Latest

ኣውስትራልያ ኣብ ዝመጽእ ቁሪ ሓጋይ ንወሰኽ መልከፍቲ ኮቪድ ኣብ ትዳለወሉ እዋን ሓምሻይ እብረ ክታበት ክትህብ ትሓስብ

እዚ እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራልያ'ዩ።

Wet Weather Continues In Sydney

Pedestrians walk across Park St in the Sydney CBD . Credit: Don Arnold/Getty Images

ቀንዲ ነጥብታት
  • ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ ኮቪድ ቫይረስን ቀተልቲ ባክተርያን ዝቐትል ሓደ ብላዕሊ ዝንጸግ ፈሳሲ ፈጢሮም ኣለዉof Queensland researchers develop a surface spray that can kill COVID virus and deadly bacteria
  • ሞታት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ቻይና ናብ ዝለዓለ 36000 ኣብ መዓልቲ ክድይቡ ይኽእሉ'ዮም፡ ሓደ ሓድሽ ትንበያ
  • ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ኣብ ሰሙናዊ ቁጽሪ መልከፍታት ኮቪድ-19 ናይ 32.5% ምቕናስ ኣርእዩ
ሚኒስተር ጥዕና ማርክ ባትለር ፈደራላውን ግዝኣታውን መንግስታት ኣብ ዝመጽእ ሓጋይ ንዝህሉ ወሰኽ መልከፍታት ኮቪድ-19 ይዳለዋ ኣለዋ ኢሉ።

"ናብ ኣዋርሕ ሚያዝያ፡ ግንቦትን ሰነን ኣብ ነምርሓሉ እዋንን እቲ ሕጂ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ዝገጥምዎ ዘለዉ ክንገጥሞ ምስ ጀመርና፡ ንሕና ብቐዳምነት ብዛዕባ ተወሳኺ መደንፍዒ ክታበት ክንሓስብ የድልየና።" ክብል ንኤቢሲ ኒውስ ሓቢሩ።
ሚስትር ባትለር እቲ ፈደራል መንግስቲ ንሓምሻይ እብረ ክታበት ብዝምልከት ምኽሪ ካብ Australian Technical Advisory Group on Immunisation (ATAGI) ይጽበ'ሎ ኢሉ።


ሓምሻይ እብረ ክታበት ነቶም ብቕዓት ምክልኻል ሕማም ሰብነቶም ዝተዳኸመ ኣብ በጽሒ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ድሮ ክወሃብ ጸኒሑ'ዩ። እንተኾነ ግን ATAGI ካልኦት ተወሰኽቲ ሰባት ክካተቱ ንምግባር ነቶም መለክዒታት የስፍሖም ኣሎ።

ሚስትር ባትለር ንተሳተፍቲ ኣብ'ቲ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ፈስቲቫል ሲድኒ Sydney WorldPride 2023 ክታበት ኤምፖክስ (mpox) ንምውሳድ ክሓስብሉ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ኣብ'ቲ ን17 መዓልታት ዝካየድ ፈንጠዝያታት ልዕሊ 500000 ሰባት ክሳተፉ'ዮም ኢሉ ይኣምን።
"ወቕቲ ፈንጠዝያታት ምሉእ ናህሩ ሒዙ ማለት ተኽእሎ ወሰኽ ቁጽሪ መልከፍታት'ቲ ቀደም በዲዶ ህበይ (ማንኪ ፖክስ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፡ ኤምፖክስ፡ ኣሎ ማለት'ዩ፡" ይብል እቲ ሚኒስተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።



ክፍሊ ጥዕና ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ NSW Health ዝሓለፈ ዓርቢ ናይ 32.5% ምንቁልቋል ኣብ ሰሙናዊ መልከፍቲታት ኮቪድ-19 ኔሩ ክብል ሓቢሩ።

እቲ ክፍሊ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተራእዩ ንኡሳን ዓሌታት ኣዝዩ ተመሓላላፊ ዝኾነ XBB.1.5 ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ኣብ'ታ ግዝኣት ቁጽሩ ኣይውስኽን ኣሎ ክብል ወሲኹ።



ግዝኣት ወስተርን ኣውስትራልያ ኣተሓሕዛን ግብረመልስን ለበዳ ኮቪድ-19 ንኽግምግሙ ሰለስተ ክኢላታት ሰይማ'ላ።

ግዝኣት ኲንስላንድ ራብዓይ ማዕበል ኮቪድ-19 ሕጂ ኣብ'ታ ግዝኣት ብወግዒ ኣብቂዑ'ሎ ኢላ።

ግዝያዊ ፕሪምየርን ሚኒስተር ጥዕናን ስቲቨን ማይልስ ናይ'ታ ግዝኣት ምምሕልላፋት ኣብ ማሕበረሰብ መጠኖም ኣብ ዝተሓተ ደረጃ'ዩ ዘሎ ኢሉ።


ተመራመርቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ኲንስላንድ ንኮቪድ-19 ቫይረስን ቀተልቲ ባክተርያን ከጥፍእ ወይ ክቐትል ዝኽእል ኣብ ገበር ዝንጸግ ፈሳሲ ፈጢሮም።

እዚ ንጽሬት ከገልግል ተባሂሉ ምምሕዳር መድሃኒታዊ ኣቕሑት ዝግምግሞ ዘሎ ዝንጸግ ፈሳሲ ን24 ሰዓታት ብቑዕ ምክልኻል ክህብ ዝኽእል'ዩ።
ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን ትካላት ምርምርን ክልተ ኣፍረይቲ መሻርኽተንን ሓደ ጸረ-ቫይረስ መድሃኒት ንኮቪድ-19 ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።
እዚ ጸረ-ቫይረስ መድሃኒት ንኩሎም ኦሚክሮን ዝዓይነቶም ዓሌታት ኣብ ዋህዮታት ደቂሰባት ከይባዝሑ ክዓጽዎም ወይ ክኽልክሎም ትጽቢት ይግብረሉ።
ነጻ ትንበያ ዝህብ ትካል ኤይርፊኒቲ (Airfinity) ቁጽሪ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ቻይና ዝለዓለ ክሳብ 4.8 ሚልዮን ኣብ መዓልቲ ክበጽሑ ይኽእሉ'ዮም፡ ሞታት ከኣ ካብ 13-27 ጥሪ 36000 ክበጽሑ'ዮም ኢሉ።
ፕረዚደንት ሺ ዢንፖንግ በቶም ኣብ ገጠራዊ ከባቢታት ዘለዉ ናህሪ ዘለዎም ምስፍሕፋሓት ዝሓደሮ ስግኣት ገሊጹ'ሎ።

"ኣነ ብዝለዓለ ተሻቒለ ዘለኹ ብዛዕባ ገጠራዊ ከባቢታትን ሓረስቶትን'ዩ። ኣብ ገጠራዊ ከባቢታት መሳለጥያታት ሕክምና ድኹማት'ዮም፡ ስለ'ዚ ቀዲምካ ምክልኻል ክትገብር ከቢድ'ዩ፡ እቲ ስራሕ ከኣ ኣድካሚ'ዩ፡" ክብል ሮቡዕ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ገሊጹ።




Find a Long COVID clinic

Find a COVID-19 testing clinic

Register your RAT results here, if you're positive

Here is some help understanding

Read all COVID-19 information in your language on the

Share
Published 20 January 2023 7:23pm
By SBS Tigrinya
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS


Share this with family and friends