ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኻልኣይ ግዜ ዝገበሮ ፕረዚደንታዊ መመረቕታ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ታሪኻዊ ህሞት እኳ እንተ ነበረ ፡ ገሊኦም ግና ኣብቲ ሰበይቱ እተኸድነቶ ብፍላይ ከኣ ኣብ ባርኔጣ እዮም ኣቓልቦኦም ተሳሒቡ።
ትራምፕ ቃል ማሕላ ክፍጽም ናብ ካፒቶል ሮቱንዳ ኣብ ዝኣተወሉ: ንመላኒያ ክስዕማ ፈቲኑ: እንተዀነ ግን እታ ቀዳመይቲ እመ-ቤት ዝወደየቶ ባርኔጣ ክዓግቶ ብምርኣዩ መዛረቢ ኮይኑ።
እቲ ህሞት ን እቲ ባርኔጣን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ስሒቡ ይርከብ ። ገሊኦም መልክዓ ኣዚዩ ጽቡቕን እተራቐቐን ገይሮም ገሊጾሞ ። ገሊኦም ከኣ ምስቲ ካርመን ሳንዲየጎ ዝበሃል ማሪታዊ ገጸ-ባህርይ ከምኡውን ምስቲ ማክዶናልድ ሃምቡርግ ዝበሃል ማስቆት የመሳስልዋ ኣለዉ ።

Donald Trump air-kissed his wife Melania as her hat was in the way. Source: AAP
ሓንቲ ተጠቃሚት ፡ "እንታይ ትገብር ከም ዘላ ትፈልጥ ነይራ እያ" ክትብል ገሊጻ ።
ድሕሪ እቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት ትራምፕ ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ እውን እንተ ኰነ ፡ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ሄሊኮፕተር ካብ ዋሽንግተን ዝነቐልሉ ካብ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቀዳማይ እመቤት ጂል ባይደንን ክፋነዉ ፡ ኣብ ርእሳ ዝነበረ ባርኔጣ ንምሓስ ትቃለስ ከምዝነበረት ተዋዝይሉ እዩ ።
ትራምፕ ፡ "በቲ ዝወደየቶ ባርኔጣ ፡ ዳርጋ ነፊራ ነይራ" ብምባል ዳእላ ገይሩ። "በታ ባርኔጣ ካብ ምድሪ ተላዒላ ነይራ ።"
ኣብቲ ግዜ እቲ ፡ ባርኔጣ መላንያ ንኣዒንታ ብዙሓት ሰባት ክርእይዎ ዓጊትዎ እዩ ዊዒሉ። እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ትራምፕ ጎስጓሳት ምርጫ ሳሕቲ እትካፈል ዝነበረት ቀዳመይቲ እመቤት ፡ ብ ኣመሪካዊ ዲዛይነር ኣዳም ሊፐስ double-breasted navy mid-length ዓይነት ዲዛይን ክዳን ተኸዲና ተራእያ።

The bitter cold weather forced Trump's inauguration indoors for the first time since Ronald Reagan's in 1985. Source: EPA / Kevin Lamarque