ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጥሪ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኮንግረስ መደረ ኣስሚዑ ኣሎ ፡ "ኣመሪካ ናብ ቦታኣ ተመሊሳ ኣላ።" ኣመሪካዊ ሕልሚ "ዝዓግቶ የለን" ብምባል ኣብ ኻልኣይ ዘመን ስልጣኑ ብወግዒ ስርሑ ከምዝጀመረ ኣጕልሐ ።
መደረ ትራምፕ ንሓባራዊ ኮንግረስ ብሓደ ፕረሲደንት ኣመሪካ ካብ ዝተገብረ ዝነውሐ መደረ ዝነውሐ ግዜ ዝተባህለሉን፡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓትን 40 ደቒቕን ዝጸንሐ ኰይኑ ፡ ንመጻኢ ዝኸውን ተባዕ መብጽዓታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ ።
እቲ ወዲ 78 ዓመት ሪፐብሊካዊ ቢልዮነር ፡ ብቐጥታ ኣብዝመሓላለፍ ዝነበረ ስርዓት ፡ ኣማኻሪኡ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ኣብ ዝተረኽበሉን እዋን ፡ ነታ ሃገር ዳግም ንምህናጽ ኣብ ዝገለጾ መደብ ፡ "ገና ሕጂ እዩ ተጀሚሩ" ኢሉ ።
ትራምፕ ነቲ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ስልጣኑ ዝጸንሓሉ ዝረኸቦ ዓወታት ብምምጓስ፡ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብዘየገድስ ፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዳግም ንምሕዳስን ውግእ ዩክረይን ደው ንምባልን ዝገብሮ ጻዕሪ ከም ዝቕጽሎ ቃል ኣተወ ።
"ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ወይ ሸሞንተ ዓመት ዝግበር ናይ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ፡ ኣብ ውሽጢ 43 መዓልቲ ዓሚምናዮ ኢና ፣ ገና እውን ንጅምር ኢና ዘለና።" ድሕሪ ምባሉ እሙናት ፖለቲከኛታት ፡ "USA USA!" ኢሎም ክጭድሩ ተሰሚዖም ።
ካብ ዘረባኡ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ቀጺሎም ዘለዉ እዮም ነይሮም።
ዝግበር ግብሪ (Tariffs ) ኣብ ቁጠባ ኣመሪካ ግዚያዊ ምርባሽ ከኸትል ይኽእል ይከውን
ትራምፕ ነቲ ኣብዚ ሰሙን 'ዚ ዝጀመሮ ናይ ንግዲ ኩናት ቁጠባዊ ጽልዋ ክገብርዩ ዝበሃል ኣዋዲቕዎ። ከምዝፍለጥ ኣብ ሜክሲኮን ካናዳን 25 ሚኢታዊ ቀረጽ ፡ ካብ ቻይና ናብ ሃገር ዝኣቱ ድማ 10 ሚኢታዊ እዩ ።
ቊጠባ ኣመሪካ ካብቲ ዝግበር ቀረጽ "ዉሑድ ምርብባሽ" ከጋጥሞ ከም ዝኽእል እኳ እንተ ተኣመነ ፡ እቲ ቀረጽ ከም ዘስፋሕፍሕ ምግባሩ ግና ፡ ኣብ መወዳእታኡ ዘቤታዊ ኢንዳስትሪ ከም ክድንፍዕ እዩ ክገብር ኢሉ።
"ቀረጽ ንኣመሪካ ከም እትህብትምን ከም ክትዓቢ ይገብራ እዩ" ድማ ኢሉ ።
"ከምኡ ድማ ኰይኑ ኣሎ ። ቀልጢፉ ድማ ክኸውን እዩ ። ቁሩብ ክርበሽ ይኽእል እዩ ፡ ግን ደሓን ኢና ። ብዙሕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ "በለ ።
ሓረስቶት ሓደ ካብቶም ዝጽለዉ ጽኮይኖም ፣ ትራምፕ ንኢንዱስትሪ ሕርሻ "ቅሩብ ተጸበዩኒ" ኢሉ ተማሕጺንዎም ።
ትራምፕ ፡ ቁጠባ ሕርሻ ንምልዕዓል ብኸመይ መደብ ከም ዘለዎ ዝርዝር ሓበሬታ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝወጽእ ፍርያት ሕርሻ ፡ ቀረጽ ኣመሪካ ምውሳኹ ፡ ዘቤታዊ ንግዳዊ ርክባት ከም ዝከላኸል ገሊጹ ።
እንተኾነ ቀረጽ ንናይ ሕርሻ ፍርያት ናብ ኣመሪካ ንኸይኣቱ ምሉእ ብምሉእ ኣይዓግቶን እዩ ፡ እንተኾነ ግን ንተጠቀምቲ ዝያዳ ክኸብሮም እዩ።
'ድሕሪ ደጊም ዓብላልነት የለን'
ትራምፕ ነቲ "ኣስገዳድ" ናይ ብዙሕነትን ሓቛፍነትን (diversity and inclusion) መደባት ኣብ መላእ ፌደራላዊ መንግስቲ ከም ዘብቅዖ ብምግላጽ: ኣመሪካ "ደጊም ኣይክትስግደድን እያ" ኢሉ መብጽዓ ኣተወ ።
"ወግዓዊ ፖሊሲ መንግስቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ክልተ ጾታ ኣለት ተባዕታይን ኣንስተይትን ጥራይ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ትእዛዝ ከቲመ" ድማ በለ ።
እቲ ትራምፕ ዝሃቦ ትእዛዝ ፡ ክልተ ወግዓውያን ጾታጥራይ ከም ዘለዉ ፡ ንመሰላት እቶም ካልእ ጾታዊምንነት ዘለዎም ሰባት ዒላማ ዝገበረ ካልእ ስምምዕ እውን ከም ዝዀነ ይገልጽ ።
እቲ ትእዛዝ ነቶም ጾታኦም ዝቐየሩ ኣባላት ሰራዊት ንኽባረሩ መገዲ ዝኸፈተ ኮይኑ፡ ኣብ ፓስፖርት ንዝግበር ምልውዋጥጾታ ዝኽልክል ከምኡ "ውን ኣብ ናይ ስቶንዋል ናዕብታት ንምዝካር ካብ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝወጹን ዝገብር እዩ ።
ኲናት ኣንጻር ምስግጋር ሓሽሽ
ትራምፕ ኣብቲ ጾታዊ ዓመጻን ቅትለትን ከም ዝፈጸመ ከምኡውን ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ "ከቢድ ስግኣት ከም ዘውረደ" ዝኸሰሶ ናይ ሜክሲኮ ካርተል ሓሽሽ 'ኽዋጋኦ "ተመባጺዑ ኣሎ ።
"እቲ ካርተላት ኣብ ኣመሪካ ውግእ የካይድ ኣለዉ ፣ ኣመሪካ ድማ ኣንጻሮም ትገብሮ ውግእ ግዜኡ እዩ ተካይዶ ድማ ኣላ" በለ ።
ኣመሪካ በዚኾይኑ በቲ ንግሪናንድ ክትቆጻጸራ እያ፡
ትራምፕ ንህዝቢ ርእሰ ምምሕዳር ክሊ ዴንማርክ "ክንከላኸለልካ ኢና" ብምባል ቃል ኣትዩ፡ ንግሪንላንድ ንምውናን ዝነበሮ ባህጊ ከም ብሓድሽ ገለጸ ።
"ዓለምለኻዊጸጥታዊ ድሕንነት ብሓቂ የድልየና እዩ ፡ ነዚ ድማ ክንረኽቦ ኢና ኢለ እየ ዝሓስብ ። ብሓደ መገዲ ወይ ካልእ መገዲ ክንረኽቦ ኢና "በለ ።
"ብሓንሳእ ፡ ንግሪንላንድ ቅድሚ ሕጂ ሓሲብካዮ ዘይትፈልጥ ናብ ዓብዪ ነገር ኽንወስዳ ኢና ።"
ትረኣምፕ ንዘለንስኪ ኣጠንቂቑ
ትራምፕ ብዛዕባ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ እተዛረቦ ነቐፌታ ኣልዒሉ ።
እንተኾነ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ መደረኡ ግን ካብታ ኣብ ድሮ እታ መዓልቲ ካብ ዘለንስኪ እተላእኸት ደብዳበ ኣንበበ ።
"እታ ደብዳበ ፡ ዩክረይን ነባሪ ሰላም ምእንቲ ከተስፍን ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብቲ ናይ ድርድር ጣውላ ክትመጽእ ድልውቲ ምዃና ዝገልጽ እዩ" በለ ።
" ካብ ዩክሬናውያን ንላዕሊ ሰላም ዝደሊ የለን ። ኣነን ጋንታይን ኣብ ትሕቲ ሓያል መሪሕነት ፕረዚደንት ትራምፕ ንሰላም ክንሰርሕ ድሉዋት ኢና" ብምባል ድማ ካብታ ደብዳበ ኣንበበ ።