አስተር ሲምቢ ኣንጻር እቲ ዘማስንን ሓድሓደ ግዜ ድማ ሞት ዘስዕብ ሓደገኛ ናይ ፖልዮ ቫይረስ ክታበት ናይ ምርካብ ዕድል ረኺባ ኣይትፈልጥን ።
"ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተወለድኩሉ እዋን ክታበት ኣይነበረን ፡ ብዙሓት ሰባት እንተላይ ኣነ ፖልዮ ይሓሙ ነይሮም" በለት ።
"ሎሙራ ኣብ እትብሃል ቊሸት ፡ ጓል ኣርባዕተ ዓመት እየ ነይረ ። መከላኸሊ ኣይነበረን ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ ድማ ምስ ስንክልና እግረይን ሕቖይን እነብር ነበርኩ "።
አስተር ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክታበት ኣይረኸበቶን ፡ ሕጂ ግን ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ክልተ ኣዋልድ ማለት ደቂ 11ን ሽዱሽተን ቆልዑ ወሊዳ ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዳ ቆሪጻ ተላዒላ ኣላ ።
"ደቀይ ክኽተቡ ዝደልየሉ ምኽንያት ፡ ካብቲ ሕማም ንኽከላኸለሎም እዩ" በለት ።
"ገሊኦም ሰባት ፡ ብፍላይ ከኣ መሰረታዊ ፀገማት ጥዕና እንተ ኣልይዎም ፡ ኮቪድ ክሕዞም ከሎ ይሞቱ እዮም ። እታ ንእሽቶ ጓለይ ፡ ካብ ዕለተ ልደታ ኣትሒዙ ምስ ሕማም ሳንቡእ እያ ተወሊዳ ። "
ፖልዮ ኣብ ሰውነትና ንዝርከብ ማእከላይ ስርዓተ መትኒ ዘዳኽም ፡ ንዕብየት ጭዋዳታት ዝገትእ ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ መልመስቲ ከስዕብ ዝኽእል ብኣዝዩ ተመሓላላፊ ቫይረስ እዩ ዝኽሰት ።
"ዓመት ዓመት ጭዋዳታተይ ይደክም እዩ ። ሕጂ ግን ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ብሽክለታ ስንኩላን እጥቀም ኣለኹ "።
"ጸጋመይቲ እግረይ ምሉእ ብምሉእ ደኺማ ኣላ ፣ ሓኪመይ ከመይ ኢለ ከም ዝኸይድ እውን ይግረም ነይሩ እዩ" በለት ።
እቲ ናይ መጀመርታ ክታበት ፖልዮ ፡ ብ1950ታት ብኣሜሪካዊ ተመራማሪ ቫይረሳት ጆናስ ሳልክ ዝማዕበለ እዩ ። ኣልበርት ሳቢን ዝስሙ ተመራማሪ ሕክምና ፡ ብ1955 ብኣፍ ዝውሰድ ክታበት መሃዘ ።

Disability advocate Esther Simbi with her two children in Adelaide. Source: Jo-Anna Robinson/NDIS
ሎሚ ፡ ብሳላ ክታበት ክታበት ህጻናት ፡ ብዘይካ ኣብ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ፖልዮ ካብ መላእ ዓለም ፡ ጠፊኡ ኣሎ ።
'ኣደይ ካብ ካልእ ዝተፈልየት ኣይኮነትን'
ኣውስትራሊያ ክሳብ 1950ታት ናይ መጠረሽታ ናይ ፖልዮ ለበዳ ኣጋጢሙዋ ። ሽርለይ ግላንስ ሕማም ፖልዮ ክሕዛ'ከሎ - ጓል 14 ወርሒ እያ ነይራ ።
ሎሚ ፕረዚደንት ድሕረ ፖልዮ ቪክቶርያ ዝዀነት ሺርሊ ፡ "ገና ብእግረይ ክኸይድ ምስጀመርኩ ፣ ኣደይ ከኣ ከም ዝወድቕ ኣስተብሃለት ።" ትብል።
"ፖልዮ ከም ዘሎኒ ስለ እተፈልጠ ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዘ እየ ምስቲ ሕማም ዝነብር ነይረ ። ህጻናት ካብ ስድራቤታት ይውሰዱ ኔሮም ፡ እዚ ዝግበር ዝነበረ እቲ ሕማም ክሳብ ክንደይ ከም ዝዝርጋሕ ስለዘይፈልጡ እዮም ተነጺሎም ።

Shirley Glance caught polio at just 14 months old, during Australia's last major outbreak. Source: Supplied
"ብዛዕባ ዘሕለፍክዎ ህይወት ኣይኰንኩን ዘማርር ዘለኹ ፣ ናይ ፖልዮ ክታበት እንተ ዝህልወኒ ነይሩ ግና ፡ ህይወተይ ምተፈልየ ነይሩ ።"
ሮቢን ኣብርሃምዝ ዝስማ ኣብ ቪክቶርያ ናይ ነርስን ናይ ምሕደራ ኣማኻሪት: ብ1953 ጓል ሰለስተ ዓመት ቈልዓ ከላ እያ ፖልዮ ሒዝዋ ።
"ኣርባዕቲና ኣብ ዓራት ተኣሲርና ይዝከረኒ ። ከይነቓነቕን ድማ ቀጥ ክንብል ተጌርና "በለት ።
ኣስዕብ ኣቢላ እውን ፡ "ንሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እንተ ኰይነ ፡ ኣምላኽ ንዅላትና ይሕግዘና እዩ ፣ ብዛዕባ ክታበት ዝዀነ ይኹን ምይይጥ ክግበር ኣይከኣልን እዩ ኔሩ" በለት ።
"ካብ ንፍዮ ክሳብ ኮሮናቫይረስ ፡ ስርዓተ ጥዕናና ንዓኹም ዝኸውን ዓቕሚ ስለዘይብሉ ፡ ኩልኹም ክትክተቡ ኢኹም ።"
ኣብ 10 ጥሪ ኣውስትራሊያ ካብ 5 ክሳብ 11 ንዝዕድሚኦም ህጻናት ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ምኽታብ ጀሚራ ። ብዙሓት ወለዲ ደቆም ክኽተቡ ብሃታሃታ እኳ እንተ ተጓየዩ ፡ እቲ ዝወሰዱዎ ስጕምቲ ግን ሰጋእ መጋእ ዘብል ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ።

Vaccines were crucial to the eradication of polio in Australia. Source: State Library of New South Wales.
ኣብ ፐርዝ ዝመደብሩ ናይ ተመሓላላፊ ሕማም ናይ ህጻናት ሓኪም ዶ/ር ዓሻ ቦወን፡ ኣውስትራሊያ ኣብ ህጻናት ናይ ክታበት መስርሕ ዓለም-ለኸ ደረጃ ዘለዎ ስርዓት ኣለዋ ኢላ ።
ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ኣብ ምግባር እውን ክታበት ወሳኒ እዩ ነይሩ ክትብል ወሲኻ ሓቢራ ።