ኮቪድ ተለኺፍኩም እንተኔርኩም ወይ ሓሚምኩም ምስ ሓወኹም ክታበት ክትወስዱ የድልየኩም ድዩ፧

ንስኹም ካብ’ቶም ኣብ ኣውስትራልያ ቁጽሮም እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዘጋጠሞም ሰባት እንተኾይንኩም ምናልባት ከም’ዚ ኢልኩም ትሓስቡ ትህልው፡ “ኣነ ኸ ሕጂ ክኽተብ የድልየኒ ድዩ፧” ካብ’ዚ ቀጺሉ መልሲ ዝህብ ሓበሬታ ኣሎና።

A Covid19 vaccine being administered at a pop-up Covid19 vaccination clinic in Melbourne

A Covid19 vaccine being administered at a pop-up Covid19 vaccination clinic in Melbourne Source: AAP

ኮቪድ-19 ከምዝተለኸፍኩም ድሕሪ ምርግጋጹ ኣብ ናይ ሕውየት መንገዲ ኢኹም ትርከቡ ዘለኹም። ኣብ ዙርያኹም ሚልዮናት ኣውስትራልያውያን ንክታበት ኮሮናቫይረስ እጅገኦም ይስብስቡ። ንስኹም ግን ከምኡ ክትገብሩ ይግባኣኩም ድዮ፧ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ጥዕና ዝገልጾ ከም’ዚ ይብል፡

"ኮቪድ-19 እንተነበረኩም’ውን ደጊምኩም ኮቪድ-19 ከይሕዘኩም ኣብ ምክልኻል ወይ ናብ ካልእ ሰብ ከይተመሓላልፉ ንምሕጋዝ ክትክተቡ ወይ ክታበት ኮቪድ-19 ክትወስዱ ኣለኩም። ምስ ሓወኹም ድሕሪ ክንደይ እዋን ክትክተቡ ትኽእሉ ምስ ሓኪምኩም ተዘራሪብኩም ኣረጋግጹ ኢኹም።"

ኣውስትራልያዊ ጉጅለ ኣማኻሪ ቴክኒክ ኣብ ክታበት ዝኾነ The Australian Technical Advisory Group on Immunisation ወይ ብኣህጽሮተ ቃል ATAGI ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮቪድ-19 ዝነበሮም ሰባት ቅድሚ ምኽታቦም ድሕሪ’ቲ መልከፍቶም ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጽበዩ ይመክር። ከም’ዚ ኸኣ ይብል፡

 

"ጭብጥታት ዘመልክትዎ ሕሉፍ መልከፍቲ ምህላው ንተኽእሎ ሓደጋ ዳግማይ መልከፍቲ እንተወሓደ ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ይቕንሶ። ኪንዮ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ‘ዝተናወሐ ምልክታት ሕማም ካብ ኮቪድ-19’ ዘለዎም ሰባት ኩነታቶም ተራእዩ ክኽተቡ ይኽእሉ።"

ብኣገላልጻ ምክትል ዋና ሓላፊ ጥዕና ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ማይክል ኪድ: ኮቪድ-19 ካብ ዝሓዞም ሰባት ሓደ ካብ 10 እቲ ንነዊሕ ዝጸንሕ ‘long COVID’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮቪድ የሕልፉ። ኣብ ትካል መጽናዕቲ ‘ሕክምናዊ ምርምር ዌስትሚድ ኢንስቲትዩት ፎር ሜዲካል ሪሰርች’ ኣብ ሲድኒ፡ ናይ ሓባር ኣካያዲ ማእከል ንምርምር ቫይረስ ፕሮፌሰር ቶኒ ካኒንግሃም ነዚኦም ሰባት ጥንቁቕ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ኣገዳሲ’ዩ ይብል።

"ካብ ምሒር ጥንቃቐ ንምግባር ዝኣክል እቶም ዘለው ምኽርታት ‘ኣዚኻ ኣቐዲምካ ክታበት ዘይምጅማር’ዩ፡ ምናልባት እዚ ኣብ’ቲ ነዊሕ ዝጸንሕ ኮቪድ ጽልዋ ከይህልዎ’ ዝብሉ’ዮም።"

ስለ’ዚ ኮቪድ-19 ተለኺፍኩም ምስ ሓለፍኩም/ሓወኹም ንዳግማይ መልከፍቲ ከይትቃልዑ ክሳብ ክንደይ መሐለውታ ኣለኩም፧ ፕሮፌሰር ማይልስ ዳቨንፖርት ሓላፊ መልከፍትታት ዝትንትን መደብ ‘ኢንፈክሽን ኣናሊቲክስ ፕሮግራም’ ኣብ ትካል መጽናዕቲ ከርቢ ኢንስቲትዩት ናይ ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ’ዩ። ንሱ ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ዝህቦ መጠን ምክልኻል ምስ’ቲ ክታበታት ዝህብዎ ተቐራራቢ ይመስል ይብል።

"መጽናዕታት ብዛዕባ ሕሉፍ መልከፍቲ ዘመልክትዎ እዚ ገለ መጠን ምክልኻል ከምዝህብ’ዩ፡ ማእከላይ ዝኾነ መጠን ኣብ መንጎ’ቲ ካብ ኣስትራዘነካ ዝፍጠር ምክልኻልን ካብ ፋይዘር ትጽቢት ዝግበረሉ ምክልኻልን’ዩ። ስለ’ዚ ከባቢ 90%’ዩ።"

እንተኾነ ግን እቶም መጽናዕታት ኣብ’ቶም ‘ancestral (መበቆላዊ)’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓሌታት ኮቪድ-19 ዝተመርኮሱ’ዮም፡ ኣብ ዓሌት ደልታ ኣይኮኑን።

