አስቴር ከምቲ ንዕኣ ናይ ፖልዮ ክታበት ዘምለጣ ደቃ ናይ ኮቪድ ክታበት ከምልጦም ኣይትደልን

ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ካብ ፖልዮ ዝደሓኑ ሰባት፡ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ክታበት ምርካብ ብፍላይ ኣብያተ ትምህርቲ ንህጻናት ንምቕባል ኣብ ዝዳለዋሉ እዋንኣገዳሲ እዩ ኢሎም ሓሳቦም የካፍሉ ።

Esther Simbi with her daughters

Esther Simbi is determined to get her daughters vaccinated against COVID-19. Source: Peta Doherty/SBS News

አስተር ሲምቢ ኣንጻር እቲ ዘማስንን ሓድሓደ ግዜ ድማ ሞት ዘስዕብ ሓደገኛ ናይ ፖልዮ ቫይረስ ክታበት ናይ ምርካብ ዕድል ረኺባ ኣይትፈልጥን ።

"ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተወለድኩሉ እዋን ክታበት ኣይነበረን ፡ ብዙሓት ሰባት እንተላይ ኣነ ፖልዮ ይሓሙ ነይሮም" በለት ።

"ሎሙራ ኣብ እትብሃል ቊሸት ፡ ጓል ኣርባዕተ ዓመት እየ ነይረ ። መከላኸሊ ኣይነበረን ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ ድማ ምስ ስንክልና እግረይን ሕቖይን እነብር ነበርኩ "።

አስተር ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክታበት ኣይረኸበቶን ፡ ሕጂ ግን ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ክልተ ኣዋልድ ማለት ደቂ 11ን ሽዱሽተን ቆልዑ ወሊዳ ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዳ ቆሪጻ ተላዒላ ኣላ ።

"ደቀይ ክኽተቡ ዝደልየሉ ምኽንያት ፡ ካብቲ ሕማም ንኽከላኸለሎም እዩ" በለት ።

"ገሊኦም ሰባት ፡ ብፍላይ ከኣ መሰረታዊ ፀገማት ጥዕና እንተ ኣልይዎም ፡ ኮቪድ ክሕዞም ከሎ ይሞቱ እዮም ። እታ ንእሽቶ ጓለይ ፡ ካብ ዕለተ ልደታ ኣትሒዙ ምስ ሕማም ሳንቡእ እያ ተወሊዳ ። "

ፖልዮ ኣብ ሰውነትና ንዝርከብ ማእከላይ ስርዓተ መትኒ ዘዳኽም ፡ ንዕብየት ጭዋዳታት ዝገትእ ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ መልመስቲ ከስዕብ ዝኽእል ብኣዝዩ ተመሓላላፊ ቫይረስ እዩ ዝኽሰት ።

"ዓመት ዓመት ጭዋዳታተይ ይደክም እዩ ። ሕጂ ግን ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ብሽክለታ ስንኩላን እጥቀም ኣለኹ "።

"ጸጋመይቲ እግረይ ምሉእ ብምሉእ ደኺማ ኣላ ፣ ሓኪመይ ከመይ ኢለ ከም ዝኸይድ እውን ይግረም ነይሩ እዩ" በለት ።
Disability advocate Esther Simbi with her two children in Adelaide.
Disability advocate Esther Simbi with her two children in Adelaide. Source: Jo-Anna Robinson/NDIS
እቲ ናይ መጀመርታ ክታበት ፖልዮ ፡ ብ1950ታት ብኣሜሪካዊ ተመራማሪ ቫይረሳት ጆናስ ሳልክ ዝማዕበለ እዩ ። ኣልበርት ሳቢን ዝስሙ ተመራማሪ ሕክምና ፡ ብ1955 ብኣፍ ዝውሰድ ክታበት መሃዘ ።

ሎሚ ፡ ብሳላ ክታበት ክታበት ህጻናት ፡ ብዘይካ ኣብ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ፖልዮ ካብ መላእ ዓለም ፡ ጠፊኡ ኣሎ ።

'ኣደይ ካብ ካልእ ዝተፈልየት ኣይኮነትን'

ኣውስትራሊያ ክሳብ 1950ታት ናይ መጠረሽታ ናይ ፖልዮ ለበዳ ኣጋጢሙዋ ። ሽርለይ ግላንስ ሕማም ፖልዮ ክሕዛ'ከሎ - ጓል 14 ወርሒ እያ ነይራ ።

ሎሚ ፕረዚደንት ድሕረ ፖልዮ ቪክቶርያ ዝዀነት ሺርሊ ፡ "ገና ብእግረይ ክኸይድ ምስጀመርኩ ፣ ኣደይ ከኣ ከም ዝወድቕ ኣስተብሃለት ።" ትብል።
Shirley Glance caught polio at just 14 months old, during Australia's last major outbreak.
Shirley Glance caught polio at just 14 months old, during Australia's last major outbreak. Source: Supplied
"ፖልዮ ከም ዘሎኒ ስለ እተፈልጠ ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዘ እየ ምስቲ ሕማም ዝነብር ነይረ ። ህጻናት ካብ ስድራቤታት ይውሰዱ ኔሮም ፡ እዚ ዝግበር ዝነበረ እቲ ሕማም ክሳብ ክንደይ ከም ዝዝርጋሕ ስለዘይፈልጡ እዮም ተነጺሎም ።

"ብዛዕባ ዘሕለፍክዎ ህይወት ኣይኰንኩን ዘማርር ዘለኹ ፣ ናይ ፖልዮ ክታበት እንተ ዝህልወኒ ነይሩ ግና ፡ ህይወተይ ምተፈልየ ነይሩ ።"

ሮቢን ኣብርሃምዝ ዝስማ ኣብ ቪክቶርያ ናይ ነርስን ናይ ምሕደራ ኣማኻሪት: ብ1953 ጓል ሰለስተ ዓመት ቈልዓ ከላ እያ ፖልዮ ሒዝዋ ።

"ኣርባዕቲና ኣብ ዓራት ተኣሲርና ይዝከረኒ ። ከይነቓነቕን ድማ ቀጥ ክንብል ተጌርና "በለት ።

ኣስዕብ ኣቢላ እውን ፡ "ንሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እንተ ኰይነ ፡ ኣምላኽ ንዅላትና ይሕግዘና እዩ ፣ ብዛዕባ ክታበት ዝዀነ ይኹን ምይይጥ ክግበር ኣይከኣልን እዩ ኔሩ" በለት ።

"ካብ ንፍዮ ክሳብ ኮሮናቫይረስ ፡ ስርዓተ ጥዕናና ንዓኹም ዝኸውን ዓቕሚ ስለዘይብሉ ፡ ኩልኹም ክትክተቡ ኢኹም ።"
Vaccines were crucial to the eradication of polio in Australia.
Vaccines were crucial to the eradication of polio in Australia. Source: State Library of New South Wales.
ኣብ 10 ጥሪ ኣውስትራሊያ ካብ 5 ክሳብ 11 ንዝዕድሚኦም ህጻናት ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ምኽታብ ጀሚራ ። ብዙሓት ወለዲ ደቆም ክኽተቡ ብሃታሃታ እኳ እንተ ተጓየዩ ፡ እቲ ዝወሰዱዎ ስጕምቲ ግን ሰጋእ መጋእ ዘብል ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ።

ኣብ ፐርዝ ዝመደብሩ ናይ ተመሓላላፊ ሕማም ናይ ህጻናት ሓኪም ዶ/ር ዓሻ ቦወን፡ ኣውስትራሊያ ኣብ ህጻናት ናይ ክታበት መስርሕ ዓለም-ለኸ ደረጃ ዘለዎ ስርዓት ኣለዋ ኢላ ።

ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ኣብ ምግባር እውን ክታበት ወሳኒ እዩ ነይሩ ክትብል ወሲኻ ሓቢራ ።

 


Share
Published 30 January 2022 2:32pm
By Steven Trask


Share this with family and friends