ሃገራዊ መከላኸሊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ከምዝቐተለ ሓሙስ ላዕለዋይ ሓላፊ ክፍሊ ምውፋር ሓይልታት ምኽልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ኣፍሊጡ።
ካብ እቶም ዝተቐትሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ኣፈኛ ዝነበሩ ሴኮቱረ ጌታቸውን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፋይናንስ ቢሮ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ዳንኤል ኣሰፋን ይርከብዎም ኢሉ።
ክልተ ካልኦት ቀንዲ ኣባላት ህወሓት ዝኾኑ ዋና ኣካያዲ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዘርኣይ ኣስገዶምን ሓላፊ ድምጺ ወያኒ ዝነበሩ ኣበበ ገብረመድህንን ኣብ'ቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ተቐቲሎም ክብል ወሲኹ።
ኣብ'ቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ እቲ ጀነራል ሰራዊቱን ኣሃዱታት ጸጥታ ፈደራልን ብዘካየድዎ ዝተወሃሃደ ስርሒት ካልኦት ትሽዓተ መራሕቲ ህወሓት'ውን ተታሒዞም ኣለው ኢሉ።
ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው እቶም ተቐቲሎም ዝበሎም መራሕቲ ህወሓት መዓስን ኣበይን ከምዝተቐትሉ ዝርዝር ኣይሃበን።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝርከቡ ትሽዓተ ካልኦት ኣባላት ግን እዚኦም ዝስዕቡ'ዮም ኢሉ፡ -
ናይ ቀደም ዋና ኣካያዲ ማሕበር ረዲኤት ትግራይ (ማረት) ተኽለወይኒ ኣሰፋ፡ ናይ ቀደም ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማታት ዶክተር ሰሎሞን ኪዳነ፡ ናይ ቀደም ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ገብረመድህን ተወልደ፡ ናይ ቀደም ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ወልደጊዮርጊስ ደስታ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኣባዲ ዘሞ፡ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝነበራ ቅዱሳን ነጋ፡ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ናይ መለስ ሊደርሺፕ ኣካዳሚ ቴድሮስ ሓጎስ፡ ናይ ሕጊ ኣማኻሪት ኣብ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝነበራ ምሕረት ተኽላይን ናይ ቀደም ሓላፊ ንብረትን ከይዲ ስራሕ ዕድግን ብርሃነ ኣደም መሓመድን እዮም ክብል እቲ መገለጺ ኣስፊሩ።