እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19: ልዕሊ 70 ሚእታዊ ዕድሚኦም 16 ልዕሊኡን ኣውስትራሊያዊያን ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም።

እዚ እዋናዊ ሓበሬታ ኮሮና ቫይረስ ኣውስትራሊያ 20 ጥቅምቲ 2021 እዩ።

Australian Health Minister Greg Hunt (left) and Australia’s Chief Medical Officer Paul Kelly speak to the media during a press conference at Parliament House in Canberra, Wednesday, October 20, 2021. (AAP Image/Lukas Coch) NO ARCHIVING

Health Minister Greg Hunt (left) and Chief Medical Officer Paul Kelly during a press conference at Parliament House in Canberra, Wednesday, October 20, 2021. Source: AAP Image/Lukas Coch

  • ቪክቶሪያ ምስ NSW ዘለዋ ዶባዊ ቀይድታት ኣፍኩሳቶ።

  • ህጹጽነት ዘይብሎም መጥባሕቲ ኣብ NSW ይጅምር

  • ACT 24 ሓደስቲ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ መልከፍቲ


ቪክቶሪያ

ቪክቶርያ 1,841 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣በዚ ከኣ ብድምር 22,598 በቲ ቫይረስ እተለኽፉ ከም ዘለዉ ዝሕብር እዩ ። ተወሰኽቲ ዓሰርተው ክልተ ሰባት ሞይቶም ።

ካብ ሎሚ ጀሚሮም ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ሰባት ናብ ቪክቶሪያ ክበጽሑ ምስመጹ ክውሸቡ ኣየድልዮምን እዩ ።

ካብ ዞባ ግሬት ሲድኒ ፡ እንተላይ ካብ ብሉ ማውንቴን ፡ ማእከላይ ገማግም ፡ ሸልሃርበርን ወሎንግን ዝመጹ ገያሾ ፡ ናብ ቪክቶርያ ንምእታው ገና ናይ ኦሬንጅ ዞን ከድልዮም እዩ ።

ምሉእ ብምሉእ ክታበት ዘይተዋህቦም ሰባት ፡ ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን ንበይኖም ክፈልዩ ፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት መርመራ ክገብሩ ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ክሳዕ ዝረኽቡ ድማ ኣብ ዕጽዋ ክጸንሑ ኣለዎም ።

ኒው ሳውዝ ወልድ

Nsw ካብ ውሽጢ 283 ሓደሽቲ መልከፍትን 7ሞትን መዝጊባ ኣላ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ክፍለ-ግዝኣት ዝተራእየ ኮቪድ-19 ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ፡ ህጹጽ ዘይኰነ ናይ መጥባሕቲ ስራሕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ግሬት ሲድኒ ክቕጽል እዩ ።

መጥባሕቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ግሬት ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ህዝባውን ብሕታውን መሳለጥያታት ፡ እንተላይ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ነፓንስ ኣብ ዝርከብ ብሉ ማውንቴን ፡ ብ75 ሚኢታዊት ዓቕሚ ክጅምርይ።

ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብመላእ ኣውስትራሊያ

  • ኣብ ካንቤራ ንዝሰርሑ ናይ ኣካለ ጉድኣተኛ ደገፍ ሰራሕተኛታትን ኣብ ገዛ ውሽጢ ንዝጸንሑ ከምኡ'ውን ኣብ ማሕበረሰብ ክንክን ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ናይ ኣስገዳድ ክታበት ከምዝውሃብ ናይ ACT ምልክታ ኣፍሊጡ ።

  • ፈደራል ሚንስትር ጥዕና ግሬግ ሃንት ከምዝገለፆ ኣውስትራሊያ ካብ 16ን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ዓበይቲ ሰባት ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ምሉእ ብምሉእ ክታበትተኸቲቦም ኣለዉ።



Share
Published 20 October 2021 3:54pm
By SBS/ALC Content
Source: SBS


Share this with family and friends