ኣብ ከተማ መልበርን ዓበይቲ ህንጻታት ፍላሚንግተን ዝነብሩ ፡ ነቲ ኣብዚ ዓመት እዚ እተራእየ ለበዳ ብዝወሰድዎ  ትምህርቲ ይጻወርዎ ኣለዉ ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ካብዝተተግበሩ ናይ ኮቪድ-19 ግብረመልሲታት እቲ ዝኸበደ እዩ ፡ ኣብ ምንቅስቓስ እገዳታት ብዘይ መጠንቀቕታ ስለዝውሰን ፡ ነበርቲ ካብ ንእሽቶይ ኣፓርታማኦም ወጺኦም ከም መግብን መድሃኒትን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ክዕድጉ ወይ ውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ኣይፍቀዶምን እዩ ።
ዚጐልሕ ነጥብታት ፦
ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ መልበርን 2020 ተሪር ስጉምቲ ምዕጻው ምርሳዕ ከቢድ እዩ ይብሉትምህርቲ እኳ እንተ ተማህረተወስደ ፡ ነቲ ናይ ሓበሬታ ሕጽረት  ንምእላይ ዝያዳ የድሊ'ተሳትፎ ናይ ማሕበረሰብ ሰራሕተኛታትን ጂፒታትን ሓጋዚ እዮ' ይብሉ ኣባላት ኣፍሪቃዊ ማሕበረሰብ
ኣብቲ ግዜ እቲ መንግስቲ ቪክቶርያ ብሰንኪ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ቀጽሪ እቲ ግምቢ ዝርከቡ ንጡፋት ኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባትዩ ።
መብዛሕትኦም እዞም ተቐማጦ እዚኦም ካብ ዝተሓተ ማሕበረ-ቁጠባዊ ከምኡውን / ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት እዮም ።
ሓደ ዓመት ጸኒሑ ፡ እቲ ዝኽሪ ይቕጽል እኳ እንተ'ሎ፡ መልበርን ካልእ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ምስ ኣጋጠማ ፡ ንሻድሻይ ግዜ እታ ከተማ ተዓጽያ ኣላ። ንነበርቲ እቲ ህዝባዊ ህንጻታት ግና እተቐየረ ነገር ኣሎዶ?


Share
Published 6 October 2021 7:15pm
By Hassan Jama


Share this with family and friends