ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ'ታ ካብ ሰልፊ ዋን ኔሽን ዝኾነት ፖውሊን ሃንሰን ብመርበብ ሓበሬታ (ኦንላይን) ድሕሪ ምዛሩ ወይ ምዝርግሑ ገለ ማሕበረሰባት ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ደገን ኣብ ጭንቀት ይርከቡ።
መራሒት'ቲ ሰልፊ ሰነተር ፖውሊን ሃንሰን ዝበለቶ ተባሂሉ ኣብ ዝጠቐሶ እቲ መግለጺ፡ 75፡000 ሰባት "ብዘይሕጊ" ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ ዘለዉ፡ ነቶም ልዕሊ'ቲ ቪዛኦም ዘፍቅዶ ግዜ ዝጸንሑ፡ ብዘይሕጊ ዝሰርሑ ዘለዉ ወይ ገበናት ዝፈጸሙ ወሲኽካ፡ ጉዳያት ዳግማይ ኣብ ዝምልከት መጋባእያ (Australian Review Tribunal) ናይ ይግባይ ዕድል ከይተዋህቦም ክጥረዙ'ዮም ይብል።

"One Nation, united, strong, and prosperous, celebrates its 11th year." Credit: One Nation Website
ኣብ ሓደ ኒ-ቫኑዋቱ (Ni-Vanuatu) ዝተባህለ ውዕዉዕ ጉጅለ ፈይስቡክ፡ ሓደ ተጠቃሚ ንኻልኦት ስድራቤታቶም ተኽእሎ ምጥራዝ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ጠቂዑ።
እቲ መልእኽቲ ዝወጸ፡ "ንስድራቤትኩም ቅድሚ'ቲ ስርሒት ምጥራዝ ምጅማሩ ባዕሎም ናብ ዓዶም ክምለሱ መልእኽቲ ስደዱሎም፡" ዝብል ኔሩ።
ካልእ ሰብ ድማ "ንደቂ ቫኑዋቱ ኣባላት ስድራቤትና ንሓዝነሎም፡" ክብል ጽሒፉ።
ብዙሓት ካልኦት መልስታትን ጽሑፋትን ዝተዋህቡ ድሕሪኡ ነቲ ዝወጸ ፖሊሲ
"ትራምፕ እቲ ትእዛዝ ንኣውስትራልያ ሂብዋ ... ነቶም ኣብ ኣውስትራልያ ብዘይሕጊ ዝነብሩ ሰባት'ውን መታን ክጥርዞም፡" ዝብል ሓደ ጽሑፍ ካብ'ቶም SBS Bislama ዘንበቦም ኔሮም።
ካልኦት ተጠቀምቲ ድማ ነቲ ፖሊሲ ደጊፎም ርእይቶ ሂቦም።
SBS Tetum፣ ምስ ክልተ ነቲ መግለጺ ዝረኣይዎ ብስራሕ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ተወለድቲ ቲሞር-ለስተ፡ ሊዮን ማሪያን*፡ ብዛዕብኡ ተዘራሪቡ።
"ተሻቒልና ኔርና ምኽንያቱ፡ ንዓና፡ ናብ ኣውስትራልያ ምምጻእ ማለት ነቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉ ስድራና ክንዕንግል ዕድል ምርካብ ማለት'ዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ነቶም መምርሒታትን ሕግታትን ተኸቲልናዮምን በቲ ኣሰራርሓ ንቕየድን፡ ነዚ ዜና ምስማዕ ግን ኣዝዩ ዘሻቕል ኮይኑ፡" ክብሉ ተዛሪቦም።
ካርላ ቻንግ፡ ካብ ACRATH ዝተባህለ ኣንጻር ምስግጋር ሰባት ዝሰርሕ ካቶሊካዊ ማሕበር (Australian Catholic Religious Against Trafficking in Humans) ኮይና ንመጻእቲ ሰራሕተኛታት ትተሓጋገዝ'ያ። እዚ ሰነድ ወይ መግለጺ ኣብ ኦንላይን ክዘውር ወይ ክዝርጋሕ ምስ ጀመረ ሓያሎ መልእኽትታት ተቐቢላ።
"ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ፖውሊን ሃንሰን ምስ ረኣዩ እቶም ሰራሕተኛታት ኣዝዮም ተጨኒቖምን ተሻቒሎምን ምንባሮም ተዓዚበ።" ኢላ።
"እዚ ካብ ሓደ ንኡስ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝተዋህበ ወይ ዝቐረበ ሓሳብ ጥራይ'ዩ ኢለ ነጊረዮም ... ክጭነቑ ከምዘይብሎምን ኣብ ስርሖም ጥራይ ከተኩሩን ሓቢረዮም።"
