ኣብ ኣመሪካ፡ መርክ ናይ መድሓኒት ካምፓኒ ከምዝገልጾ፡ እቲ ብኣፍ ዝውሰድ መድሓኒት ን ኮቪድ-19 ፍቓድ ክወህብ ዝደሊ ዘሎ፡ እቲ ሓደሽ መድሃኒት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ብ50 ሚእታዊ ክቕንስ ከምዝኽእል ምስ ኣረጋገጸ'ዩ።
ንኮሮናቫይረስ ንምፍዋስ ዘኽእል ቀሊል ከኒና ክመሃዝ ካብ ምጅማር እቲ ለበዳ እዚ ንፈላማ እዋን ኮይኑ ፡ እቲ ብዓርቢ ዝተገልጸ ሓበሬታ ናብ' ቲ ሸቶ ንምብጻሕ ከም ዓቢ ስጉምቲ'ዩ ተወሲዱ ።
ቀንዲ ኣማኻሪ ሕክምና ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝዀነ ኣንቶኒ ፋውቺ ንጋዜጠኛታት ፡ "እቲ ሓበሬታ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ" ኢሉ። እቲ ውጽኢት መርመራ ከኣ ፡ ኣብቶም ነቲ ከኒና ዘይወሰዱ ጕጅለ ዝሞቱ ሸሞንተ ሕሙማት ፡ ኣብቶም ነቲ ከኒና ዝወሰዱ ጉጅለ ግና ሞት ከም ዘየለ ተሓቢሩ።
ኣመሪካ 1.7 ሚልዮን ሞልኖልኒፓቪር ዝገዝኣቶ ፍቓድ ተዋሂብዎ ኣሎ። ዝያዳ ንምዕዳግ'ውን ኣብ መስርሕ ኣሎ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ኢሞሪ ናታሊ ዴን ፡ "ንኽትጥቀመሉ ቀሊል ዝዀነ ተወሳኺ ኣማራጺታት እንተ ኣልዩካ ኣዝዩ ባህ ዘብል እዩ" በለት ።
"ሓደ ሰብ ብቐሊሉ ክጥቀመሉ ዝኽእል እንተ ኰይኑ፡ እዚ ዓብዪ ጽልዋ ኣብ ህዝቢ ክህልዎ ይኽእል እዩ ።"
ኰይኑ ግና ፡ ክኢላታት ከምዘጠንቅቕዎ፡ እቲ መድሃኒት እንተ ጸዲቑ ፡ ተኣምር ክፈጥርዩ ማለት ከም ዘይኰነን ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሎ ዝትክእ ነቲ ዝወሃብ ዘሎ ክታበት መመላእታ ክኸውን ኣጕልሑ ።
ዘተባብዕ ውጽኢት
ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ ኣብ እተገብረ ክሊኒካዊ መርመራ ፡ መርክን ምስቲ መሻርኽቱ ሪጅባክ ተርያፕዩቲክ ካብ ከባቢ 770 ሕሙማት ነዚ ሓበሬታ ገምገሙ ፣ እዚ ሓበሬታ እዚ ካብ ዳርጋ ፍርቁ ተሳታፊ ንሓሙሽተ መዓልቲ ከኒና ዝወሰደ እዩ ነይሩ ፣ እቲ ካልኣይ ጉጅለ'ከኣ ፡ ፕላሲቦ ተዋሂቡ።
ካብቶም ከኒና ሙልኞኒራቪር ዝወሰዱ ተሓከምቲ እቶም 7.3 ሚእታዊት ኣብ መበል 29 መዓልቲ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ፡ እዚ ድማ ምስቶም 14.1 ሚእታዊት ናይቶም ኣብፕላሲቦ ዘለዉ ክወዳደር ከሎ ፡ ዳርጋ 50 ሚእታዊት ብተዛማዲ ሓደጋ ዘጉድል ኮይኑ እዩ ተረኺቡ።
ኣድማዕነት ናይቲ መድሃኒት ኣንጻር እቲ እተፈላለየ ዘሻቕሉ ዓይነት ኮሮና: ንኣብነት ደልታ: እቲ ሓሽሽ ጽቡቕ ናይ ድሕንነት ሓበሬታ ኣለዎ ።
እቲ ካብ ማሕበረሰብ ሕክምና እተዋህበ ምላሽ ፡ ኣዝዩ ዘተባብዕ እዩ ነይሩ ፣ ገሊኣቶም ከኣ ጥንቁቓት እዮም ነይሮም ።
ዳይረክተር ትካል ምርምር ስክሪፕስ ትራንስሌሽን ዝዀነ ኤሪክ ቶፖል ፡ እቲ ውጽኢት ኣዝዩ ኣወንታዊ ከም ዝነበረ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ኣሎ ፣ "ኣብቲ ኣንጻር ኮቪድ ዝግበር ቃልሲ ፡ ዓቢ ዝላ ዝቑጸር እዩ" ።