ሓድሽ ሓበሬታ ኮቪ-19: ኣብ NSW ብዝሒ መልከፍቲ ይውስኽ, ኲንስላንድ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ን26 ሓምለ 2021 ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዘሎ እዋናዊ ሓበሬታ እዩ ።

Signs of AstraZeneca and Pfizer Covid-19 vaccines outside a doctors surgery in the lower north shore suburb of Lane Cove in Sydney

Signs of AstraZeneca and Pfizer Covid-19 vaccines outside a doctors surgery in the lower north shore suburb of Lane Cove in Sydney, Monday, July 26, 2021. Source: AAP Image/Mick Tsikas

  • ኣብ NSW ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ልዑል ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ቀንዲ ረቛሒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ ።
    ኣብ ቪክቶርያ ፡ ቀይድታት ብቐሊሉ ክትግበር ዝከኣል እኳ እንተ ኰነ ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ኣሎ ።
    ናይ ደቡብ ኣውስትራሊያ ዕጽዋ ከምዘኽተመ ኣረጋጊጻ ።
    ኲንስላንድ ድሕሪ እቲ ናይ ሲድኒ ዕጽዋ ኣወንታዊ ጒዳይ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ እያ ዘላ ።


New South Wales
N

ሳውዝ ኣውስትራሊያ ናይ ከባቢ 145 ሓደስቲ እተቐመጡ ጕዳያት መዝጊባ ኣላ ። ኣብ ፌርፊልድ ከኣ ቍጽሪ እመልከፍቲ እናጎደለ ከይዱ። ኮሚሽነር ፖሊስ ሚክ ፉለር ኣብ እዋን ዕጽዋ ኣብ ሲድኒ ተቓውሞ ክገብር ንዝሓስብ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ።

ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ፋርማሲታት ፡ ክታበት ኣስትራዘነካ ንልዕሊ 60 ዓመቶም ክህቡ ከምዝኽእሉ ፡ ናይ NSW ሓላፊ ጥዕና ዶክተር ኬሪ ቻንት ፡ ገሊጻ፡ ሕጽረት ፋይዘር ኮቪድ-19 ክታበት ከምዘሎ ዘጕልሕ እዩ ።

ዶክተር ቻንት ኩሉ ማሕበረሰብ ክታበት ንክረክብ ትምሕጸን ። ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ ርኸብ።

ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ 11 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ። ኵሉ መልከፍቲ ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ደልታ ተራእዩ ዝነበረ ዓይነት ቫይረስ ዝተሓሓዝ ኰይኑ ፡ እቲ ናይዞም ዝተረኽቡ መልከፍቲ ግን ኣብ ውሸባ ዝጸንሑ እዩ ነይሩ ። ጠቕላላ ብዝሒ ንጡፋት መልከፍቲ 190 በጺሑ ኣሎ።

እቲ ሓምሻይ ዕጽዋ ሰሉስ 27 ሓምለ ሰዓት 11: 59 ድ.ቐ. እዩ ዘብቅዕ: እንተዀነ ግን ሰበ-ስልጣን "ክሳዕ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይተወድአን" ይብሉ ።

ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
  • ኣብ መላእ ደቡባዊ ምብራቕ ኲንስላንድ ማስክ ምውዳይ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ 
  • ደቡብ ኣውስትራሊያ ብረቡዕ 12: 01 ቅድሚ ቀትሪ ናይ ዕጽዋ እገዳታት ንምልዓል ትዳሎ ኣላ ፡ እንተኾነ ገለ ሕግታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሑ እዮም ።
    ብመሰረት ናይ ፌደራል ሓለዋ ጥዕና ክፍሊ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ 2117 ንጡፋት ኮቪድ-19 ኣለው ።


ቤላ ቤሎ ብዛዕባ ኮቪድ-19:
ጥዑያት መንእሰያት ብኮቪድ-19 ኣይጥቅዑን ። ንዝኣረጉ ወይ ንዝሓመሙ ሰባት ጥራይ እዩ ዝጎድእን ዝቐትልን ።

ሓቅታት ኮቪድ-19:
እቲ ቫይረስ ንኣረጋውያን ሰባትን ነቶም መሰረታዊ ፀገማት ዘለዎምን ብዝያዳ ዝጸልዎም እኳ እንተዀነ: ንገለ ጥዑያት መንእሰያት እውን ይሃስዮምን ይቐትሎምን እዩ ።


ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ   .





ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


 
 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝ ኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

 
 

Share

Published



Share this with family and friends