ከም ውጽኢት ናይ'ዚ ፖሊሲ ምጥራዝ ከጋጥመና ይኽእል'ዩ ኢሎም ዝፈርሑ ሊዮን ማርያን፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ፈስይስቡክ ነቲ መግለጺ ወይ ሰነድ ምስ ኣብርህዎ እፎይታ ከምዝተሰመዖም ንSBS Tetum ሓቢሮም።
"እቲ ጽቡቕ ብዛዕባ ሶሻል መድያ፡ እቲ ሓበሬታ ወግዓዊ መግለጺ መንግስቲ ዘይምዃኑ ክንርዳእ ምኽኣልና'ዩ፡" ክብሉ ድማ ወሲኾም።
ሓደ ኣፈኛ ሰልፊ ዋን ኔሽን ንSBS Examines፡ እቲ ሰልፎም ዝኾነ "በቲ መግለጺ ኣብ ጭንቀት ኣቲና ዝበለ ማሕበረሰብ" ምህልዉ ኣፍልጦ የብልናን ክብል ሓቢሩ።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንገሊኦም ጭንቀት ክፈጥረሎም'ንከሎ ንሰልፊ ዋን ኔሽን ግን "ልሙድ ተግባር'ዩ"፡ ብመሰረት ክኢላ ስደትን ፍልሰትን ተሓሓጋጋዚት ፕሮፈይሰር ኣና ቦሸር።
"እዚ ከም ፍታሕ ንፍልሰት ወይ ማይግረሽን ተባሂሉ ካብ ክምስረት'ከሎ ኣትሒዙ ዝነበረ መሰረታዊ ፖሊሲ ሰልፊ ዋን ኔሽን'ዩ።"
ንሳ እቲ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዓቢኡ ነቶም ናቶም "ደገፍቲ" ዝዛረብ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።
ተሓጋጋዚት ፕሮፈይሰር ቦሸር ላዕለወይቲ መምህር ህዝባዊ ፖሊሲን ፖለቲካዊ ሳይንስን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ሲድኒን ኣባል ሚኒስተራዊ ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳይ ሞያዊ ፍልሰት (Ministerial Advisory Council on Skilled Migration) ኣብ ፈደራላዊ መንግስትን'ያ።
እቶም ኣብ'ቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተዘርዘሩ ፖሊሲታት ከም ተኽእሎ "ኣድማዕቲ ወይ ክትግበሩ ዝኽእሉ" ኣይኮኑን ክትብል ንሳ ንSBS Examines ሓቢራ።
ንሳ ብተወሳኺ ብኣልማማ ምጥራዝ ቀሊል ከምዘይኮነ ድሕሪ ምስማር ሰልፊ ዋን ኔሽን "ናብ'ቲ ጉዳያት ደጊሙ ዝምልከት መጋባእያ (Administrative Review Tribunal) ይግባይ ናይ ምባል መሰላት ክኣልዮ ወይ ከልግሶ" ስልጣን የብሉን ትብል።
LISTEN TO

Migrants aren't being hired in the jobs they're qualified for. It's costing Australia billions
SBS English
04/11/202406:15
'ፍርሒ ክምዝምዝ ዝዓለመ'ዩ'
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ክብረወሰን ዝኾነ ቁጽሪ መጻእቲ (ኢሚግረሽን) ኣብ ትሕቲ'ዚ ዘሎ መንግስቲ፡ ጠንቂ ናይ'ቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ኣባይቲ፡ ወሰኽ መጠን ዝቕባበን ልዕሊ ዓቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ህዝባውያን ኣገልግሎታትን ትሕተ ቅርጽን እዩ ክብል ይኸስስ።
ኣብ መንጎ ፍልሰት፡ ኣባይቲን ዝቕባበን ምትእስሳር ከምዘሎ ዘረጋግጹ ኣሃዛት ወይ ሓበሬታ ከቕርብ ምስ ተሓተተ፡ ኣፈኛ እቲ ሰልፊ መላግቦ ናብ ሓደ ኣቕሪቡ።
