መንግስቲ ኣውስትራልያ እቲ ኣካታዒ ዝኾነ ን(ምዝርጋሕ) ዘጋጊ ሓበሬታ ዝምልከት እማመ ሕጊ፡ ንናይ ምዝራብ ነጻነት ክትንክፎ ወይ ክጸልዎ ይኽእል'ዩ ብምባል ስሒብዎ'ሎ።
እዚ እማመ ሕጊ (The Communications Legislation Amendment (Combating Misinformation and Disinformation) Bill 2024) ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ድምጺ ረኺቡ ሓሊፉ፡ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) (60ብ5 ድምጺ) ተቓውሞ ምስ ኣጋጠሞ ግን ብሚኒስተር መራኸቢታት ሚሸል ሮውላንድስ ተሰሪዙ ወይ ተገዲፉ።
ሰነተራት (ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ) እዚ እማመ ንናይ ምዝራብ ነጻነት ከመይ ኢሉ ብኣሉታ ይጸልዎ ወይ ይትንክፎ ይዛረቡ።
“ብመሰረት'ቶም ዝተዋህቡ ህዝባውያን መግለጺታትን ዝተኻየዱ ጽምዶታት ምስ ሰነተራትን፡ እዚ እማመ ብሰነት (ላዕለዋይ ባይቶ) ኣቢሉ ናብ ሕጊ ክጸድቀሉ ዝኽእል መንገዲ ከምዘየለ ንጹር ኮይኑ'ሎ፡" ክትብል ሚኒስተር ሮውላንድ ገሊጻ።
LISTEN TO
ናይ ምዝራብ ነጻነትና ኣብ ስግኣት ከይኣተወ ንምዝርጋሕ ዘጋጊ ሓበሬታ (misinformation) ክንቃለሶ ንኽእል ዲና፧
SBS English
09/09/202406:20
እዚ መንግስቲ ኣብ'ቲ ፈለማ ብዛዕባ ነጻ ዝርጋሐ ሓበሬታ ናይ ደሞክራሲያዊት ኣውስትራሊያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዲጂታዊ መድረኻት፡ ንኣውስትራልያውያን ጎዳእቲ ዝኾኑ ዘጋግዩ ወይ ሓሶት ዝኾኑ ሓበሬታታት ብቐሊሉ ከስፋሕፍሑ የኽእሎም'ዩ ብምባል ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊጹ ኔሩ።
እቲ እማመ፡ መድረኻት ዲጂታውያን መራኸቢታት፡ ንተኽእሎ ሓደጋታት ዘጋጊ ሓበሬታን ኮነ ኢልካ ምዝርግሑን ግብረመልሲ ክህቡን ከመሓድርዎን ተባሂሉ 'ከም ዝሕይሉ ብምግባር'፡ ነዚ ክቃለስ ወይ ክምክት ይዕልም።
ንምስሓብ'ቲ ክጸድቕ ተቐሪቡ ዝነበረ እማመ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሚኒስተር ሮውላንድ፡ "ዝኾነ ንጽል ስጉምቲ ፍጹም ፍታሕ ኣይኮነን" ንዝብል ኣበሃህላ ትቕበሎ።
“ዲጂታዊ መድረኻት ዝያዳ መሐለውታታት ንኣውስትራልያውያን ከምዝህቡ ንምርግጋጽ ዝህልዉ መከላኸሊታት ምምሕያሾም ክንቅጽሎ ይግባኣና።" ኢላ።
'ዝሓሸ ሚዛን'
ብመሰረት ዋዕላ ቁጠባ ዓለም World Economic Forum (WEF) ኣብ'ዚ እዋን ግጉይ ሓበሬታን ኮነ ኢልካ ምዝርግሑን እቶም ዝዓበዩ ግሎባዊ ተኽእሎታት ሓደጋ'ዮም።