"ኣንጻር ዓሌት ደልታ ምናልባት ውሑድ ምክልኻል’ዩ ዝህሉ። እዚ ምክልኻል ከኣ ምስ ግዜ ይቕንስ። ስለ’ዚ፡ ድሕሪ 6 ወርሒ እቲ ምክልኻል ኣንጻር ዓሌት ደልታ ናብ ከባቢ 50% ወሪዱ ክኸውን ይኽእል ኢልና ንሕና ንግምት።"

ደልታ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ’ቶም ብኻልኦት ዓሌታት ዝተለኽፉ ንላዕሊ ዝለዓለ ዓቕሚ ምክልኻል የማዕብሉ እንተኾይኖም ዝምልከቱ መጽናዕታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

"ከምተኽእሎ ካብ’ቲ መበቆላዊ ዓሌት ኮቪድ ዝተለኽፈ ሰብ ንላዕሊ ዝለዓለ ምክልኻል ክህልወኩም ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ግን ኣብ’ዚ እዋን ነዚ ዘመልክት ጭብጢ/መርትዖ የብልናን።"

ሰባት ካብ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዝተላዕለ ዘኻዕብትዎ መጠን ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ይፈላለ’ዩ። ፕሮፌሰር ካኒንግሃም ናይ ሓደ ሰብ መልከፍቲ ዝበኣሰ ምስ ዝኸውን እቲ ዘማዕብልዎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ (ኢምዩኒቲ) ብእኡ መጠን ዝለዓለ ይኸውን ይብል።

"ምልክት ሕማም ዘይብሉ መልከፍቲ ድዩ ወይ ማእከላይ ዝኾነ ምልክታት ዘለዎ ሕማም ወይስ ከቢድ ቁሩብ ይፈላለ’ዩ። ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ምስ ምውሳኽ ዕድመ ቁሩብ ይቕንስ’ዩ። እቶም ጸረ-ነፍሳት (ኣንቲቦዲስ) ኣብ ዓበይቲ ሰባት ንነዊሕ ኣይጸንሑን’ዮም። እዚ ኣብ’ቶም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተነቃፊ ዝኾነ ሰባት’ውን ተመሳሳሊ’ዩ።"

እቶም ዝያዳ ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ክኽተቡ ክሓስቡ ኣለዎም ይብል ንሱ። ክፍሊ ጥዕና ኒው ሳውዝ ዌልስ ንኮቪድ-19 ልዑል ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ኣብ ዘለዎም ኩነታት ዝሰርሑ ሰባት ብተወሳኺ ኣቐዲሞም ክኽተቡ ክመርጹ ከምዝኽእሉ ይመክር። ፕሮፌሰር ካኒንግሃም ድሕሪ ኮቪድ-19 ምልካፎም ዝኽተቡ ሰባት ካብ’ቶም ተለኺፎም ዘይፈልጡ ንላዕሊ ዝለዓለ ምክልኻል ኣለዎም ይብል።

"ናይ ቀረባ እዋን መጽናዕታት ዘመልክትዎ ቅድሚ ምኽታብኩም ኮቪድ ተለኺፍኩም ምጽናሕ ልክዕ ከም ሳልሳይ ክታበት ዝተዋህበካ ወይ መደንፍዒ (ቡስተር) ዝተኸተብካ ማዕረ ጽቡቕ’ዩ።"

ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ፕሪምየር ግላዲስ በረጂክሊያን፡ እቶም ክብጽሑ ዝተዓለሙ ሽቶታት ብዝሒ ክታበት እንተተበጺሖም ዝተኸትቡ ሰባት ዝለዓሉ ነጻነታት ካብ’ቶም ዘይተኸትቡ ንላዕሊ ከስተማቕሩ’ዮም ትብል። ነቶም ብምኽንያት መልከፍቲ ኮቪድ ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ምክልኻል ዘማዕበሉ ግን ዝኾነ መብጽዓ ንሕድገት ቀይድታት ዝምልከት ኣይተገብረሎምን። ክፍሊ ጥዕና ኒው ሳውዝ ዌልስ ከም’ዚ ይብል፡

 

“እቶም ደቀቕቲ ዝርዝራት ናይ’ቲ ፍኖተካርታ ኣብ’ዚ እዋን ይስርሑ’ዮም ዘለው፡ ክፍሊ ጥዕና ኒው ሳውዝ ዌልስ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ኮቪድ-19 ከምዘለዎም ዝተረጋገጹ ሰባት ዝምልከትዎም ሕድገታት ይምልከቶም’ዩ ዘሎ።"

ፕሮፌሰር ካኒንግሃም ኣብ’ዚ ጉዳይ ህዝባዊ ዝርርብ ወይ ክትዓት ክካየደሉ ኣለዎ ይብል።

"ኣነ እቲ ርትዓዊ’ዩ ኢለ ዝሓስቦ ነቶም ካብ ኮቪድ ምስ ሓወዩ ንሽዱሽተ ወርሒ ኣይትኽተቡን ኢኹም ንብሎም እንተሃሊና ብንጹር ከምኡ ክንብሎም’ዩ፡ ዝበዝሑ ክፋል’ዚኦም ሰባት ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ምክልኻል ክህልዎም ዝለዓለ ተኽእሎ ስለዘለዎ። እንተኾነ ግን ጽቡቕ ዘተ ብዛዕባ’ዚ ክሳብ ሕጂ የለን።"

ብዛዕባ ክታበት ምኽሪ ዝደልዩ ሰባት ምስ ሓኪም ክዘራረቡ ይምከሩ።

 


Share
Published 17 September 2021 3:02pm

Share this with family and friends