እቲ ሓድሽ ተመሪጹ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ኣብቲ ናይ ዓወት መደረኡ ፡ ሃገሩ ነቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝፈጸመቶ ናይ "ጥልመት" ትምህርቲ ክትወስደሉ ኣለዋ፡ ብምባል ሰልፉ ድሕሪ ምዕዋቱ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፡ ተቓዉሞኡ ገሊጽሉ።
ኣብ ኦታዋ ንዝተኣከቡ ደገፍቲ ፡ "ነዚ ናይ ንግዲ ውግእ ክንዕወተሉ ኢና" ክብል ገሊጽሎም። ካርኒ ብተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ብሰንኪ ናይ ትራምፕ ዝወሰኖ ግብርን ስግኣት ምድማርን ዝመጽእ "በዳሂ" መዓልትታት ከምዝህሉ መጠንቀቕታ ሂቡ ።
ካርኒ ፡ "እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ጥልመት ኣዝዩ ኣሰንቢዱና ፣ ኰይኑ ግና ፡ ነቲ ዝሃበና ትምህርቲ ፈጺምና ኽንርስዖ የብልናን" በለ ።
"ንኣዋርሕ ዝኣክል ከጠንቅቖም ከም ዝጸናሕኩ ፡ ኣመሪካ፡ ምድርና ፡ ጥሪትና ፡ ማይና ፡ ሃገርና እያ እትደሊ ዘላ።
"እዚኣቶም ንምጕብዕባዕ ጥራይ እተባህሉ ኣይኰኑን ። ፕረሲደንት ትራምፕ ኣመሪካ ምእንቲ ኽትውንነና ፡ ከሰብረና ይጽዕር ኣሎ ። እዚ ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ " ክብል ገሊጹ ።
CBC ን CTV News ክልቲኦም ሰልፊ ሊብራል ኣብ ልዕሊ ብፒየር ፖይሊቭረ ዝምራኽ ሰልፊ ኮንሰርቫቲቭ ፡ ኣብ ካናዳ ዝቕጽል መንግስቲ ከም ዘቝሙ ሓቢሮም ነይሮም ፣ ኰይኑ ግና ፡ እቲ ተዓዋቲ ሰልፊ ናይ ኣብዝሓ መንግስቲ ከምዘቕውም ርግጸኛታት ኣይነበሩን።
እቲ ትራምፕ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንካናዳ ምስ ኣመሪካ ከምዝሕውሳ ምስ ገለጸን ናይ ንግዲ ውግእን ፡ ንካናዳውያን ኣቘጢዕዎም እዩ ፣ እቲ ምርጫ ድማ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂብዎ ሓሊፉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣን ሒዙ ዘይፈልጥ ንነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ ተኪኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዘገልገለ ካርኒ ፡ ጸረ-ትራምፕ መልእኽቲ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ጎስስጓሱ ገይሩ ተጠቒሙ እዩ ።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ብሪጣንያን ካናዳን ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ኰይኑ ብምግልጋሉ: ነቶም ኣድመጽቲ ድማ ዓለማዊ ናይ ገንዘብ ተመክሮኡ ኣብ ናይ ንግዲ ውግእ ንካናዳ ከም ዘዐውቶም ንካላናድውያን ከእምኖም ኪኢሉ ኣሎ ።

Mark Carney has never held elected office before and was only appointed as Canada's prime minister last month. Source: AAP / Sean Kilpatrick/AP