ኣካየድቲ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሩዋንዳ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ ክታበት ዝወሰዱ ተቕዳደምቲ ጥራይ’ዮም ኣብ’ቲ መበል 14 ዓመታዊ ውራይ ክሳተፉ ዝፍቀደምሎም። ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ንዜጋታታ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19 ክሳብ ሕጂ ምሃብ ዘይጀመረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ።
ኣብ’ዚ ኩሉ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ሩዋንዳ ዝተፈላለዩ ቀይድታት ምንቅስቓስን ምዕጻዋትን ወሲኽካ ጥቡቓት መምርሒታት ጥዕና ከተተግብር ጸኒሓ’ያ። ኣብ’ዚ ሰሙን መንግስቲ ሩዋንዳ ሰባት ህዝባውያን ቦታታትን ውራያትን ክጥቀሙሎምን ክሳተፉን እንተኾይኖም ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ክኾኑ ኣለዎም ኢሉ።
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብፍላይ እቶም ኣብ ዝለዓለ ቅድድማት ዓለም ዝሳተፉ መደበራቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ስለዝኾነ ክታበት ወሲዶም ክኾኑ ትጽቢት ይግበር።
ወቕቲ ቅድድም ብሽግለታ ዓለምን ኤውሮጳን ገና ሕጂ ይጅምሩን ይወዓውዑን ምህላዎም ምናልባት መብዛሕትኦም እቶም ፕሮፌሽናል ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ክሳትፉ ትጽቢት ምግባር ኣይከኣልን ይኸውን።
ግን ገሊኦም ምስ ካልኦት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቀዳደሙ ብሓባር ኮይኖም ክሳተፉ ዓቢይ ህርፋንን መደብን ከምዝህልዎም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ነዚኦም ተቐዳደምቲ ከኣ መምርሒታት ክታበት ሩዋንዳን ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎን ኣዝዮም ክጸልውዎም ይኽእሉ’ዮም።
ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ቅድድም ብሽግለታን ንዙር ሩዋንዳ ሓደ ካብ’ቶም ብሃንቀውታ ዝጽበይዎም ውራያት ስለዝኾነ እዚ ዜና ዘሕዝን ኮይኑ’ሎ።
ሓድሽ መግለጺ ዙር ሩዋንዳ ዝተዋህበ ብመንገዲ ትዊተር ኮይኑ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ዓወታት ዘመዝገበት ኤርትራ ዓቢይ ጽፍዒት ክኸውን’ዩ።
ዙር ሩዋንዳ ብዓለምለኻዊ ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ (ዩሲኣይ) ኣብ 2009 ወግዓዊ ተፈላጥነት ካብ ዝረክብ ተፈታውነቱ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ድሕሪኣ ኣብ ዝነበረት ዓመት ከኣ ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ለባሲ ቢጫ ማልያ ኮይኑ።
ኣብ 2019 እቲ ዙር ናብ ዝለዓሉ ደረጃታት ክብ ምስ በለ ተወሰኽቲ ኣብ ዓለም ፍሉጣት ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ክስሕብ ጀሚሩ፡ ኣብ 2019ን 2020ን ከኣ ብተኸታታሊ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ለበስቲ ቢጫ ማልያ ኮይኖም።
ናይ’ዚ ዓመት ዙር ሩዋንዳ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት ኣብ ዘሎ እዋን ክካየድ’ዩ።
እዚ መምርሒታት ጥዕና ሩዋንዳ ዘየማልኣ ሃገራት ኣብ ዙር ሩዋንዳ ከይሳተፋ ዝኽልክል ዜና ዝመጽእ ዘሎ ዝሓለፈ ሓሙስ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ኢንተርማርች-ዎንቲ-ጎቤር ማተሪዮ ቢንያም ግርማይ ኣብ ማዮርካ ቻለንጅ ካልኣይ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድም ዝኾነ ቅድድም ብሽግለታ ትሮፊዮ ኣልሱዳ ቀዳማይ ዓወት ናይ’ዚ ዓመት ንዕኡን ንጋንትኡን ድሕሪ ምጉንጻፉ’ዩ።
ወዲ 21 ዓመት ቢንያም ምስ ደቂ ጋንቱ ተሓባቢሩ ዝድነቕ ስራሕ ክሰርሕ ብምውዓል ኣብ መወዳእታ እቲ ጋንትኡ ትምክሓሉ ናይ ምፍንጣስ ክእለቱ ብምርኣይ ንብዙሓት ሓያላት ተቐዳደምቲ ዓለምና ሓሊፉ ዓወት ኣመዝጊቡ።