ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብዛዕባ ዝፍጸሙ ዘለው ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጻትን ኣዝዩ ዓሚቕ ሻቕሎት ከምዘለዎ ገሊጹ።
እቲ ሕብረት ነዚ ዝገለጸ ሶኑይ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጻትን ብምፍጻም ተሓተትቲ ዝኾኑ 11 ውልቀ ሰባትን ኣካላትን ‘ቀየድቲ ስጉምቲታት’ ዝበሎም ክወስድ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።
ምስ’ቶም ኣቐዲሙ ኣብ’ዚ ወርሒ ዘውጽኦም ዝርዝራት ናይ ኣርባዕተ ሩስያውያን ውልቀሰባት እዞም ተወሲኾም ዘለው 15 ተሓተትቲ ኣካላት ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ትሕቲ ግሎባዊ ስርዓተ እገዳ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ (EU Global Human Rights Sanctions Regime) ዝኾነ ቀዳማይ ዝሰፍሐ ጥማር ዝርዝራት’ዩ።
እዞም እገዳታት ሕብረት ኤውሮጳ ንሰብኣዊ መሰላት ደው ክብልን ኣብ ልዕሊ’ቶም ፈጸምቲ ጥሕሰታትን ዓመጻትን ከኣ ጭቡጥ ስጉምታት ክወስድን ዘለዎ ልዑል ቆራጽነት ዘመላኽቱ’ዮም።
እቲ ሕብረት ነቶም ብውልቀሰባትን ትካላት/ኣሃዱታት/ኣካላትን ኣብ ቻይና፡ ህዝባዊት ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮርያ (ሰሜን ኮርያ)፡ ሊብያ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳንን ሩስያን ዝፍጸሙ ግፍዕታትን መግረፍታትን፡ ዘይሕጋውያን ቅትለታት፡ ጃምላዊ ቅትለታት፡ ጎነጻዊ ምጥፋእ ሰባት ወይ ስርዓታዊ ምዝመዛ ግዱድ ጉልበትን ጠቒሱ።
ኣብ ኤርትራ እቲ ቀንዲ ፈጻሚ ናይ’ዚ ተግባራት ኢሉ ዝጠቐሶ ብሜጀር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት (ወይ ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ናይ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ’ቲ ሶኑይ፡ መጋቢት 22 2021፡ ዝዘርግሖ መግለጺ ብሜጀር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሃገራዊ ድሕነት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምክትታል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት’ዩ ኢሉ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ናብ ሽዱሽተ ካልኦት ቤት ጽሕፈታት ዝተጨናፈረ ኮይኑ፡ ነብሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ከኣ ተግባራት ስለያ፡ ቀይዲታትን መርመራታትን ናብ ዘካይዱ ሰለስተ ክፍልታት ትምቀል።
ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጸጥታ ኣብ ኤርትራ ብልኡኻቱ ዝፍጸሙ ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብፍላይ ከኣ ኣልማማዊ ማእሰርታት፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝካየዱ ቅትለታት፡ ምጭዋያትን መግረፍታትን ተሓታቲ’ዩ ክብል ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ።