- ኣብ ዞባዊ NSW ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ 10 መስከረም ተናዊሑ
- ቪክቶርያ 25,000 ዝኣክል ናይ ፋይዘር ዶስ ትቕበል
- ናይ ንግዲ ደገፍ ኣብ ACT ይኽፈት
- ኲንስላንድ ኣብ ጥቓ ቶዎምባ ናይ ውሸባ ማእከል ክትሃንጽ እያ
ኒው ሳውዝ ወልስ
Nsw ኣ 1,029 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት መዝጊባ ኣላ ፡ እዚ ድማ እንተወሓደ 37 ኣብቲ ማሕበረሰብ በቲ ሕማም ተታሒዞም እናሃለዉ ዝጸንሑ እዮም ። ሰለስተ ዘይተኸተቡ ሰባት ሞይቶም ።
ፕሪመር ግላዲስ በረጂክሊያን ካብ 13 መስከረም ጀሚሮም ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ነበርቲ ዝለዓለ ናጽነት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጣ::
ካብ ናይ ከባቢያዊ ምምሕዳር ከባቢታት ወጻኢ ዝነብሩ ሰባት ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ፡ ኣብ ግዳም ክእከቡ ይኽእሉ ።
- ኣብ ዉሽጢ ስድራቤታት ናብ ደገ ክወጹ ዝፍቀደሎም እቲ ብዛዕባ ዘሎ ሰዓት እቶ እቶን ናይ ምንቅስቓስ ገደብን ተኸቲሎም'ዮም።
ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ 80 ሓደስቲ ናይ ከባቢ እተለኽፉ ሰባት መዝጊባ ኣላ ፣ 41 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ከለዉ ኣብቲ ማሕበረሰብ እተረኽቡ እዩም ።
ኣብ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ናይ ኣስትራዘነካ ቆጸራ ዘለዎም ሰባት ሕጂ ብቐጥታ ነቲ ናይ ፋይዘር ኮቪድ-19 ክታበት ክቕበሉ ይኽእሉ። 25,000 ዶስ ዝኣክል ፋይዘር ናብ ቪክቶርያ ከም ዝበጽሐ ኣዛዚ ኮቪድ ጀረን ቫይማር ኣፍሊጡ።
ግዝኣት ዋና ከተማ ኣውስትራሊያ
ኣብ ACT 14 ሓደስቲ መልከፍቲ ተመዝጊቦም ፡ ጠቕላላ ናይ ንጡፋት መልከፍቲ ናብ 190 ክብ ኣቢሎሞ ኣለዉ ።
ካንቤራ በቲ ዕጽዋ ዝተጸልወ ናይ ንግዲ ትካላት ኣብዚ እዋን 'ዚ ክሕግዝ ይኽእል ን ኣስራሕቲ ኩባኒያታት ክሳብ $10,000 ንሰራሕተኛታት ዘየስርሑ ሰብ ቢዝነስ ድማ $4,000 ይቕበሉ
ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
- ኲንስላንድ ኣብ ጥቓ ቶዎምባ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዌልካም ናይ ዞባ ውሸባ ህንጻ ንምስራሕ መዲባ ።
- ኣብዚ እዋን "ዚ ኩሎም ኣብ ክሊ ኖርዘርን ተሪቶሪ ዝርከቡ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ናይ ፋይዘር ክታበት ኮቪድ-19 ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ።
ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : , , , , , , .
- ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:
This story is also available in other languages.
SHOW LANGUAGES
FollowTigrinya on Social