ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ኣድመጽቲ ናብ ምርጫ ኣብዘምርሕሉ: ጽሕፍቶ ህዝቦም ኣብ ኢዶም ምእታው ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ምሉእ ዓለም ዝውስኑን እዮም ።
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ መላእ ዓለም ህውከት ኣብ ዝመልኦ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ: ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ግጭት: ኣብ ዩክረይን ውግእ: ከምኡውን ኣብ ቻይና እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ዞባ እስያ-ፓሲፊክ ዝነበራ ጽልዋ እዩ ዝብድሃሉ ዘሎ ኩነታት እዩ።
እዚ ጂኦፖለቲካዊ ጕዳያት እዚ ብኸመይ ከም ዝቕጽል ፡ ካማላ ሃሪስ ወይ ዶናልድ ትራምፕ ዝቕጽል ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ዝተመርጸ ፡ ነዚ ኩነታት ጽልዋ ኽገብርም ይኽእል እዩ ።
ኤማ ሾርቲስ እትበሃል ኣብ ህዝባዊ ፖሊሲታት ኣብ ኣህጉራዊን ጸጥታዊን መዳያት መጽናዕቲ እትገብር ላዕለወይቲ ተመራማሪት ን SBS ዜና : - "ፈቲና ጸሊእና ብዘየገድስ ዓለም ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝፍጸም ነገራት ክትጽለው እያ ።"
"ኣመሪካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቊጠባ ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ፡ ከምኡ እውን መብዛሕትኡ ጽሕፍቶ ናይ ዓለም ፡ ምስቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጋጥም ነገራት ዝተሓሓዝ ይመስለኒ ።"
ስክፍታ ብዛዕባ 'ደሞክርኣሲያዊ ዘይምጽናዕ'
ኣመሪካ ንገዛእ ርእሳ ከም መርኣያ ደሞክራሲ ካብ እትቘጽራ ነዊሕ ገይራ ኣላ ፡ ካብቲ ዝሑል ኲናት ኣብ 1991 ዘብቅዓሉ ጀሚሩ ድማ እታ ናይ መወዳእታ ዝተረፈት ልዕለ-ሓያል ሃገር እያ።
ይኹን እምበር ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ፡ ብዛዕባ እቲ ኣመሪካ ኣብ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ዘለዋ "ኣዝዩ ብዙሕ ጽልዋ" ስክፍታታት እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ።
"ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ 'ዓለምለኻዊ ሕጊ-መሰረት ዘለዎ ስርዓት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ፡ ብፍላይ ግን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልእ ቦታታትን ብዛዕባ ዘለዋ ግደ ክዝረብ ከሎ ፡ ብዛዕባ እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ 'ዚ ጉዳይ' ዚ ዝኣተወቶ ቃል-ኪዳን ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሕጊ ፡ ገለ ናይ ሓቂ ስክፍታታት ተላዒሉ እዩ" ትብል ።
መብዛሕትኦም እቶም መሻርኽቲ እታ ሃገር ዝዀኑ ኣብ ኣመሪካ "ደሞክራሲያዊ ዘይምርግጋእ ወይ ቀጻልነቱ ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ" ስለ ዘጋጠሞም ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዘጋጥሞም ነገራት ስክፍታኦም ይገልጹ እዮም ።
"ስለዚ ኵላትና ነዚ እንዕዘቦ ዘለና ፡ ብፍላይ ድሕሪ ምርጫ ኣብ ዘሎ ኵነታት ፡ እቲ ምርጫ ኽሳዕ ክንደይተቐራራቢ ዉጺኢት ዘለዎን እቲ ዘይምርግጋእ ክሳዕ ክንደይ ሕማቕ ከም ዝዀነን ዘተሓሳስብ ኮይኑ ዘሎ ።"
ኢያን ፓርመተር ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ማእከል መጽናዕቲ ኣዕራብን እስላምን ዝሰርሕ ናይ ምርምር ምሁር፡ ውጽኢት እዚ ምርጫን እዚ ኣገባብ ኣተሓሕዛን ኣብ መላእ ዓለም ንዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእል ይሰማማዕ።
ንሱ ንSBS News ከምዝገለጾ ፡ "ትራምፕ ንውጽኢት ምርጫ 2020 ምቕባል ምስ ኣበየ ፡ ደገፍቱ ድማ ሱር ሰዲዶም ንህንጻ ካፒቶል ምስ ወረርዎ ፡ ንመልክዕ ዲሞክራሲ ደይንዎ እዩ" በለ ።
