- ቪክቶርያ ፡ እቲ ዝበዝሐ ሞት ብ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝረኣየትላ መዓልቲ
- NSW; ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ-ሰንበት 80 ካብ ሚእቲ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትበ ሰብ ክበጽሕ እዩ።
- ኣብ ACT ኣማኢት ናይ ምቅላዕ ቦታታት
ቪክቶሪያ
ቪክቶሪያ 1,571 ሓደስቲ ብ ኮቪድ-19 እተለኽፉን 13 ሞትን መዝጊባ ኣላ ።
ኢለክቲቭ መጥባሕቲ ንግዜኡ ደው ኣቢሉ ኣሎ።
ሆስፒታል ህጻናት መልበርን ፡ ናብቲ ሆስፒታል ዝበጽሑ በጻሕቲ፡ ናይ ረፒድ ኣንቲጂን ተስቲን ኣታኣታትዩ ፡ እዚ ድማ ፡ እቲ ተላባዒ ዝዀነ ወላዲ ፡ ናብቲ ጽዑቕ ክንክን ጥዕና ዝግበረሉ ክፍሊ ምስ በጽሑ እዩ ።
ሚንስትር ጥዕና እታ ግዝኣት ማርቲን ፎሊ ከምዝበሎ ሚቸል ሻየር ኣብ ዞባ ሁም ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚሩ ካብ ዕጽዋ ክወጽእ እዩ ኢሎም ።
ኒው ሳውዝ ወልስ NSW
Nsw 444 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉን ኣርባዕተ ዝሞቱን መዝጊባ ኣላ ።
እታ ግዝኣት ክሳብ ሰንበት ኣብ ዘሎ ግዜ 80 ሚኢታዊ ካብ ህዝባ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ክታበት ዒላማ ክትበጽሕ ትኽእል ።
ፕሪሜር ዶሚኒክ ፐሮታይ ፡ ካቢነ ሚኒስተራቱ ጽባሕ ተኣኪቡ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ዝቐልል ቀይድታት ድሕሪ ምምይያጥ ፡ ናይ ቀጻሊ መደብ ኣሚቱ ኣሎ ። ዓርቢ መዓልቲ ምልክታ ክቐርብ ይኽእል እዩ ።
ልዕሊ 75.2 ካብ ነበርቲ ልዕሊ 16 ዓመት ሙሉእ ብሙሉእ ክታበት ዝተወሃቦም ኮይኑ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ድማ እንተወሓደ ሓደ ዶዝ ተኸቲቦም ኣለዉ።
ACT
ኣብ ኤይ ሲቲ 51 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ኣለዉ ። ኣብ ሆስፒታል ካብ ዘለዉ 16 ሕሙማት ፡ እቶም ሸሞንተ ኣብ ጽዑቕ ክንክን፣ እቶም ሓሙሽተ ድማ መተንፈሲ የድልዮም ።
ልዕሊ 370 ዝኾኑ ናይ ቃልዕ ቦታታት ኣለዉ ፡ ካንቤራውያን ድማ ብዛዕባቲ ሓደሽቲ ቦታታት ሓበሬታ ኽርከቡ እዮም
ኣብ 24 ሰዓታት ኣብ ካልእ ክፋል ኣውስትራሊያ
- ቪክቶሪያ ካብ ኣውስትራሊያ ወፃእ ክሳብ 1000 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሓለዋ ጥዕና ትምልምል ኣላ፡ እዚ ድማ ብዝሒ ሕሙማት ናይቲ ቫይረስ ኣብ ዝዓብየሉ እዋን ነቲ ስርዓት ንምድጋፍ እዩ።
ACT ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይ 99 ሚኢታዊት ዕድርብ ክታበት ካብ ዝኸተባ ከተማታት ዓለም ሓንቲ ንምዃን ትግስግስ ኣላ።