ስርዓት ኣሳድ ብምውዳቑ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሶርያውያን ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ።

ፕረሲደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ድሕሪ ምውዳቑ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሶርያውያን ነቲ በቶም ተቓወምቲ ዝተፈጸመ ቅልጡፍ ስርሒት ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ።

A demonstrator holds a Syrian opposition flag as people chant slogans around him

Syrians living in Greece wave Syrian opposition flags as they gather to celebrate the rebel takeover of the Syrian capital. Source: AFP / Angelos Tzortzinis

ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ብሰንበት ካብ ደማስቆ ካብ ዝሃደመሉ እዋን ኣትሒዙ ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኰነ ክንዮ ሶርያ ኣብ መወዳእታ እቲ ጨቋኒ ግዝኣት ብምብቃዑ ፡ ሶርያውያን ብሓጎስ ይጽምብሉ ኣለዉ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ፡ ሰባት ንሓወልትታት ሃፈዝ ኣል-ኣሳድ ፡ ኣቦ ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ከምኡውን መስራቲ እቲ ዝወረሶ ስርዓት መንግስቲ ኣፍሪሶምዎ ኣለዉ ።
ኣብ ሶርያ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመት ፡ ብ ንእሽቶ ጥርጣረ ከይተረፈ፡ ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣትዉ ወይ ክቕተሉ ጸኒሖም እዮም።
እቶም ተዋጋእቲ ናብታ ርእሲ ከተማ ምስ ኣተዉ ፡ ኣብ ወሰናስን ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኖም ንዝነበሩ እሱራት ብምፍታሕ ፣ "እቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ዉልቀምልነት ኣብ ቤትቲ ቤት ማእሰርቲ ሰድናያ ከም ዘብቅዐ" ድማ ኣወጁ ፣ እዚ ኣብ ዘመነ ኣሳድ ዝወርድ ዝነበረ ዝኸፍአ ግህሰት ብቓል ዝተገልጸ እዩ ነይሩ ።
እቶም ተቓወምቲ ነቲ መቓዉሕ ማእሰርቲ ምስ ሰበርዎ ፡ እቶም እሱራት ካብቲ ተኣሲሮሙሉ ዝነበሩ ብሓይሊ ደፊኦም እናጎዩ ክወጹ ተራእዮም። ምስ ስድራ ቤታት ምስተራኸቡ ብሓጐስ ክኸዩን ተራእዮም።
ነቶም ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ኢሎም ዝሞቱ ስደተኛታት ዘመልክት "ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዝኣኽሉ ሶርያውያን እዮም ተፈናቒሎም ? ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ድንኳን ይነብሩ ነይሮም? ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ክንደይ እዮም ? " ብምባል እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ናይቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ዝኾነ ኣቡ መሓመድ ኣል-ጎላኒ ኣብ ማእከላይ ደማስቆ ዝርከብ መስጊድ ኡማያድ ህዝቢ መደረ ኣስሚዑ።
"ኣሕዋተየ ፡ ድሕሪ እዚ ዓብዪ ዓወት እዚ ፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዞባ ሓድሽ ታሪኽ ተጻሒፉ ኣሎ" በለ ።
ኣል-ጎላኒ ንነበርቲ እታ ካብ ኣሌፖ ብሸነኽ ደቡብ እትርከብ ክርስትያን ከተማ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ: ህይወቶም ከምዝሕሎን ንብረቶም ከም ምክልኻል ከምዝግበረሉን ገሊጹ ኣሎ ።

'ከተማ ደማስቆ ነጻ ምዃና ንእውጅ ኣለና'

