ኣብ ቻይና ኣብ ርሑቕ ዞባ ቲበት ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፡ ብውሕዱ 126 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣሽሓት ኣባይቲ ከም ዝፈረሰን ማዕከናት ዜና "ታ ሃገር ሓቢረን ፣ ኣብ ጐረቤት ሃገር ዋና ከተማ ኔፓል ዝዀነት ካትማንዱን ገለ ክፋል ሕንዲን እውን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም እተሰምዐን ተፈሊጡ ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፡ ካብ ከረን ኤቨረስት ብሸነኽ ሰሜን ጥቓ ዶብ ቻይና ኔፓል 80 ኪ.ሜ. ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ገጠር ፡ ልዑል ብራኸ ዘለዎ ቲንግሪ ዝብሃል ንኡስ ዞባ ፡ ሰሉስ ኣብ ከባቢ 9 ቅ.ቀ. (12pm AEDT) እዩ ኣጋጢሙ ።
እንተወሓደ 126 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 188 ድማ ከምዝቖሰሉን መንግስቲ እታ ሃገር ሲሲቲቪ ሓቢሩ ።
ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዝነበሩ ዕስራን ሸሞንተን ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ደልዮም ናብ ሆስፒታል ተወስዱ ፣ ልዕሊ 3,000 ኣባይቲ ድማ ከም ዝፈረሰ ፡ ብተወሳኺ ሓቢሩ ።
ኣብ ቻይና ዝርከብ ማእከል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ((CENC) ፡ ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 6.8 ኽልክዖ ከሎ ፡ ኣብ ዩኤስ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ግን ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 7.1 ከም ዝነበረ ሓቢሩ ።
እቲ ልዕሊ ኵሉ እተተንከፈ ከባቢ ፡ በቲ ኣብ ጎቦታት ዝርከብ ኣኽራን እተኸበበ እዩ ፣ እቲ ቦታ እቲ ፡ ብሸነኽ ቻይና ዝርከብ ከረን ኤቨረስት እዩ ።

The epicentre of the earthquake was recorded at around 177 kilometres southwest of Shigatse, Tibet and according to the USGS, hit at a depth of 10 kilometres. Source: Supplied / USGS