እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-10፡ ኣብ NSW ልዕሊ 50 ሚእታዊ ካብ ዓበይቲ ናይ ፈለማ ዶስ ክታበት ረኺቦም፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኣዚዩ ልዑል ኣሎ።

እዚ ሓበሬታ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ 15 ነሓሰ 2021 ዘሎ ኩነታት ኮሮናቫይረስ እዩ።

News

Tradesmen and women stand in a line wearing face masks as they wait to be vaccinated at the Sydney Olympic Park Source: AAP


  • ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ናይ መጀመርያ ናይ ክታበት ዶዝ ኣብ NSW ተዋሂቡ።

  • ኣብ ቪክቶሪያ ተወሳኺ ናይ ክታበት ምዝገባ

  • ኣብ ACT ክልተ ፡ ኣብ QLD ድማ ዜሮ ሓደስቲ መልከፍቲ ተረኺቡ።

  • ሎሚ ምሸት ሓደ ሚልዮን ዶስ ተወሳኺ ፋይዘር ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትው እዩ።


ኒው ሳውዝ ወልስ
415 ሓደሽቲ መልከፍቲን ኣርባዕተ ሞትትን ኣብ NSW ተመዝጊቡ። እንተ ወሓደ 35 ሰባት ምስመልከፍቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝጸንሑ'ዮም ።

እቶም ዝለዓለ ቑጽሪ ሓደሽቲ ጉዳያት ዘለዎም ከባቢታት ብላክታውን: ከረን ድሪት: መሪዮን: ሜሪላንድ: ኦርባንን ጊልድፎርድን እዮም ።

ፕሪሜር ግላዲስ በረጂክልያን ከምዝገለጸቶም እቲ ግዝኣት 50 ሚእታዊ ብኸፊል ዝኽተብ እኹል ሰብ በጺሕሉ ዘሎ እዋን ካብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ፡ ዝኽተቡ ሰባት ገለ ናጽነት ክረኽቡ "ዕድላት" መንግስቲ ይሓስብ ከም ዘሎ ገሊጻ ።

ቪክቶርያ
ቪክቶርያ 25 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣ ካብዚኣቶም እቶም ኣርባዕተ ምስቲ ፍሉጥ ለብዒ እተተሓሓዘ ኣይኰኑን ። ዓሰርተ ሰለስተ መልከፍቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ምስመልከፍቶም ዝጸንሑ እዮም።

ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ ፡ ሎሚ ኣብ ወብ ሳይት ናይ መንግስቲ ፡ 84,000 ዝኽተቡ ክምዝገቡ ከም ዝርከብ ሓቢሩ ኣሎ ።

ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
  • ኲንስላንድ ካብ ዉሽጢ መልከፍቲ ኣይተረኽበን ፡ ተወሳኺ ፖሊስ ናብ ዶብ NSW ኣዋፊራ ትርከብ።
    ACT ፡ ካብ ውሽጢ እተረኽበ ክልተ ሓደስቲ ሰባት ከም እተለኽፉን ፡ ካብኡ እቲ ሓደ ምንጩ ምስጢር እዩ ።
    ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ 'ቲ ድሮ ኣውስትራሊያ ተወዓዒላቶ ዘላ 40 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ፡ ተወሳኺ ሓደ ሚልዮን ዶስ ናይ ፋይዘር ኮቪድ-19 ክታበት ኣውሒሱ ኣሎ ።


ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


 
 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

 
 
 

Share
Published 15 August 2021 1:51pm

Share this with family and friends