ኣውስትራሊያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንኣህጉራዊ ዶባት ዳግማይ ምኽፋት ትጅምር

ኣውስትራሊያዊያንን ነባራት ተቐማጦን ክወጹን ናብ ሃገሮም ክምለሱን ይኽእሉ ፤ ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ ንሸውዓተ መዓልታት ናይ ገዛ ውሸባ ይካየድ ።

ኣውስትራሊያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንኣህጉራዊ ዶባታ ዳግም ብምኽፋት ካብ ሃገር ንኽወጹ ንዝደልዩ ሰባት ፍቓድ መንግስቲ ክሓቱ ኣይከድልዮምን እዩ።

ፈደራል መንግስቲ ብተወሳኺ ፤ ክልላትን ግዝኣታትን 80 ሚኢታዊ ካብ ህዝበን ድርብ ክታበት እንተኸቲበን ካብ ወጻኢ ሰባት ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትዉ ክኽእሉ እዮም ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ፡ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ መረጋገጺ ሰነድ ክታበት ክረኽቡ ከም ዘለዎም ገሊጹ ።

ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ኣውስትራልያ ኣብ ቀረባ ግዜ ንጕዕዞ ድልውቲ ክትከውን እያ ።

"ኣውስትራሊያዊያን ሂወቶም ናብ ንቡር ምምላስ እዋኑ እዩ ።"



ነቶም ምሉእ ብምሉእ ዝተኸተቡ ኣውስትራሊያዊያንን ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎምን ኣብ NSW ወይ ደቡብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ ዝግበር ፈተነታት ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ናይ ገዛ ውሸባ እዩ ።

እቶም ዘይተኸትቡ ወይከኣ ብናይ ኣውስትራሊያ ናይ ሕክምና ጉድያት ተቐባልነት ብዘይብሉ ክታበት ዝተኸትቡ እሞ ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ሆቴል ን14 መዓልታት ይውሸቡ ።

እቶም ለውጥታት ማለት ናብ ሃገር ዝኣትዉ ወይ ዝወጹ ምሉእ ብምሉእ ዝኽተቡ ውልቀሰባት ናይ ጉዕዞ ቀይድታት ኣይህልውን ማለት እዩ ።
እንተኾነ እቲ መንግስቲ ተወሳኺ ውሳኔታት ንኣህጉራዊ ጉዕዞ ናብ ወጻእተኛታት ከም ናይ ቪዛ ዝሓዙን ዘይተኸትቡን ኣውስትራሊያዊያን ገና ኣብ ግምት ምእታው እዩ ይብል ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዶባት ኣውስትራሊያ ክዕጾ'ኸሎ፡ ንኹሎም ዜግነት ዘይብሎምን ቀወምቲ ነበርቲ ዘይኮኑ ክ ኣትዉ ዘይፈቅድ ኮይኑ፡ ኣውስትራሊያዊያን ዜጋታትን ነበርትን ናብ ወጻኢ ክገሹ ወይ ክምለሱ ፍቓድ ናይ መንግስቲ ክረኽቡ ይሕተቱ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ስድራቤታት ዘለዎም ከምኡ "ውን ኣውስትራሊያዊያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝደልዩ ሰባት ናብ ሃገሮም ኣብዝምለሱ ክውሸቡ ስለዝሕተቱ ብጅምላ ከቢድ ቅልውላው ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።
እቶም ምሉእ ብምሉእ ዝኽተቡ ፡ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብናጻ ክገሹ ይኽእሉ።

"ናብ ዝደለኻዮ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ: እዚ ግን ነቲ ንቡር ቀይድታት ጥራይ ዝምርኮስ እዩ።" ክብል ሚስተር ሞሪሰን ገሊጹ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣስታት 40,000 ዝዀኑ ኣውስትራሊያዊያን ብናይ መንግስቲ ናይ ምምላስ በረራታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብምድላይ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ተመዝጊቦም ኣለዉ ።

መንግስቲ ኣውስትራሊያውያን ኣብ ወፃእ ሃገር ንዝነብሩ ብናይ ገዛ ውሸባ ከምዝጸንሑ ዝሰማምዑ መምሕድዳር ግዝኣታትን ተሪቶርይታትን ናይ መጓዓዝያ በረራታት የካይድ እዩ ኢሉ ሞሪሰን ።


Share
Published 2 October 2021 7:54am
Updated 12 August 2022 3:00pm
By Tom Stayner, Anna Henderson
Source: SBS News


Share this with family and friends