መንግስቲ ኢትዮጵያ ሶኑይ ቅጽበታዊ በይናዊ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ወሲኑ። እዚ ውሳነ ዝመጽእ ዘሎ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ከባቢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ዝገበረሉን ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዓለምና ዝኸፍአ ቅልውላው ጥሜት ገጢምዎም ኣብ ዘሎ እዋንን እዩ።
እዚ መግለጺ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተገልጸ ኮይኑ እቲ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሰየመ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ መቐለ ሃዲሙ ምስ ወጸን ንሰብኣዊ ምኽንያታት እቲ ብህጹጽ ዘድሊ ሓገዛት ክባጻሕ ተዂሲ ደው ክብል ድሕሪ ምጽውዑን'ዩ።
እዚ ከም'ዚ'ሉ'ንከሎ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ከተማ ምስ ኣተው ሓጎሶም ይገልጹ'ለው። ካብ ወርሒ ሕዳር ንደሓር ንፈለማ ግዜ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ'ታ ከተማ ክንቀሳቐሱ ከምዝረኣዩ ነበርቲ ገሊጾም ክብል ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።
እዚ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ሓረስቶት መሬቶም ክሓርሱ፡ ማሕበራት ረዲኤት ብዘይ ዝኾነ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ጸገማትን ብነጻ ክንቀሳቐሱን ምስ'ቶም ደለይቲ ሰላም ዝኾኑ ዝተረፉ ኣባላት (ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነበር) ክዛተዩ ክሕግዞም'ዩ ክብል እቲ መንግስታዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ቀደም መራሕቲ ትግራይ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ጻዕርታቱ ግን ሕጂ'ውን ክቕጽሎ ምዃኑ ኣብሪሁ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕ ኲናት ደው ምባል ክሳብ ወርሒ መስከረም መወዳእታ ክራማት ዘራእቲ ዝጸንሕ'ዩ ይብል።
መንግስቲ ንኹሎም ፈደራልን ክልላውን ሓይልታት ነቲ ስምምዕ ከኽብርዎ ኣዚዙ'ሎ።
ኣቦ ወንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብርሃም በላይ መንግስቲ ነቲ ጸገም ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረኽበሉ ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ። ገለ ኣባላት'ቲ ናይ ቀደም መራሒ ሰልፊ ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ክዛተዩ ድሌት ኣለዎም ክብል ወሲኹ።
እንተኾነ ግን ሓይልታት ፈደራልን ፖሊስን ሶኑይ ንግሆ ካብ ከተማ መቐለ ወጺኦም ክኸዱ ከምዝተዓዘቡ ብዙሓት ነበርትን ናይ ደገ ተዓዘብትን መስክሮም ክብል ዘ ጋርዲያን ኣስፊሩ። ምምሕዳር ዝበሃል ኣብ መቐለ ከምዘየለ ኸኣ ኣረጋጊጾምለይ ድሕሪ ምባል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን ድሕሪ'ዚ ዝመጸ'ዩ ኢሉ።
ካብ'ቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተ ኣይገበርን'የ ኢሉ ክኣብዮም ዝጸንሐ ህወሓት "ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርና ኣትያ'ያ" ክብል ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብቲሌፎን ንመደበር ዜና ሮይተርስ ገሊጹ ክትብል ኣልጀዚራ ኣስፊራ።
ካብ'ታ ሰራዊታ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝተፈላለየ በደላት ክፍጽሙ ጸኒሖም ተባሂሎም ዝኽሰሱዎ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ዝተዋህበ ርእይቶ የለን ክብል እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘ ትሪብዩን ዝተዘርግሐ ዜና ኣስፊሩ።
ዝሓለፈ ሶኑይ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ይካየድ ከምዝነበረ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።