ንሓምሳ ዓመታት ጭቆና ሰልፊ ባዓዝ ኣብቂዑ እቶም ሓይልታት ተቓዉሞ ኣል ኣሳድ ከምዝሃደመ ኣቐዲሞም ምስ ኣወጁ ፡፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዘጌጸ ገዛ ኣሳድ ወሪሮሞ ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ናይታ ሃገር ቀንዲ ደጋፊት ሩስያ ፡ ኣሳድ ካብ መሪሕነት ከም ዝወረደን ናበይ ከም እተብልን ከይሓበረ ካብ ሶርያ ከም ዝወጸን ኣቐድም ኣቢሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ሩሲያ ዝመደበረን ናይ ዜና ትካላት ኣሳድ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ሞስኮ ከምዝነበሩን ዑቕባ ከምዝተዋህቦምን ተዛሪበን ።
Two men in suits shake hands for photo
Russian news agencies late Sunday said Assad and his family were in Moscow. Source: AAP / Novosti Kremlin
እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ፡ "ንከተማ ደማስቆ ናጻ ገይርናያ ኣለና" ኢሎም ዉልቀ መላኺ ኣሳድ ከም ዝፈንቀሉ ምስ ገለጹ ፡ ኣብታ ርእሲ ከተማ ዝነብሩ ተቐማጦ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ሓጐሶም ክገልጹ ተራእዮም ።
ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ ከም ዝሕብሮ ፡ ካብ ማእከላይ ደማስቆ ዝወጽእ ትኪ ከምዝነበረ ፣ ወኪላት ዜና ኤ.ኤፍ.ፒ. ድማ ፡ ብዙሓት ሰብኡት ፡ ኣንስትን ቈልዑን ፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ናብ ቤት ኣሳድ ክኣትዉ ከለዉ ረኣየ ።
ተቐማጢ ደማስቆ አመር ባታ ፡ "ኣብዚ እዋን እዚ እነብር ኣለኹ ኢለ ክኣምን ኣይክእልን እየ" በለ ።
"ነዛ መዓልቲ ብዙሕ ኢና ክንጽበያ ጸኒሕና" ድሕሪ ምባል ፡ "ንሶርያ ሓድሽ ታሪኽ ንጅምረላ ኣለና" በለ ።
Person in camouflage tears down poster of Syrian president Basher al-Assad
Moscow, a staunch backer of Assad whom it intervened to help in 2015 in its biggest Middle East foray since the Soviet collapse, is scrambling to salvage its position with its geopolitical clout in the wider region and two strategically-important military bases in Syria on the line. Source: AFP / Mohammed Al-Rifai
ጉጅለ እስላማዊ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም እቲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዕቑዳት ዓመት ዝጸንሐ ግዝ ኣት ስድራቤት ኣሳድ ብበርቃዊ ስርሒትዩ ፡ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣፍሪስዎ ዘሎ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ኣል-ጃላሊ ፡ "ህዝቢ ሶርያ ምስ ዚሓርዮም ዝዀነ ይኹን መሪሕነት" ክተሓባበር ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ።
ሓላፊ ናይ ሶርያ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ራሚ ዓብደል ራሕማን ድማ : - "ኣሳድ ሓይልታት ጸጥታቅድሚ ምውጻኦም: ካብ ሶርያ ብመንገዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ደማስቆ ኣቢሉ ወጺኡ።" ኢሉ።
መርመርቲ ገበናት ውግእ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ምውዳቕ ኣሳድ ንሶርያውያን "ታሪኻዊ ሓድሽ ምጅማር" ከም ዝዀነት ድሕሪ ምግላጾም ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እተፈጸመ "ግፍዒ" ንኸይደግምዎ ነቶም ሓላፍነት እተዋህቦም ሰባት ተላብዮምዎም ።

