“ናይ ሃገረይ ኤርትራ ጸገም ከይረሳዕኩ ኣብ ዝረኸብክዎ ኣጋጣሚ ከልዕሎን ክሰርሓሉን’የ” ኣባል ፓርላማ ኒውዚላንድ ኢብራሂም ዑመር
ኤርትራዊ ስደተኛ ዝነበረ ኢብራሂም ዑመር ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ተዓዊቱ ሓድሽ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ለይበር ኒውዚላንድ ኮይኑ'ሎ። ንሱ ኣብ'ቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጃሲንዳ ኣርደርን ትመርሖን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣብ'ታ ሃገር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደገፍ ዝተዓወተን ሰልፊ መርኣያ ተቐባልነትን ብዙሕነትን እታ ሃገር ኮይኑ። ኤስቢኤስ ትግርኛ ድሕሪ'ዚ ዓወቱ ምስ ኢብራሂም ሰፊሕ ዕላል ኣካይዳ።
Share
Published
Updated
Share this with family and friends