ነቲ ርዱእ ዝኾነ፡ ዘየወላውል ሓቂ፡ ማለት ዝያዳ ሰባት ኣብ ኣውስትራልያ ማለት ዝያዳ ሰባት ነቶም ዘለዉ ቀረባት ኣገልግሎት፡ ትሕተ ቅርጺን ኣባይትን ክክጥቀሙ ምዃኖም ዘመልክቱ ምንጭታት ሓበሬታ እዚኦም ጥራይ ኣይኮኑን።
እንተኾነ ግን ኤሜሪተስ ፕሮፈይሰር መጽናዕቲ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቤት ትምህርቲ ህዝባዊ ፖሊሲ ክሮውፎርድ ናይ ኣውስትራልያን ናሽናል ዩኒቨርሲቲ ዝኾነ ፒተር ማክዶናልድ፡ ዘለዎ ክብል ን SBS Examines ሓቢሩ።
"ተንተንቲ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን፣ ንኩሉ ጸገማት ዕዳጋ ኣባይቲ ንልዑል ፍልሰት (ኢሚግሬሽን) የላግብሉ፡ ከምኡ ዝገብርሉ ድማ፡ ቅልውላው ኣባይቲ ንምምካት ካብ ዘድልዩ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎም ኣገባባት ፖሊሲ ኣቓልቦ ንምቕያር ወይ ንምጭዋይ ብምዕላም'ዩ።
ንሱ መጻእቲ (ፈለስቲ) ኣብ ዕድጊ ኣባይቲ ይኹን ኣብ ዕዳጋታት ክራይ ንእሽቶ ጽልዋ ጥራይ'ዩ ዘለዎም ድሕሪ ምባል ምድራት ፍልሰት (ኢሚግሬሽን) ነቲ ጸገም ኣይከዐርዮን'ዩ ይብል።
ተሓጋጋዚት ፕሮፈይሰር ውጥን ከተማታት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ኲንስላንድ ዶክተር ዶሪና ፖጃኒ እቲ ቀንዲ ጸገም ሕጽረት ኣባይቲ'ዩ ትብል።
"ነዚ ዘለና ብዝሒ ህዝቢ ዝኸውን እኹል ኣባይቲ የብልናን፡ እዚ ንኢሚግረሽን ጥራይ ተላግበሉ ኣይኮነን። እኹል ኣባይቲ ንሃንጽ የለናን፡" ክትብል ትገልጽ።
"ኣብ ከባቢ 2000 ዓመተ ምህረት ምስ ጠለብ ዝኸይድ ሓደስቲ ኣባይቲ ምህናጽ ደው ኣቢልናዮ፡ ካብ ሽዕኡ ንደሓር ከኣ ዋጋታት ብዘየቋርጽ ይውስኹ ኣለዉ።"
ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ቦሻር፡ ሰልፊ ዋን ኔሽን ነቲ ኣሎ ዝበሃል ምትእስሳር ኣብ መንጎ ኣባይትን ምምጻእ ሓደስቲ ሰባትን (ኢሚግሬሽን) ከቃልሖ ምውሳኑ፡ "ሓቂ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ንፍርሒ ናይ'ቶም መረጽቲ ዝምዝምዝ'ዩ" ትብል።
"በዚ ምኽንያት'ዮም እምበኣር ኣብ'ኡ ዘተኩሩ።"
LISTEN TO

Is immigration worsening the housing crisis?
SBS English
15/07/202405:09
ጽልዋ ኣብ ደገፍ ንፍልሰት (ማይግሬሽን)
ሰልፊ ዋን ኔሽን ናይ ፖውሊን ሃንሰን ንእሽቶ ሰልፊ'ዩ፡ መንግስቲ ክምስርት ወይ ናቱ ፖሊሲታት በይኑ ከተግብር እኹላት ኣባላት (ባይቶ) የብሉን።
ተሓጋጋዚት ፕሮፈይሰር ቦሻር ግን ጽልዋ ናይ "ከም'ዚ ዓይነት ዘረባታት" ን "ተግባራት ምዝራእ ፍርሕን" ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ስኒት የሻቕለኒ'ዩ ትብል።
"ኣብ ዙርያ ፍልሰት (ማይግሬሽን) ዘሎ ዕላልን ክትዕን ብሓፈሽኡ ኣብ ኣውስትራልያ ናብ ሓደ ዘይተደልየን ጽንፊ ዝሓዘ መርገጽን ክደፍኦ ይኽእል'ዩ። ንሓደ ካብ'ቶም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ንኩሎም'ኳ እንተዘይኮነ፡ ንገሊኦም ካብ'ዞም ሓሳባት ክቕበልዎም ወይ ከተግብርዎም ከተባብዖም ይኽእል'ዩ፡" ክትብል ንሳ ገሊጻ።
LISTEN TO
Living in limbo
SBS English
07/10/202407:12
* Names have been changed