ክልተ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ዉሕሃ ኣብ ማሊ ብኮሮና ቫይረስ ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እቲ ዉዱብ ገሊጾም።
ካብቶም ኣብ 15 ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣስታት 100,000 ወተሃደራት ዓቃቢ ሰላም ዉሕሃ እዞም ክልተ እዮም ብቐጥታ ምስቲ ቫይረስ ብዝትሕሓዝ ሞይቶም ዘለዉ።
"ብተወሳኺ ክገልጾ ዝደሊ ነገር ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ትማልን ሎሚን ካብ መሳርሕትና ወተሃደራት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ሞይቶሙና ኣለዉ።" ክብል ዋና ጸሓፊ ዉሕሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊጹ።

UN Secretary General Antonio Guterres recently announced the deaths of two peacekeeping troops. Source: AAP
እቲ ሓደ ካብ ካምቦዲያ እቲ ካልእ ድማ ካብ ኢልሳልቫዶር ኮይኖም, "ክልቲኦም ኣባላት MINUSMA," ናይቲ ኣብ ማሊ ተዋፊሩ ዝርከብ ናይ ዉሕሃ ዓቃቢ ሰላም እዮም።
ወተሃደራት፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ሲቪላዊያንን ካል ኦት ሰራሕተኛታትን እቲ ዉድብ ዝርከብዎም ብድምር 137 ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ክህልዉ ከለዉ፡ ካብዚኦም 53 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም ክልተ ድማ ሞይቶም ክብል ዉሕሃ ኣፍሊጡ።
ካብ ኩሎም እቶም ተልእኾታት እቲ ኣብ ማሊ ዝርከብ MINUSMA ብኸቢድ ዝተሃስየ ኮይኑ ኣብኡ 90 ኣባላት ተለኺፎም 43 ሓውዮም ክልተ ድማ ሞይቶም ኣለዉ።
እቲ ቀጺሉ ዝተሃስየ ኣብ ደሞክራሲያዊ ሪፑብሊክ ኮንጎ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላ ዉሕሃ (MONUSCO), ኮይኑ 21 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ሰለስተ ሓውዮም ኣለዉ። ኣብ ማእከላይ ሪፑብሊክ ኣፍሪቃ ድማ 17 ተለኺፎም ክልተ ሓውዮም።
ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ሊብያ፡ እስራኤልን ዳርፉርን ተዋፊሮም ካብዘለዉ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ዉሕሃ ውን በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ከምዘለዉ ጸብጻብ ከምዘለዎ ዉሕሃ ገሊጹ።
ኣብ 2019, ኣብ 39 ሃገራት ተዋፊሮም ካብ ዘለዉ 83 ወተሃደራት፡ ኣባላት ፖሊስን ,ሲቪልን ኣብ ንጡፍ ተልእኾ ምዕቃብ ሰላም እናሃለዉ ተቐቲሎም።
- ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
- መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
- ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
- ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ። ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ6