ካብቶም ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝርከቡ መበቆሎም ካብ ደቡብ ኤሽያ ዝኾኑ ብዝያዳ ሞት ከምዘጋጥሞም ሓደ መጽናዕቲ ናይ ዩኬ ኣረጋጊጹ።

እቲ ብዙሕ ሞት ዘጋጥም ዘሎ ብኸፊል ጠንቁ ሕማም ሽኮር ከምዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

Nurses treat coronavirus patients at Frimley Park Hospital in Surrey.

New modelling predicts up to 120,000 more deaths in the UK from coronavirus if no action is taken. Source: AAP

ኣብ ብሪጣኒያ፡ መበቆል ዓሌቶም ካብ ደቡብ ኤሽያ ኮይኖም ብሕማም ኮቪድ-19 ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ዝዕቆቡ፡ ካብ ጸዓዱ ብ 20 ሚእታዊ ንላዕሊ ብዝሒ ሞት ከምዘጋጥሞም ብዙሕ መጽናዕቲ ዘረጋገጾ ሓቂ ኮይኑ፡  እቶም ዝበዝሑ ኢትኒካዊያን ውሑዳን ክፋል ሕብረተሰብ ብዝያዳ ከምዝጥቅዑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ መባእታዊ ዉጽኢት መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ሆስፒታል ዝዕቆቡ ደቡብ ኤሽያዊያን ብገምጋም ብ 12 ዓመት ዝነኣሱን ብሓፈሻ  ኣቐዲሙ ዝኾነ ናይ ሕማም ኩነታት ዘይብሎም እዮም።

ኣብዚ ጉጅለ ዝኣትዉ ሕሙማት ሕማም ሽኮር ክህልዎም ዓቢ ተኽእሎ ዘሎ ኮይኑ ካብ ሓሙሽተ ኣብቶም ኣርባዕተ ዘጋጥም ሞት መግለጺ ኣይተረኽበሉን።

"ደቡብ ኤሽያዊያን ብ 20 ሚእታዊ  ዝለዓለ ናይ ሞት ሓደጋ የጋጥሞም። ክፋል ናይዚ ጠንቂ ሕማም ሽኮር ኮይኑ እቲ ካልእ ክፋሉ ግና ካልእ ጠንቂ እዩ ዘለዎ።" ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ አደንበርግ ናይ መጥባሕቲን ሓበሬታን ሳይንስ ፕሮፌሶር አወን ሃሪሶን ገሊጹ። 

ብዓርቢ ካብ ሃገራዊ ስታትስቲክስ ዝወጸ ሓበሬታ ነቲ ኢትኒካዊያን ዉሑዳን ሕብረተሰብ ብኮቪድ-19 ዝያዳ ተጠቃዕቲ  ምዃኖም ዝገልጽ ሓሳብ ዝድግፍ ኮይኑ ተረኺቡ። ገለ ካብዞም ክፋል ሕብረተሰብ ብቐሊሉ በቲ ቫይረስ ይልከፉ ወይውን ነዚ ቫይረስ ተኣፈፍቲ ምዃኖም ገና ግሉጽ ኣይኮነን ዘሎ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝርከቡ ካል ኦት ኢትኒካዊ ዉሑዳን ሕሙማት ኮረንቫይረስ ልዑል ተኽ እሎ ሞት ከምዘጋጥሞም ኣይሕብርንዩ ክብል ሃሪሶን ገሊጹ።

" ጸለምቲን ካ ኦት ኢትኒካዊያን ዉሑዳን ዓሌታት መጠን ኣብ ጽዑቕ ክንክን (intensive care) ዝኣትዉን ናብ ናይ መተንፈሲ ሓገዝ ዝምርሑን ብዙሓት እንተኾኑኳ ኣብዞም ጉጅለ'ዚኦም ልዑል መጠን ሞት ኣሎ ኢልካ ክድምደም ግና ኣይከኣልን እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ካብ 260 ሆስፒታላት ዝ ኣተዉ ናይ 34,986 ሕሙማት ካብዝተወስደ ሓበሬታ እዩ።

patients, although the preliminary findings had not been peer-reviewed.

 


  • ኣብኣውስትራልያሰባትብውሑዱ 1.5 ሜትሮካብካልኦትክርሕቁኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
  • መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብዶክተርኩምደውሉወይከኣሃገራዊሓበሬታጥዕናኮሮናቫይረስዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
  • ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
  • ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።  ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 

Share

Published

Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends