ኣብ ሲድኒ ክልተ ነርሳት ንእስራኤላዊያን ተሓከምቲ ክቐትሉ ከምዝደልዩ ዝገልጽ ቪድዮ ምስተዘርግሐ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ኣሎ።

ክልተ ኣውስትራሊያዊያን ንእስራኤላዊያን ሕሙማት ክቐትሉ ዝፈከርዎ፡ ነቲ "ዘሰክሕ" ዝተባህለሉ ጉዳይ ንምጽራይ ፖሊስ ን 24 ሰዓታት ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

A man and a woman looking at the camera

NSW Health Minister Ryan Park said on Wednesday morning that the two healthcare workers in the "appalling" video had been identified as nurses at Bankstown Hospital and stood down immediately, pending a full investigation. Source: Supplied

ሓደ ካብቶም ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታል ዝሰርሑ ክልተ ነርሳት ፡ ጸረ-ሴማዊ ዝዀነ ሓሳባት ሂቦም ንሕሙማት እስራኤላውያን ከም ዝቐትሉ ዝፈከሩ ብጠበቓኡ ኣብኢሉ ይቕረታ ሓቲቱ ።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቪድዮ ዝወጸ ርእይቶ ፡ ብፖለቲካውያንን ሕክምናን ማሕበረሰብን መራሕቲን ዝተኾነነ ክከውንከሎ ፡ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ዝርከብ እቶም ነርስኣት ዝሰርሕሉ ሆስፒታል ኩነታት ሕሙማት ብህጹጽ ክምርመሩ ቀሲቡ ኣሎ።
ናይ ኒው ሳውዝ ወልስ (NSW) ፖሊስ ካብቲ ኣብ ባንክስታውን ዝርከብ ሆስፒታል ናይ ሲሲቲቪ ቪድዮ ከም ኣካል ናይቲ ዝገብርዎ መርመራ ወሲዶምዎ ኣለዉ ።

ኣብታ ብሓደ ጸላዊ እስራኤላዊ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ፡ ሓደ ካብቶም ነርሳት ሕሙማት እስራኤል ክሕክሙ ምስዝመጹ ናብ ገሃነም ከም ዝሰዶምም ክገልጽ ከሎ ፡ እታ ካልአይቲ ከኣ "ኣይሕክሞምን እየ ፡ ክቐትሎም እየ" ትብል ። ክልቲኦም ነዚ ዘረባ ክዛረቡ ከለዉ ናይ ሆስፒታል ዩኒፎርም ለቢሶም ነይሮም ።
ብ Nine News ኣብ ዝተፈነወ ሓበሬታ፡ ጠበቓ ነርስ ሞሃማድ ሳክር ፡ ዓሚሉ "ነቲ ዝዀነ ነገር ከዐርዮ" ይጽዕር ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ፡ "ዓሚለይ ነቲ ውልቀ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ብሓፈሻ ንማሕበረሰብ ኣይሁድ ልባዊ ይቕረታ ይሓትቱ ኣሎ" በለ ።

ክልቲኦም ነርስታት ካብ ስርሖም ተሰጒጎም ኣለዉ ።

Share
Published 13 February 2025 9:12am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AAP


Share this with family and friends