ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መቐለ ኣትዮም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሲደ ይብል

ኣብ ኲናት ትግራይ ዓቢይ ነጥበ መቐይሮ ክኸውን ዝኸእል በይናዊ ስጉምቲ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ። እዚ ዜና ዝመጽእ ዘሎ ግን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንመቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም'ዩ ተባሂሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ'ውን ካብ መቐለ ሃዲሙ ከይዱ ተባሂሉ።

Ceasefire declared in Ethiopia

Source: ENA

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሶኑይ ቅጽበታዊ በይናዊ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ወሲኑ። እዚ ውሳነ ዝመጽእ ዘሎ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ከባቢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ዝገበረሉን ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዓለምና ዝኸፍአ ቅልውላው ጥሜት ገጢምዎም ኣብ ዘሎ እዋንን እዩ።

እዚ መግለጺ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተገልጸ ኮይኑ እቲ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሰየመ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ መቐለ ሃዲሙ ምስ ወጸን ንሰብኣዊ ምኽንያታት እቲ ብህጹጽ ዘድሊ ሓገዛት ክባጻሕ ተዂሲ ደው ክብል ድሕሪ ምጽውዑን'ዩ።

እዚ ከም'ዚ'ሉ'ንከሎ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ከተማ ምስ ኣተው ሓጎሶም ይገልጹ'ለው። ካብ ወርሒ ሕዳር ንደሓር ንፈለማ ግዜ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ'ታ ከተማ ክንቀሳቐሱ ከምዝረኣዩ ነበርቲ ገሊጾም ክብል ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።

እዚ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ሓረስቶት መሬቶም ክሓርሱ፡ ማሕበራት ረዲኤት ብዘይ ዝኾነ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ጸገማትን ብነጻ ክንቀሳቐሱን ምስ'ቶም ደለይቲ ሰላም ዝኾኑ ዝተረፉ ኣባላት (ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነበር) ክዛተዩ ክሕግዞም'ዩ ክብል እቲ መንግስታዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ቀደም መራሕቲ ትግራይ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ጻዕርታቱ ግን ሕጂ'ውን ክቕጽሎ ምዃኑ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕ ኲናት ደው ምባል ክሳብ ወርሒ መስከረም መወዳእታ ክራማት ዘራእቲ ዝጸንሕ'ዩ ይብል።

መንግስቲ ንኹሎም ፈደራልን ክልላውን ሓይልታት ነቲ ስምምዕ ከኽብርዎ ኣዚዙ'ሎ። 

ኣቦ ወንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብርሃም በላይ መንግስቲ ነቲ ጸገም ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረኽበሉ ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ። ገለ ኣባላት'ቲ ናይ ቀደም መራሒ ሰልፊ ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ክዛተዩ ድሌት ኣለዎም ክብል ወሲኹ።

እንተኾነ ግን ሓይልታት ፈደራልን ፖሊስን ሶኑይ ንግሆ ካብ ከተማ መቐለ ወጺኦም ክኸዱ ከምዝተዓዘቡ ብዙሓት ነበርትን ናይ ደገ ተዓዘብትን መስክሮም ክብል ዘ ጋርዲያን ኣስፊሩ። ምምሕዳር ዝበሃል ኣብ መቐለ ከምዘየለ ኸኣ ኣረጋጊጾምለይ ድሕሪ ምባል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን ድሕሪ'ዚ ዝመጸ'ዩ ኢሉ።

ካብ'ቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተ ኣይገበርን'የ ኢሉ ክኣብዮም ዝጸንሐ ህወሓት "ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርና ኣትያ'ያ" ክብል ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብቲሌፎን ንመደበር ዜና ሮይተርስ ገሊጹ ክትብል ኣልጀዚራ ኣስፊራ። 

ካብ'ታ ሰራዊታ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝተፈላለየ በደላት ክፍጽሙ ጸኒሖም ተባሂሎም ዝኽሰሱዎ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ዝተዋህበ ርእይቶ የለን ክብል እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘ ትሪብዩን ዝተዘርግሐ ዜና ኣስፊሩ።

ዝሓለፈ ሶኑይ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ይካየድ ከምዝነበረ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

 


Share
Published 29 June 2021 4:51am
Updated 29 June 2021 5:17am

Share this with family and friends