ቤት ጽሕፈት ኣሃዛት ኣውስትራልያ (Australian Bureau of Statistics ኤቢኤስ) ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሰረተሉ እዋን ኣውስትራልያውያን ብሃታሃታ ወይ ከኣ ብዓቕሊ ጽበት ዝገዝእዎም ነገራት ዝርዝሮም ዘርጊሑ። እንተኾነ ግን ወረቐት ዓይኒምድሪ (toilet paper) እቲ ዝለዓለ ኣይኮነን።
እዚ ናይ ወርሒ መጋቢት ጸብጻብ መሸጣ፡ ኣውስትራልያውያን ንትእዛዛትን መምርሒታትን ውሸባ ትጽቢት ብምግባር መግቢን ንገዛን ቤትጽሕፈትን ዝኾኖም ቀረባት ንምሽማት ዘውጽእዎ ገንዝብ ክብረወሰን ብዝኾነ ብ8.5% ወሲኹ ክብል ኣመልኪቱ።
መሸጣ ናይ ኩሎም ዘይበላሸው/ሃለኽቲ ዘይኮኑ ነገራት ብ39% ክውስኽ እንከሎ ናይ’ቶም ተበላሸውቲ/ሃለኽቲ ኸኣ ብ22% ወሲኹ። ብሓፈሽኡ መሸጣ ናይ ንመረቕ ዝኸውን ዕሹግን ደረቕን ሕውስዋስ ጥረምረ እቲ ዝበዝሐ ዝላ ካብ ወርሒ ለካቲት ናብ መጋቢት ዘርኣየ ኮይኑ ብሰማይ ጠቀስ ዝኾነ 180% ወሰኽ መሸጣ ኣርእዩ። ሓርጭ ብ150% ወሰኽ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኔሩ፡ ወረቐት ዓይኒ ምድሪ ከኣ ንዕኡ ተኸቲሉ ብ110% ወሰኽ መሸጣ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ። ፓስታ፡ ኑድልን ዕሹጋት ኣሕምልትን ድሕሪ’ዚኦም ብመስርዕ ተኸቲሎም። መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ብ30% ወሰኽ ኣርእዮም።
1- መረቕ (ዕሹግ ደረቕ ጥረምረ)
2- ሓርጭ
3- ወረቐት ዓይኒ ምድሪ
4 - ፓስታ
5- ኑድል
6- ዕሹግ ሓምሊ
ብዙሓት ማእከላት ዕዳጋ ኣውስትራልያ ሰባት ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ብዘይመጠን፡ ጠገለ ዘይብሉ፡ ብሃታሃታ ተጓይዮም ምስ ሸመቱ ኣብ ወርሒ መጋቢት ደረት ቁጽሪ ዝሽመት ኣቑሑ ኣተኣታትዮም። ወረቐት ዓይኒ ምድሪ ንምርካብ ዝነበረ ቃልሲ ናብ ጎነጽ ኣምሪሑ ሸመትቲ ኣብ ገለ ዕዳጋታት ክሳብ ክበኣሱን ክጓሰጡን ኣብ ቪድዮታት ዩትዩብን ካልእን ኣብ መላእ ዓለም ተራእዮም።
ኣብ ግሪፊዝ ዩኒቨርሲቲ መምህር ኣብ ደፓርትመንት ዕዳጋ ዝኾነ ዶክተር ቻርለስ ጀባራጃኪርቲ ኣብ’ቲ ብዓይኒ ፋይናንስ ኣጸጋሚ ዝነበረሉ እዋን መሸጣታት መግቢ ሰማይ ምድያቦም ገሪሙኒ ኢሉ። “ኩሉ ሰብ ካብ ስርሑ ደው ኢሉ፡ ስለ’ዚ እቲ ዘውጽእዎ ገንዘብ ከውሕድዎ ወይ ክቑጥቡ’ዮም ኢልካ ኢኻ ትሓስብ።” ድሕሪ ምባል “እተን ዓበይቲ ሱፐርማርኬታት ጽቡቕ ይኸዳ ኣለዋ፡ ብዙሓት ንኣሽቱ ቸርቸርቲ ግን ይሳቐያ ኣለዋ።” ክብል ገሊጹ።