- ቪክቶሪያ ምስ NSW ዘለዋ ዶባዊ ቀይድታት ኣፍኩሳቶ።
- ህጹጽነት ዘይብሎም መጥባሕቲ ኣብ NSW ይጅምር
- ACT 24 ሓደስቲ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ መልከፍቲ
ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ 1,841 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣በዚ ከኣ ብድምር 22,598 በቲ ቫይረስ እተለኽፉ ከም ዘለዉ ዝሕብር እዩ ። ተወሰኽቲ ዓሰርተው ክልተ ሰባት ሞይቶም ።
ካብ ሎሚ ጀሚሮም ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ሰባት ናብ ቪክቶሪያ ክበጽሑ ምስመጹ ክውሸቡ ኣየድልዮምን እዩ ።
ካብ ዞባ ግሬት ሲድኒ ፡ እንተላይ ካብ ብሉ ማውንቴን ፡ ማእከላይ ገማግም ፡ ሸልሃርበርን ወሎንግን ዝመጹ ገያሾ ፡ ናብ ቪክቶርያ ንምእታው ገና ናይ ኦሬንጅ ዞን ከድልዮም እዩ ።
ምሉእ ብምሉእ ክታበት ዘይተዋህቦም ሰባት ፡ ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን ንበይኖም ክፈልዩ ፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት መርመራ ክገብሩ ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ክሳዕ ዝረኽቡ ድማ ኣብ ዕጽዋ ክጸንሑ ኣለዎም ።
ኒው ሳውዝ ወልድ
Nsw ካብ ውሽጢ 283 ሓደሽቲ መልከፍትን 7ሞትን መዝጊባ ኣላ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ክፍለ-ግዝኣት ዝተራእየ ኮቪድ-19 ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ፡ ህጹጽ ዘይኰነ ናይ መጥባሕቲ ስራሕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ግሬት ሲድኒ ክቕጽል እዩ ።
መጥባሕቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ግሬት ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ህዝባውን ብሕታውን መሳለጥያታት ፡ እንተላይ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ነፓንስ ኣብ ዝርከብ ብሉ ማውንቴን ፡ ብ75 ሚኢታዊት ዓቕሚ ክጅምርይ።
ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብመላእ ኣውስትራሊያ
- ኣብ ካንቤራ ንዝሰርሑ ናይ ኣካለ ጉድኣተኛ ደገፍ ሰራሕተኛታትን ኣብ ገዛ ውሽጢ ንዝጸንሑ ከምኡ'ውን ኣብ ማሕበረሰብ ክንክን ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ናይ ኣስገዳድ ክታበት ከምዝውሃብ ናይ ACT ምልክታ ኣፍሊጡ ።
- ፈደራል ሚንስትር ጥዕና ግሬግ ሃንት ከምዝገለፆ ኣውስትራሊያ ካብ 16ን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ዓበይቲ ሰባት ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ምሉእ ብምሉእ ክታበትተኸቲቦም ኣለዉ።