ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ሕውስዋስ ጾታታት ኤርትራ ካልኣይቲ፣ ኢትዮጵያ ሻብዓይቲ ወጺኤን

ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2022 ብመሪሕነት ኤርትራ ኣብ ብዝሒ መዳልያታት ሳልሳይ መዓልቱ ኣጠናቒቑ።

Eritrea wins silver at the African Continental cycling championships, Egypt.

Source: Shabait

ኣብ ሻርም ኤል ሸይኽ፣ ግብጺ፣ ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2022 ሎሚ ሳልሳይ መዓልቲ ቅድድማቱ ብምክያድ ቀጺሉ።

እቲ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ብጋንታ ምቅብባል በትሪ ሕውስዋስ ጾታታት’ዩ።

ኤርትራ ንሚለና ያፌት፣ ሚኪኤል ሃብቶም፣ ዳዊት የማነ፣ ሞናሊዛ ኣርኣያ፣ ኣኽሊሉ ገብረህይወትን ፌቨን ሃይለን ሒዛ ንውድድር ቀሪባ ካብ ተዓወቲት ሃገር ሞውሪሸስ ብ53 ካልኢታት ጥራይ ድሒራ ካልኣይቲ ብምውጻእ ብሩር መዳልያ ዓቲራ።

ኢትዮጵያ ብመንገዲ ነጋሲ ሃይሉ፣ ዓብድረዛቕ ዳገባ ዓብዲ፣ ሃና ኣቢየ፣ ሰብለወርቅ ኣየለን ዋለ ሃናማርያምን ተወኪላ ሻብዓይቲ ክትወጽእ ክኢላ።

ግብጺ ሳልሰይቲ ወጺኣ ፖድየም ምሉእ ብምግባር ነሓስ መዳልያ ወሲዳ።

ክሳብ ሕጂ ተኻይዶም ኣብ ዘለዉ ቅድድማት ኤርትራ ብሓሙሽተ መዳልያታት ወርቂ፣ ኣርባዕተ መዳልያት ብሩርን ክልተ መዳልያታት ነሓስን ኣዋህሊላ ብብዝሒ መዳልያታት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትርከብ።


Share
Published 26 March 2022 6:13am
Updated 26 March 2022 6:18am

Share this with family and friends