ሓደ ካብቶም ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታል ዝሰርሑ ክልተ ነርሳት ፡ ጸረ-ሴማዊ ዝዀነ ሓሳባት ሂቦም ንሕሙማት እስራኤላውያን ከም ዝቐትሉ ዝፈከሩ ብጠበቓኡ ኣብኢሉ ይቕረታ ሓቲቱ ።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቪድዮ ዝወጸ ርእይቶ ፡ ብፖለቲካውያንን ሕክምናን ማሕበረሰብን መራሕቲን ዝተኾነነ ክከውንከሎ ፡ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ዝርከብ እቶም ነርስኣት ዝሰርሕሉ ሆስፒታል ኩነታት ሕሙማት ብህጹጽ ክምርመሩ ቀሲቡ ኣሎ።
ናይ ኒው ሳውዝ ወልስ (NSW) ፖሊስ ካብቲ ኣብ ባንክስታውን ዝርከብ ሆስፒታል ናይ ሲሲቲቪ ቪድዮ ከም ኣካል ናይቲ ዝገብርዎ መርመራ ወሲዶምዎ ኣለዉ ።
ኣብታ ብሓደ ጸላዊ እስራኤላዊ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ፡ ሓደ ካብቶም ነርሳት ሕሙማት እስራኤል ክሕክሙ ምስዝመጹ ናብ ገሃነም ከም ዝሰዶምም ክገልጽ ከሎ ፡ እታ ካልአይቲ ከኣ "ኣይሕክሞምን እየ ፡ ክቐትሎም እየ" ትብል ። ክልቲኦም ነዚ ዘረባ ክዛረቡ ከለዉ ናይ ሆስፒታል ዩኒፎርም ለቢሶም ነይሮም ።
ብ Nine News ኣብ ዝተፈነወ ሓበሬታ፡ ጠበቓ ነርስ ሞሃማድ ሳክር ፡ ዓሚሉ "ነቲ ዝዀነ ነገር ከዐርዮ" ይጽዕር ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ፡ "ዓሚለይ ነቲ ውልቀ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ብሓፈሻ ንማሕበረሰብ ኣይሁድ ልባዊ ይቕረታ ይሓትቱ ኣሎ" በለ ።
ክልቲኦም ነርስታት ካብ ስርሖም ተሰጒጎም ኣለዉ ።