ተቐዳደምቲ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ግብጺ 2022 ኩሉ መዳልያታት ወርቂ ወሲዶሞ

ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ተሳትፎኣ ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ኣርባዕተ መዳልያታት ወርቂ ዓቲራ።

Eritrean cycling team in Egypt

Source: Hadas Eritrea

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኣብ ሻርም ኤል ሸይኽ፥ ግብጺ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 17 ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ውድድር ኣርባዕተ መዳልያታት ወርቂ ብምሕፋስ ብዓብላሊ ከምዝጀመረቶ ተፈሊጡ።

ከምዝዝከር ብመሰረት ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅ/ብ ኤርትራ ገብረትንሳኤ ዳምር ኤርትራ ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ብውልቅን ብጋንታን፣ ምቅብባል በትሪ ሕውስዋስ ጾታታትን ቅድድም መንገዲን ኣብ ናይ ዓበይቲ/ኤሊትን ት23ን መደባት ብኽልቲኡ ጾታታት እያ ትሳተፍ ዘላ። 

እቲ ኣህጉራዊ ውራይ ብቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ጋንታታት ወይ ሃገራት ዝጀመረ ኮይኑ ብወገን መንእሰያት (ጁኒየር) ደቀንስትዮ ፍልማዊት ተኽለ፣ ሮምና ጉዕሽን ራሄል ዘርኢሰናይን ዝርከብአን ተቐዳደምቲ ዝቐልጠፈ ግዜ ብምምዝጋብ ወርቂ መዳልያ ዓቲረን።

ብወገን መንእሰያት (ጁኒየር) ደቂተባዕትዮ ኸኣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፣ ዮኤል ሃብተኣብ፣ ዮናስ ተኪኤን ኤቨን ረዳእን ዝርከብዎም ተቐዳደምቲ እዮም ዕዉታት ኮይኖም ብምውጻአ ወርቂ መዳልያ ዝተሰለሙ።

ኤርትራ ብተወሳኺ ብዓበይቲ (ኤሊት/ሲንየር)ን ትሕቲ 23ን ብኽልቲኡ ጾታታት ተመሳሳሊ ዓወታት ብምምዝጋብን መዳልያታት ብምዕታርን እቲ ክትዕወት ልዑል ግምት ተዋሂብዋ ዝነበረ ጋህዲ ጌራቶ'ላ። ብወገን ኤሊት ደቂተባዕትዮ ዳዊት የማነ፣ ኣኽሊሉ ገብረህይወት፥ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ሚኪኤል ሃብቶምን እቶም ዕዉታት ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉ ኔሮም። በዓል ኣድያም ዳዊትን ዳናይት ፍጹምን ዝርከብአን ተቐዳደምቲ ኸኣ እተን ብደቀንስትዮ ዝተዓወታ ኔረን።

ሞውሪሸስን ሩዋንዳ ብወገን ኤሊት ደቀንስትዮ ኣብ'ቲ 42.6 ኪሜ ርሕቀት ዝነበሮ ቅድድም ካልኣይትን ሳልሰይትን ክወጻ እንከለዋ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን ከኣ ብወገን ደቂተባዕትዮ ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ቦታታት ፖድየም ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን። 


Share
Published 23 March 2022 11:33pm
Updated 23 March 2022 11:49pm

Share this with family and friends