ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ኣጒድልዎ፡ ካብዚ ምጒዳል ተለቃሕቲ ክንደይ ዝኣክል ከተትርፉ እኹም፧ ኣየኖት ባንኪ'ኸ ኣብ ግብሪ ከውዕላኦ እየን፧

ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ድሕሪ ምጒዳሎ ገሊኤን ባንክታት ክትግብራኦ ምዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ ።

Hands holding a black wallet containing some Australian banknotes.

For an average owner-occupier with a $600,000 loan, Tuesday's rate cut will translate to a $92 reduction in their minimum monthly repayments. Source: Moment RF / Traceydee Photography/Getty Images

ናይ ኣውስትራሊያ 'ዓበይቲ ኣርባዕተ' ባንክታት ወግዓዊ መጠን ጥረ ገንዘብ ንኽጎድል ማእከላይ ባንኪ ድሕሪ ምውሳኑ ነቲ ስሩዕ ተለዋዋጢ ናይ ገዛ መጠን ልቓሕ ብ 0.25 ሚኢታዊ ከምዘጉድልዎ ኣፍሊጦም ኣለው ።
ማእከላይ ባንክ ኣውስትራሊያ መጠን ገንዘብ ካብ 4.35 ሚኢታዊ ናብ 4.1 ሚኢታዊ ንምቕናስ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ብናይ ዕዳጋ ተቐባልነት ረኺቡ። እዚ ምጒዳል ካብ 2020 ጀሚሩ ናይ መጀመርታ እዩ ።
ንሓደ 600,000 ዶላር ልቓሕ ናይ ዝነብረሉ ገዛ ዘለዎ ካብቲ ወርሓዊ ዝኽፈሎ መጠን ክፍሊት ፡ ብ 92 ዶላር ክጎድል እዩ ።
Graph depicting how Australia's interest rates have changed over time.
The Reserve Bank of Australia has cut interest rates for the first time since November 2020. Source: SBS

Wእዚ መጠን ምጒዳል ንተለቃሕቲ መግዝኢ ገዛ መዓስ'ዩ ተግባራዊ ምዃን ክጅምር?

ANZ, Commonwealth Bank, NAB, Macquarie, Bankwest, ከምኡ'ውን Suncorp's ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ 0.25 ሚእታዊት ምጉዳል ዋጋ ክገብራ ምዃነን ክፍለጥ'ከሎ ፡ ካብ ዌስትፓክ ዝተለቅሑ ድማ ክሳዕ 4 መጋቢት ክጽበዩ እዮም ።

Westpac, ING, St George, Bank of Melbourne, ከምኡ'ውን BankSA ኣብ 4 መጋቢት 0.25 ሚኢታዊ ምጉዳል ዋጋ ከም ዝሓልፉ ኣፍሊጦም ።

"ንተለቃሕቲ መጠን ወለድ ልዑል ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና" በለ ።

A table displaying monthly savings for homeowners when RBA cuts rates.
For an average owner-occupier with a $600,000 loan, Tuesday's cut will translate to a $92 reduction in their minimum monthly repayments. Source: SBS

ተለቃሕቲ ክንደይ ዝ ኣክል ገንዘብ'ዮም ካብዚ ከትርፉ?

ኵሎም ኣለቃሕቲ ነቲ ምጒዳል ምሉእ ብምሉእ እንተ ኣተግቢሮሞ ፡ ብገምጋም 641,416 ዶላር ልቓሕ ዘለዎም ተለቃሕቲ ፡ ብወርሒ ልዕሊ 100 ዶላር ከድሕኑ ይኽእሉ እዮም ።
ተለቃሕቲ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ወርሒ ንሞርጌጅ ዝኸፍልዎ ካብ 3,887 ዶላር ናብ 3,784 ዶላር ክወርደሎም እዩ ።
ዌስትፓክ ከምዝገለጾ 500,000 ዶላር ናይ ገዛ ልቓሕ ዘለዎም ተለቃሕቲ፡ እቲ 0.25 ሚኢታዊ ምጒዳል ገንዘብ ንዓማዊል ኣብ ወርሒ ተወሳኺ 90 ዶላር ወይ ኣብ ዓመት 1,080 ዶላር ክረኽቡ እዮም።

Share
Published 18 February 2025 5:39pm
By Rashida Yosufzai
Source: SBS


Share this with family and friends