"ትራምፕ እንደገና ንዝመጽእ ውጽኢት እንተ ዘይተቐቢሉ: ደሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ: ኣብዚ ደረጃ እዚ ዘለዋ ሃገራት ከኣ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ቀንዲ ኣገባብ ዲሞክራሲ እንተ ርእየን: ደሞክራሲ ንኽቕጽላ ምትብባዕ ከም ዘይብለን እተረጋገጸ እዩ ።"
ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ዉግእ ሓማስ-Iእስራኤል
ኣመሪካን እስራኤልን ሃገረ ኣይሁድ ካብ እትምስረት ኣትሒዘን ፡ ኣብ 1948 ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ኮይነን እየን ።
ብመሰረት መንግስቲ እስራኤል ፡ ምምሕዳር ባይደን ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ7 ጥቅምቲ ድሕሪ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ንእስራኤል ገዛእ ርእሳ ክትከላኸል ምሉእ ደገፉ ሂቡ እዩ ።
ኣመሪካ ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዛ ንእስራኤል ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ፡ ብውሕዱ 17.9 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ (27 ቢልዮን ዶላር ኣውስትራሊያ ) ወጻኢታት ከም ዝገበረት ፡ ብብራውን ዩኒቨርሲቲ ዘቕረበ ጸብጻብ ይገልጽ።
ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና ጋዛ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ብዝፈጸመቶ ተኸታታሊ ደብዳብ ፡ ዳርጋ 43,000 ሰባት ቀቲሉ እዩ ። እቲ መጥቃዕቲ ንመብዛሕትኡ ህንጻታት እቲ ኣብ ገማግም እተሓጽረ ህንጻታት እውንኣዕንይዎ እዩ ፣ ዳርጋ 90 ካብ ሚእቲ ካብ ተቐማጦኣ ድማ ተመዛቢሉ እዩ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ምምሕዳር ባይደን ንእስራኤልን ንሓማስን ኣብ ምቁራጽ ተዅስን ምፍትሕን ኽበጽሖም ይጽውዕ ኣሎ ።
ሃሪስ ኣብ መጀመርታ ፕረዚደንታዊ ወፈራ ፡ ኣብ ገሊኡ ምዕባለታት ፡ ካልእ መርገጽን "ንእስራኤል ማእከላይ ደገፍ ኣመሪካ" ከም እትወስድን ተስፋ ነይሩዋ እዩ ።
"ይኹን እምበር ፡ እቲ ናታ ሕጽይቲ ምኳን እናዓበየ ምስ ከደ ፡ ምስ ምምሕዳር ባይደን ዝሰማማዕ መስመር ትኽተል ከም ዘላ ንጹር እዩ ፡ ንእስራኤል ጽኑዕ ደገፍ ከም ዘለዋ ፡ ንኢራን ድማ ከም ጸላኢት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገይራ ካብ ምርኣይ ዓዲ ኣይወዓለትን"
እዚ መርገጺኣ ድሕረ ምርጫ እቲ ፡ ክቕየር ዝኽእል እንተ ኰይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ፡ ኣብቲ ሃሪስ ካብ ገስገስቲ ዴሞክራትስ ዘጋጥማ ጸቕጢ ከምኡውን ካቢነኣ ኣብ ምስራሕ እተመርኰሰ ክኸውን ከም ዝኽእል ፡ ሾርቲስ ገሊጻ ።
ፓርማተር ከምዝገልጾ ድማ ዶናልድ ትራምፕ "ካብኣ ብዝተዓጻጸፈ ንላዕሊ ደጋፊ እስራኤል" ከም ዝኸውን ገሊጹ ።
"ትራምፕ፡ ናታንያሁ ኣብቲ ውግእ ክዕወት ዘድልዮ ነገር ክገብር ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን) ብዝያዳ ናጽነት ይህብ እዩ" በለ ።
"ትራምፕ ምስቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ሰራዊት ክህልዋ ዘለዋ ድሌት ዝመሳሰል መደብ ከምዘለዎ ይመስለኒ ፣ ናታንያሁ ነዚ ጕዳይ እዚ ንጹር እዩ ።"
ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ዩክሬይን
ምምሕዳር ባይደን ፡ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ብምሉእ ወራር ካብ እተካይድ ንደሓር ፡ ንዩክረይን ልዕሊ 64.1 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ (97.5 ቢልዮን ዶላር ኣውስትራሊያ) ወተሃደራዊ ሓገዝ ገይሩላ ኣሎ ።
ሾሪስን ፓርመተርን ፡ ከም ፕረዚደንት ፡ ሃሪስ ከም ባይደን ንዩክረይን ዘለዋ ደገፍ ክትዕቅብ ከምእትፍትን ፡ እንተኾነ ኣሳልጦኣ ኣብ መወዳእታ ክንደይ ዲሞክራት ኣብ ኮንግረስ መንበር ከምዝሕዙ ዝምርኮስ እዩ ። ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 435 መናብር: ኣብ ሰኔት ድማ 34 መንበር መን ከምዝሕዝ 5 ሕዳርዝውሰን እዩ ።
ፓርሚተር ፡ እቲ ዝወሃብ ናይ ሓገዝ ክፍሊት ንኣዋርሕ ኣብ ዚደናጐየሉ ዝነበረ እዋን ፡ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን "ኣገዳሲ ገስጋስ" ክትገብር ከም ዝኸኣለት ገለጸ ።
"ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኰነ ላዕለዋይ ባይቶ ኣብ ኢድ ሪፓብሊካዊያን እንተ ኰይኖም ፡ ምምሕዳር ሃሪስ ነዚ ፖሊሲ እዚ ንምዕቃብ ዝያዳ ክኸብዶ ይኽእል እዩ" ድማ በለ ።
ምስቲ ሪፓብሊካዊያን ዝቈጻጸርዎ ኮንግረስ ዝተፈልየ ዓይነት ስራሕ ክሰርሑ ከም ዘለዎም ዘጠራጥር ኣይኰነን "በለ ።
፡ ትራምፕ ፕረዚደንት እንተኾይኑ፡ ነቲ ኣመሪካ ንዩክረይን እትገብሮ ደገፍ ከም ዘይቅጽሎ ፡ " ንጹር ገይርዎ" እዩ ።
ነቲ ውግእ "ኣብ 24 ሰዓት" ደው ከምዘብሎ ከም ዝኽእል እውን ተዛሪቡ እዩ ።
ፖሊሲ ኣመሪካ ብዛዕባ ቻይና
እቲ ናይ ኣመሪካ ኣተሓሕዛ ናይ ቻይና ሓደ ካብቲ "ኣዝዩ ውሑድ" ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ክልቲኦም ሰልፍታት ዘሰማምዕ ፖሊሲ ምዃኑ ሾርቲስ ሓቢሩ ።
ብ2018 ትራምፕ ናይ መጀመርታ መራሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ናይ 25 ሚእታዊ ቀረጽ ከም ዝስላዕ ገበረ ፣ እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሕነ ምፍድዳይ ንግዳዊ ምስሕሓብ ከም ዝፍጠር ገበረ ።
ሾርቲስ ፡ እቲ "ኣዚዩ ሃሳዪ ቍጠባዊ ሜላታት" ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ቻይና ንምግታእ ዝግበር ጻዕሪ ፡ ኣብ ትሕቲ ባይደን ቀጺሉ ከም ዝነበረ ፡ እዚ ከኣ ምምሕዳሩ ን ከም ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ማካይን ናብ ሃገርክ ኣትዋ ብኸቢድ ከም ዝቕረጽ ምግባር ከም ዝዀነ ገሊጹ ።
ሃሪስ እንተ ተመሪጻ ፡ እዚ ከም ዝቕጽል እኳ እንተ ሓበረ ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ፖሊሲኣ "ዳግመ ግምት ኽትገብረሉ" ተኽእሎ ከም ዘሎ ግን ሾርቲስ ገሊጻ ።
"ሰላማዊ ውቅያኖስ ብዛዕባ ለውጢ ኵነታት ኣየርን ኑክልየሳዊ ኵነታትን ክጣበቕ ዝኽእል ዝያዳ ኣጋጣሚ ዘሎ ኰይኑ ይስምዓኒ ፣ ከምቲ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ፈለማ ዝገበሮ ፡ ኣብ ንጥፈታት ክሊማ ፡ ከምኡ እውን ኣብ ኑክልየሳዊ ንጥፈታት መዳያት ዘተኰረ ዘተ ክግበር እውን ምደለኹ" በለት ።
ኣብ ትሕቲ ትራምፕ ፡ ፓርተር ፡ ኣመሪካ ካብ ወጻኢ እተእትዎ ኣቕሑ ፡ "ኣዝዩ ዝኸበደ" ከም ዝኸውን ፡ እዚ ከኣ ንቻይና ጥራይ ዝምልከት ዘይምዃኑ ገሊጹ ነይሩ ።
"ንሱ ናብ 10 ሚእታዊ ፡ ናብ ኩለን ሃገራት ቀረጽ ከንብር ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ። እዚ ንኣውስትራሊያ ዘሻቕል እዩ ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ቻይና ኣቑሑት ብ60 ሚእታዊ ቀረጽ ክጅመር እዩ ፡ ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺታት ድማ ክገብር ይኽእል እዩ" ኢሉ ።
"እዚ ኵሉ ናብ ውድብ ንግዲ ዓለም ከይዱ ፡ ኣህጉራዊ ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ይከኣል ይኸውን ፣ ኰይኑ ግና ፡ ምስ ቻይና ዘሎ ርክብ ብኸመይ ከም ዝምዕብል ጥራይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።"
"ትራምፕ ኣብ ዙርያ ንግዲ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣዝዩ ጐዳኢ ስለ ዝዀነ ፡ ንቝጠባ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ንቝጠባ ዓለም እውን ብዝያዳ ኸበላሽዎ ይኽእል እዩ ፣ እዚ ከኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ" በለት ።
ፓርሚተር፡ ኣመሪካ ነቲ ምስ ቻይና ዘሎ ርክብ "ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ፖለቲካ ኣዝዩ ኣገዳሲ" ዩ ፡ ።