ብዙሕ ሰብ ብኮረና ዝተለኽፍዋ ናይ ህንዲ ከተማ ብዝነፍሩ ድሮናትን ነጸግቲ መኻይንን ብመንጽሂ ፈሳሲ ትንጸግ ኣላ።

ዝነፍሩ ድሮናትን መጥፋእቲ ሓዊ መኻይንን ንከተማ ኣህመዳባድ ብመንጽሂ ካብ ህዋሳት ይንጸግ ኣላ። ኣብ ህንዲ 10 ሚእታዊ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ኣህመዳባድ ኮይኑ፡ ህዝቢ ካብ ምዕጻው ዓቕሉ ምስጸበቦ ክወጽእ ምስፈተነ ብፖሊስ ብዘንብዕ ጋዝ ክሰሃሎም ዊዒሉ።

Indian firefighters use hydraulic platform to sanitise an area during a nationwide lockdown to curb the spread of coronavirus in Ahmedabad, India.

Indian firefighters use hydraulic platform to sanitise an area during a nationwide lockdown to curb the spread of coronavirus in Ahmedabad, India. Source: AP

Drones have hovered over the pandemic-stricken Indian city of Ahmedabad, spraying disinfectant on the streets, hours after security forces clashed with residents who flouted a toughened lockdown.
 
እቶም ኣብ ምዕራብ ትርከብ ከተማ ኣህመዳባድ  ዝነብሩ 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ብኸቢድ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ኣንጸላልይዎም ብምህላዉ፡ ነዚ ንምቁጽጻር ሰብ መዚ ህንዲ ይረባረቡ ኣለዉ።
 
ካብቶ ኣብ ህንዲ ብኮረና ቫይረስ ዝሞቱ 2000 ሰባት እቶም 343 ኣብ ኣህመዳባድ ኮይኑ፡ ኣብ ክፍለግዝ ኣት ጉጃራት ዝርከባ ካል ኦት ከተማታትውን ካብተን ብብዝሒ መልከፍቲ ኣጋጢምወን ዘሎ ከተማታት ህንዲ የን
 
ድሮናት ኣብ ሰማያት እናዘምበዩ ናይ ከተማ መኻይን ድማ ኣብቲ በረውረው ዝብል ጽርግያታት እታ ኸተማ እናዘራ ናይ መከላኸሊ ፈሳሲ ብምንስናስ ካብቲ ቫይረስ ከንጽሁ ተራእዮም።
 
"ኣብ ኩሉ ዞባታት እታ ኸተማ መምከኒ ብምንስናስ ዓቢ ወፍሪ ኢና ንገብር ዘላን" ክብል ናይታ ከተማ ኣማሓዳሪ ራጂቭ ጉፕታ ኣፍሊጡ።
Indian migrated workers stands in queue to board a special train at a railway station in Ahmedabad, India.
Source: AP
ህንዲ ካብ 25 መጋቢት ኣትሒዛ  ካብ ዓለም ኣብ ዝተረረ ናይ ምዕጻው ኩነታት እያ ዘላ። ኣብ ከተማ ኣህመዳባድ ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ እቲ ምዕጻው ዝጸንዐ ኮይኑ ኣሎ።
 
ኣማኢት ፓራሚሊታሪ ኣብ ጽርግያታት ንዝረኣይዎ ሰብ ከጓይዩን ኩሉ ዱኳናት ምዕጻዉ ክቆጻጸሩ ተራእዮም።
 
ብዓርቢ ዓቕሎም ዝጸበቦም ነበርቲ ናብ ደገ እናወጹ እምኒ ክድርብዩ ምስጀመሩ ፖሊስ ዘንብዕ ትኪ ክትኩሰሎም ዊዒሉ። ብውሕዱ 15 ሰባት ኣብቀይዲ ዝ ኣተዉ ኮይኖም ብቐዳም ኣብታ ከተማ ብዙሓት ፖሊስ ተወሲኾም ኣለዉ።
ሰብ መዚ ህንዲ እቲ ናይ ለበዳ ቅልውላው ኣብትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ኢሎም ሕርሻን ገለ ኩባንያታት ናብ ስርሖም ክምዝምለሱ እንተገበሩኳ ኪኢላታት ጥዕና ግና ዋላ ድሕርዚ ምዕጻው እቲ ጸገም ገና ከምዘይተወደአን የጠንቅቑ ኣለዉ።
 
ኣብ ህንዲ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ምስቲ ኣብ ኣመሪካን ኣብ ገለ ሃገራት ኣውሮጵን ዝተራእየ ክነጻጸር ዝሓሸ እንተሎኳ ኪኢላታት ጥዕና ግና ኣብ ህንዲ እቲ ጫፍ ናይቲ ብዝሒ ዝረኣየሉ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ምዃኑ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
 
 
 
People in Australia must stay at least 1.5 metres away from others.
 
Check your state’s restrictions on gathering limits. Testing for coronavirus is now widely available across Australia.
 
If you are experiencing cold or flu symptoms, arrange a test by calling your doctor or contact the Coronavirus Health Information Hotline on 1800 020 080.
 
The federal government's coronavirus tracing app COVIDSafe is available for download from your phone's app store. SBS is committed to informing Australia’s diverse communities about the latest COVID-19 developments. News and information is available in 63 languages at













Share

Published

By AFP-SBS
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends