ወዲ 77 ዓመት ዝለዓለ ናይ ቦሊዉድ ኣክተር ኣሚታብህ ባቻን ብቐዳምዩ ብኮቪድ-19 ከምተለኸፈ ተረጋጊጹ፡ ምስ ወዱ ተዋሳኣይ ሆሎዉድ ኣብሂሸክ ብቐዳም ኣብ ሙምባይ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቚቡ።
"ናይ ኮቪድ-19 ተመርሚረ እወታዊ ዉጽኢት ኣርእዩ ኣሎ ... ናብ ሆስፒታል ኣትየ," ብምባል ኣሚት ን 43 ሚልዮን ኣብ ትዊተር ተኸተልቱ ብምጽሓፍ "ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ጥቓይ ዝቐረቡ መርመራ ክገብሩ ብኽብረት እሓትት።" ኢሉ።
ወዱ ኣብሂሸክ ነዚ ሓሳብ ብምውሳኽ "ክልቴና መጠናዊ ምልክታት ስለዝተራእየና ኣብ ሆስፒታል ኣቲና ኣለና። ኩሉ ክሃድእን ከይጭነቕን እሓትት ኣለኹ"
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህንዳዊያን ን ኣሚታባህ ባጫን ዘድንቑ ኮይኖም፡ ንዝብሎ ዘረባ ዝብህጉ፡ ኣብቲ ዝተወልደሉ 11 ጥቅምቲ ኣብ ሙምባይ ቡንጋሎው ዝርከብ ገዝ ኡ በሻሓት ዝቑጸሩ ደገፍቱ እናተረኽቡ ዘኽብሩሉን በረኸቱ ይቕበሉን።
ካብ ፍቕሪ ዝብገስ ብ "Big B", ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣሚት ኣብ 1970ታትዩ ብ ከም "ዛንጊር"ን "ሾላይ" ብዝተባህላ ፊልምታት ስሙ ክገንን ጀሚሩ።
እቶም ንሱ ዝሰርሓሎም ፊልምታት ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ንኽርእዮም ኣብ ሲነማታት ዘምል ኡ ኮይኖም፡ እቲ ሓድሽ ናይ ኮመዲ ድራማ ዝሰርሖ "Gulabo Sitabo" --ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ሲነማታት ስለዝተዓጽወ ብ ኦንላይን ክር አ ክጅምር እዩ።
ወዲ 44 ኣቢሻክ ባቻም ወዱ ን ኣሚት እንተኾነውን ዕዉት ናይ ቦሊዉድ ተዋሳኣይን ኣፍራይን ፊልም ኮይኑ ንተዋሳኢትን ናይ ቀደም ሚስ ዎርልድ ኣይሻ ራይ ዝተመርዓወ እዩ።
ኣብ ህንዲ መጠን ሞት እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ መላእ ህንዲ ብኮሮና ቫይረስ ዛጊት 820,916 ዝተለኽፉ -- (ኣብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ) -- 22,123 ሞይቶም ኣለዉ።
ሰራሕተኛታት ጥዕና ሕጽረት መሳርሒን ኪኢላታትን ከምዘሎ የማርሩ ኣለዉ። ብዙሓት ከምዝብልዎ ዝበዝሐ ህዝቢ ናይታ ሃገር ስለዘይተመርመረ ብዙሕ ቁጽሪ መልከፍቲ ኣሎ።
ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ መንግስቲ ምዕጻው ክህሉ እንተሓተተኳ እታ ሃገር ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምትወድቕ ኣጠንቂቑ ኔሩ።
ካብ መጋቢት ኣትሒዙ ህንዲ ኣብ ዕጹው ኩነታት ኣትያ ኣብዘላትሉ ቦሊዉድ ፊልም ምስኣል ጀሚሩ ኣሎ።
ኣሚታባህ ባቻን ዓይኒ ናይ ህንዲ ኢንዳስትሪ ፊልም ኮይኑ፡ ፍርያቱ ኣብ ተለቪዥን ዝቐረበ ኣብ ቢዝነስ፡ ፖለቲካታትን ኣዚዮም ብዙሓት ናይ ኮመርሺያል ስራሓት ይርከብዎም።

Bollywood superstar Amitabh Bachchan takes a photo during the inauguration of the Kolkata International Film Festival in Kolkata, India in 2015. Source: AAP
ኣብቲ ፈለማ ፍርያቱ ዝበዝሑ ዝውክሎም ዝነበሩ ጠባያት ኣንጻር ዘይፍትሓውነት ዝቃለሱ ብምዃኖም ናይ ህናዲ "እቲ ዝተቖጠዐ ሰብኣይ" ዝብል ስም ጠቢቕዎ ኔሩ።
ንገለ ዓመታት ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ "Who Wants To Be A Millionaire?" ዝብል ናይ ህንዲ ናይ ተለቪዥን ሾው ምምራሕ ብምጅማሩ እቲ ናይ ኣርት ክእለቱን ፋይናንሲያዊ ሃብቱን ክምዕብ ጀሚሩ።
ብመሰረት ናይ ዉሽጢ መዲያ፡ ኣብ ሙምባይ ዝርከብ ናናቫቲ ሆስፒታል ተዓቚቡ ኣሎ።
ካብ ቀዳም ኣትሒዙ ብዙሕ ናይ ጥዕና ይሃብካ መልእኽቲ ዝውሕዙ ዘለዉ ኮይኖም ናይ ቀደም ፍሉጥ ተጻዋታይ ክርኬት ሳቺን ተንዱልካር ብትዊተር ኣብዝሰደዶ መልእኽቲ "ደሓን ክትከውንን ብቕልጡፍ ክትሓዊ እጽልየልካ" ኢሉ።
ናይ ሙምባይ ዞባ እብ ህንዲ ካብዝተኸስተ ሞት ብኮሮና ቫይረስ እቲ ሓደ ርብዒ ብዝሒ ሒዙ ዘሎ እዩ። በዚ ምኽንያት ናይ ዳሳት ሆስፒታላይን መመርመሪ ማእከላት ንምትካል ኣገዲዱ ኣሎ።
ነበርቲ ከተማ መልበርን፡ ኣብ ገዛ ክዕጸዉ፡ ክወጹ ዝፍቀደሎም፡ ንኣድላዪ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ምውስዋስ ኣካላት ከምኡ'ውን ንኣገልግሎት ክንክን ጥራይ እዩ።
People in Australia must stay at least 1.5 metres away from others. Check your state’s restrictions on gathering limits.
If you are experiencing cold or flu symptoms, stay home and arrange a test by calling your doctor or contact the Coronavirus Health Information Hotline on 1800 020 080.