ካብ ምሉእ ዓለም ግብረ መልሲ ዓለም

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ በዚ ፍጻመ ዝተሓጎሱ ሶርያውያን ኣብ በርሊንን ኣብ መላእ ኤውሮጳን ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ወጺኦም ባንዴራኦም እናወዛወዙ ብ ውድቀት ኣሳድ ሓጐሶም ክገልጹ ኣይከኣሉን ።
"ኣብ መወዳእታ ፡ ሓራ ኢና!" ባሳም ኣል-ሞዳዳ ዝተባህለ ወዲ 39 ዓመት ካብቶም 5,000 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን ሓጎሶም ክገልጹ ዝወጹ ሓደ እዩ። እዚኣቶም ካብቶም ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሶርያውያን ናብ ኤውሮጳ ብምእታው እቲ ዝዓበየ ናይ ሶርያ ዳያስፖራ እዩ ።
ኣብ ኣቴንስ ፡ ቤልግረድ ፡ ኢስታንቡል ፡ ለንደን ፡ ፓሪስ ፡ ስቶክሆልም ፡ ቪየና ዝርከቡ ሶርያውያን 'ውን፡ ኣብ ልዕሊ ኣሳድ ዘለዎም ጽልኢ ዘነጽር ቀጠልያን ቀይሕን ጸሊምን ጻዕዳን ዝሕብሩ ባንዴራታትእና ኣወዛወዙ ሓጎሶም ገሊጾም።
ብኣማእታት ዝቝጸሩ እተቘጽሩ ሶርያውያን ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ትራፋላጋር ዝበሃል ኣደባባይ ብምውዳቕ ኣሳድ ንሓድሕዶም እናተሓቛቘፉን "መብሩክ!" እናበሉ እናጨደሩን ጸምቢሎሞ ።
Syrians in Germany march down the street holding flags
Syrians living in Berlin gather in Oranienplatz Square, Kreuzberg, to celebrate the overthrow of the 61-year Baath Party rule in Syria with the Syrian opposition's "revolution flag". Source: Anadolu / Getty Images
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣንናሌሴ ባርባክ ፡ ኣሳድ ብተግባራቱ ኣብ መወዳእታ ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ።
"ሕጂ ኣብ ሶርያ እንታይ ይፍጸም ኣሎ ብልክዕ ምዝራብ ዘይከኣል እኳ እንተ ኰነ ፡ ሓደ ንጹር ነገር ግን ኣሎ ፦ ኣብ ሶርያ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ መወዳእታ ኣሳድ ማለት ፡ እቲ ብስርዓት ኣሳድ እተፈጸመ ግፍዒ ናይ መጀመርታ ዓብዪ እፎይታ ማለት እዩ" በለ ባርባክ ።
ኣብ ዮርዳኖስ ፡ ንጉስ ዓብደላ ፡ ዮርዳኖስ ንሕርያ ህዝቢ ሶርያ ከም እተኽብሮ ገሊጹ እዩ ። ብመሰረት መግለጺኡ ፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ናብ ዕግርግር ዝመርሕ ዝዀነ ይኹን ግጭት ኸየጋጥም ተማሕጺኑ ፡ ድሕንነት እታ ኣብ ሰሜናዊት ጐረቤት ሃገሩ እትርከብ ሃገር ንምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ እውን ኣጕልሐ ።
ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶርያ ፡ እታ ሃገር ኣብ "ዚ እዋን" ዚ ኣብ ተሃዋሲ ኩነታት ከም ዘላ ክገልጽ ከሎ ፡ እታ ብታሪኽ ንተቓውሞታት እትድግፍ ቱርኪ ድማ ፡ "ልዙብ ምስግጋር" ክትገብር ጸዊዓ ።
ኣብ ብምሉኡ ውግእ ሓድሕድ ቀንዲ ደጋፊት ኣሳድ ዝዀነት ኢራን ፡ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ ኤምባሲኣ እተዓነወኳ ፡ ምስ ሶርያ "ምሕዝነታዊ" ርክብ ክቕጽል ትጽቢት ከም ትገብር ገሊጻ ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ መግለጺኡ ፡ ስርዓት ኣሳድ ንኽፈርስ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ እኳ እንተ ገለጸ ፡ እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ርግጸኛ ክኸውን ከም ዘይከኣል ግና ኣጠንቂቑ እዩ ።
ባይደን ፡ "እቲ ንነዊሕ ዝተሳቐየ ህዝቢ ሶርያ ነታ ዅርዕቲ ሃገሮም ዝሓሸ መጻኢ ዝሃንጹሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ" ድሕሪ ምባል ፡ "ኵላትና ናብቲ ዝመጽእ ሕቶ ክንምለስ ከለና ፡ እንታይ ክመጽእ ከምዝኽእል ርግጸኛታት ኣብ ዘይኮናሉ እዩ" ኢሉ ኣጠንቀቐ ።
እቲ ፕረዚደንት ኰይኑ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ኣሳድ ደገፍ ሩስያ ምስ ሰኣነ "ካብ ሃገሩ ከም ዝሃደመ" ገለጸ ።

'ናብ ዓድና ክንከይድ ኢና'

እቶም ተቓወምቲ ወገናት ፡ ንተቓለስትን ዜጋታትን "ንብረት እታ ናጻ ሃገረ ሶርያ" ኽሕልዉ ዘተባብዕ መልእክቲ፡ ኣብ ተለቪዥን ሶርያ መግለጺ ሂቦም ።
ተለቪዥን እታ ሃገር ፡ "ዓወት እቲ ዓብዪ ሰውራ ሶርያ" ዝእውጅ መልእኽቲ ክትፍኑ ዊዒላ።
ቅድሚ እቲ ናይ ሰንበት መግለጺታት ፡ ነበርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ ኣሻቓሊ ኵነታት ክዛረቡ ዊዒሎም። ንግሆ ግና ፡ "ሶርያ ናትና እምበር ፡ ናይ ስድራ ቤት ኣሳድ ኣይኰነትን" ብዚብል ናይ ተዅስን ዕልልታን ድምጺ ተዅስን ከስምዑ ጀመሩ ።
እቲ መጥቃዕቲ ዳግማይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ፡ መብዛሕትኦም ተዋጋእቲ ፡ 138 ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም ብውሕዱ 910 ሰባት ከም እተቐትሉ ተዓዘብቲ ገሊጾም ኣለዉ ።
ውግእ ሓድሕድ ሶርያ ልዕሊ 500,000 ሰባት ቀቲሉ እዩ ፣ ንፍርቂ ዝኸውን ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ካብ መንበሪኡ ክሃድም ኣገዲዱ እዩ ።
ኣብ 2014 ንሱን ኣዲኡን ካብ ሶርያ ከምለጡ ኸለዉ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ሬዳ ኣል-ከድር ፡ "ንሶርያ ብዙሕ ኣይዝክራን እየ" በለ ።
"ሕጂ ግና ናብታ ነጻ ሃገርና ክንምለስ ኢና" ክብል ካብ ካይሮ ገሊጹ።

Share
Published 9 December 2024 8:58am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS, Reuters, AFP


Share this with family and friends