መደብ ዝርጋሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣውስትራልያ

መንግስቲ ኣውስትራልያ ንኹሎም ኣውስትራልያውያን ነጻ ቀረብ ክታበታት ኮቪድ-19 ክህቦም ቃል ኣትዩ ኣሎ። እዚ መዝገበ-ሓቅታት ከም ኣካል ናይ'ቲ ሃገራዊ ውጥን ዝርጋሐ (National Rollout Strategy) ንክታበታት ዝምልከት ግድን ክፍለጥ ዘለዎ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።

Descartan dosis de vacunas COVID-19 por fallas de refrigeración.

Source: Getty Images/Larisa Bozhikova

 ናይ ኣውስትራልያ ቀዳምነት ዝወሃቦም ክፋላት ህዝቢን ክታበታት ዝወሃቡሎም ነቑጣታት ኣብ መላእ ሃገርን ፈልዩ ብንጹር የቐምጥ። ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፡ መወሸቢታትን ሰራሕተኛታት ዶብን፡ ከምኡ'ውን ነበርትን ሰራሕተኛታትን መእለዪ ኣረጋውያንን ስንኩላንን ኣብ'ቲ ውጥን ምዝርጋሕ ክታበት ቀዳምነት ዝተዋህቦም ህዝብታት ወይ ክፋላት ሕብረተሰብ እዮም።

ሰለስተ ክታበታት 

ኣውስትራልያ ኣብ ደገ ዝፈረዩ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ክታበታት ክትጥቀም እያ፡ ኩሎም ከኣ ክልተ ግዜ ዝወሃቡ ክታበታት የድልይዎም፡-  ከምኡ'ውን 

ህጻናት ትሕቲ 16 ዓመት ክታበት ዝወሃቦም ሕክምናዊ ምኽሪ ኣብ ዝመጽእ እዋን ወይ ንመጻኢ የድልዮም'ዩ ኢሉ እንተመኺሩ እዩ። ክሳብ ሽዕኡ ግን ዝኾነ ካብ'ዞም ሰለስተ ክታበታት ክወሃቦም ኣይኮነን።

ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ሆስፒታላት፡ ሓፈሻዊ ዶክተራት ዘለውዎም መደበራት ጥዕና (ጂፒ ክሊኒካት)፡ መደበራት ጥዕና ንጸገማት ምትንፋስ፡ ማሕበረሰባዊ መሸጣ መድሃኒታት (ፋርማሲታት)ን ኣገልግሎት ጥዕና ኣቦሪጂናውያንን ክታበታት ክወሃቦም እዩ። እዚ ብዘይካ'ቶም ኣብ መሳለጥያታት መእለዪ ኣረጋውያንን ስንኩላንን ዝነብሩን ዝሰርሑን ማለት'ዩ፡ ምኽንያቱ እዚኦም ኣብ ቦትኦም ክኽተቡ ስለዝኾኑ። 

coronavirus vaccine priority population
Source: SBS


መደብ ክታበት ነቶም ብባህልን ቋንቋን ዝተፈለዩ ማሕበረሰባት

መደብ ትግባረ ክታበት መንግስቲ ኣውስትራልያ ኩሉ ሰብ ክረኽቦን ነቶም ብባህሊ፡ ብዓሌትን ብቋንቋን ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዘለዎም (CALD) ከኣ ባህላዊ ድሕነት ክህልዎን ወይ ቅቡል ክኸውን ምግባሩ ዝዓለመ እዩ።

ወሃብቲ ክታበት መደበራት ጥዕናታቶም ብባህላዊ ኣገባታት ድሕነት ዘለዎም መንገድታት ከምዘካይድዎ ንምርግጋጽ ምስ ማሕበራትን መራሕትን ማሕበረሰብ ኣብ ከባቢኦም ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም። ነዚ ንምትግባር ከኣ ኣብ'ቶም ክታበት ዝህቡ መደበራት ጥዕና ወይ ክሊኒካት ካብ'ዚኦም (CALD) ድሕረ ባይታ ዘለዎም ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታት ምሕዋስ ኣካል ናይ'ቲ መደብ እዩ።

ገለ ካብ'ቶም ጠለባት ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተዋጽአ ሓይሊ ዕማም፡ ክልተ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰራሕተኛታትን ሰባት ካልኣይ እብረ ክታበት ከምዝረኽቡ ንምርግጋጽ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምቕራብ ተርጎምቲ/ኣስተርጎምቲ ክህልው ዘካትቱ እዮም።

coronavirus vaccine priority population
Source: SBS
እቲ ዝተኸተብኩሞ ወይ ክታበትኩም ኣብ ሓደ ህዝባዊ መዝገብ ክትሓዝ እዩ

መንግስቲ ገለ ሓበሬታ ብዛዕባ'ቶም ክታበት ዝተዋህቦም ውልቀ ሰባት ከቐምጥ ኣለዎ፡ መን እዩ ተኸቲቡ መታን ክከታተል። ንነብሲ ወከፍ ዝተዋህበት ክታበት ናይ ኮቪድ-19፡ ናይ ክቱባት መዝገብ ከቐምጡ ግዴታዊ ሓላፍነት ናይ'ቶም ወሃብቲ መደብ ክታበት ኣውስትራልያ እዩ።

እቲ ብዛዕባ ኩነታት ክታበት ሓደ ውልቀሰብ ዝተሓዝ ሓበሬታ ብመንገዲ መዝገብ ጥዕና ውልቀሰባት ዝሕዝ My Health Record፡ ሜዲኬር (ጸብጻብ ታሪኽ ክታበት)፡ ወይ ኣብ'ቲ ግዜ ክታበት ከም ሰነድ ተሓቲሙ ዝወጽእ ምስክር ወረቐትን (certificate ) ድሕሪኡ ብመንገዲ ኢመይል ዝለኣኽ ኤሌክትሮኒካዊ ቅዳሕን ክርከብ/ክቐርብ ትጽቢት ይግበር። 

 

መጠን ብቕዓት ስርዓተ ምክልኻል ይፈላለ እዩ

ሰብነትና ኣንጻር'ቲ ቫይረስ ነብሱ መታን ክሕሉ ጸረ-ህዋሳት (antibodies፟)  ምምንጫው ክጅምር ክልተ ሰሙናት ይወስደሉ፡ ግን 'ምሕላው' ማለት 'ስርዓተ ምክልኻል/ኢምዩኒቲ' ማለት ኣይኮነን። ክኢላ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ኣብ ሮያል መልበርን ኢንስቲትዩት ኦፍ ቴክኖሎጂ (ኣርኤምኣይቲ) ዶክተር ካይሊ ኲን ዝተፈላለዩ ደረጃታት ብቕዓት ክታበት ንኤስቢኤስ ብኸም'ዚ ትገልጾ፡

ደረጃ 1 - ረኽሲ ምሉእ ብምሉእ ዝከላኸል

ደረጃ 2 - ረኽሲ ክከላኸል ዘይክእል፡ ሕማም ከስዕብ ከይግስግስ/ከይቅጽል ግን ደው ከብሎ ይኽእል

ደረጃ 3 - ሕማም ክከላኸል ዘይክእል፡ ናብ ሓደ ዝኸፍአ/ዝበኣሰ ሕማም ግን ኣይምዕብልን/ኣይከይድን

 

ኩሎም ክታበታት ኮቪድ-19 ብነጻ እዮም ዝወሃቡ

እቶም ክታበታት ንኹሎም ኣውስትራልያውያን ዜጋታት፡ ቀወምቲ ነበርትን ኩሎም ቪዛ ዘለዎምን ነጻ እዮም። ዝኾነ ኣብ ኣውስትራልያ ብናይ ተመሃራይ፡ ስራሕ፡ ሞያ፡ ቤተሰብ፡ መጻምዲ፡ ስደተኛ፡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ግዝያዊ ናይ ዑቕባ ቪዛ ዘለዎም፡ ሰብኣዊ ቪዛ፡ ዞባዊ፡ መሰጋገሪ (ብሪጂንግ) ወይ ፍሉይ ቪዛ (ስፔሻል) ዝሓዙ ነጻ ክታበት ኮቪድ-19 ክረኽቡ ይግብኦም ወይ ይምልከቶም እዩ።

ኣብ መዳጎኒ መሳለጥያታት ዝርከቡ ውልቀሰባት'ውን ክታበት ክወስዱ ይምልክቶም/ይግብኦም እዩ፡ እቶም ቪዛኦም ዝተሰረዘ ሰባት'ውን ኣብ'ዚ ይካተቱ።

 


ብቋንቋኹም ዝቐርብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤስቢኤስ 




መንግስታዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ

  • ክፍሊ ጥዕና (Department of Health) - ሓበሬታ ክታበት ኮቪድ-19 
  • ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (Department of Home Affairs) - ሓበሬታ ኮቪድ-19   


  • ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። 
  • ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም/ይረኣየኩም እንተሃልዩ ኣብ ገዛኹም ኩኑ/ጽንሑ መርመራ ግበሩን
  • ንኣገደስቲ መምርሒታት ኣብ ግዝኣትኩም ወይ ምምሕዳራዊ ዶብኩም ብኽብረትኩም ኣብ'ዚ ተመልከቱ፡   
 


Share
Published 21 February 2021 9:42am
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends