ኢትዮጵያ እቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ካልእ እዋን ተመሓላሊፉ ዝጸንሐ ምርጫ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሰነ 5፡ 2021 ክካየድ ምዃኑ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዓርቢ ገሊጹ።
ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ኢትዮጵያ ኣቦወንበር ናይ'ቲ ተዓዋቲ ዝኾነ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ይኸውን።
መረጻ ኢትዮጵያ ነሓሰ 29 ናይ'ዚ ዓመት እዩ ክካየድ ኔርዎ፡ ግን ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕነት ሰራሕተኛታት ቦርድ መረጻ ክሕሉ ስለዘይክእል ብምባል እቲ ቦርድ ናብ ካልእ እዋን ክመሓላለፍ ጠሊቡ። ክልል ትግራይ ጥራይ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ከተካይድ ብምውሳን ብዓወት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተዛዘመ ዞባዊ መረጻ ኣካይዳ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ካብ ምዝገባ ሕጹያት ጀሚሩ ክሳብ ውጽኢት ዝንገረሉ እዋናት ዝገልጽ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዘርጊሑ'ሎ።
ብኻልእ ወገን ኢትዮጵያ 20% ካብ ህዝባ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ክታበት ክትህብ ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ።
እቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተዘርግሑ ክታበታት ኣንጻር ኮቪድ-19 ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐልጠፈ ንምምጻእ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይካየዱ ኣለው ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።