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ነዞም ተኽእሎ ሓደጋታት ንምምካት መቆጻጸሪ ሕግታት የተግብሩ'ለዉ።
እንተኾነ ግን፡ WEF፡ ቅልጣፈን ብቕዓትን ናይ'ዞም መቆጻጸሪ ሕግታት ንናህሪ ናይ'ቲ ምዕባለ ክዳረግዎ ዘይሕሰብ'ዩ ክብል ኣቐሚጡ።
ምስ SBS Examines ኣብ ዘካየደቶ ዕላል፡ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሎረይን ፊንለይ፡ እቲ መቆጻጸሪ ሕጊ ልክዕ ዝኾነ ሚዛን ክሕዝ ወይ ሚዛን ክሕሉ ኣለዎ ኢላ።
“ኣብ መንጎ ናይ ምዝራብ ነጻነትን ድሕነት መርበብ (ኦንላይን ሴፍቲ)ን ዝሓሸ ሚዛን ክንረክብ ይግባኣና፡ ምኽንያቱ ቦታታት መርበብ/ኢንተርነት (ኦንላይን ስፐይስስ) ድሕነት ዘለዎም ቦታታት ከምዝኾኑ ከነረጋግጽ ኣለና፡ ከምኡ ምግባር ከኣ ዘይተደልየ ንናይ ምዝራብ ነጻነት ዝድርት ክኸውን ኣይግባእን።" ክትብል ገሊጻ።
“ሓደ ካብ'ቶም ወሰንቲ ነገራት ክንፍጽሞም ዘለና ድንፋዐን ብርታዐን ዲሞክራሲ ምሕላው'ዩ፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት፡ ዝተፈላለዩ መንጽራትን ኣረኣእያታትን ሃልዮምና ብሓቀኛ ሲቪልን ሃናጺን ኣገባብ ነንሓድሕድና ክንጻመድ ንኽእለሉ ማለት'ዩ።
“ኣብ ኣውስትራልያ ነዚ ሚዛን'ዩ ክንረኽቦ ዘለና፡ ኣብ መንጎ ድሕነት ዘለዎም ቦታታት መርበብ (ኦንላይን ስፐይስስ) ምፍጣርን ናይ ምዝራብ ነጻነት ምሕላውን።”
መንግስቲ (ምዝርጋሕ) ዘጋጊ ሓበሬታ ክምክተሉ ዝኽእል ካልእ ኣገባብ እንታይ'ዩ፧
ኢካ ትራይስበርግ፡ ተመራማሪት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ መልበርን፡ ማእከል መጽናዕቲ ከተማታት መልበርን (Melbourne Centre for Cities)፡ ንጸገም ዘጋጊ ሓበሬታ ኣብ ከባቢና ንምምካት ሓደ መምርሒ ዝኸውን ጽሑፍ ኣማዕቢላ።
“እዚ ጸገም ብደረጃ ከባቢያዊ ምምሕዳራት'ውን ይረአ'ሎ፡" ክትብል ንSBS Examines ገሊጻ።
“ብደረጃ ከባቢ ዘለዉ ምምሕዳራት እቶም ኣዝዮም ዝእመኑን ብዝበዝሐ ንራኸቦምን'ዮም. . . ተዓጻጸፍቲ፡ ምስ ከባቢ ዝተዋሃሃዱ፡ ኣብ ሓድሕድ ምትሕብባር ንፉዓትን በብግዚኡ ንኣዝዮም ዝተሓላለኹ ማሕበረሰባዊ ፍታሕ ዘድልዮም ነገራት ሓላፍነት ዝወስዱ ይኾኑ'ለዉ፡" ትብል ሚስ ትራይስበርግ።
እቲ መምርሒ ጽሑፍ፡ በዓል ሰለስተ-መድረኽ ውጥን የቕርብ፡ ቀዲምካ ምእማትን ኣቐዲምካ/ብኣግኡ ምፍላጥን (pre-emption and early detection)፡ ከይላባዕ ምክልኻልን ኣቐዲምካ ምፍድሑን (ሓሶት ምዃኑ መጠንቀቕታ ምሃብ)(prevention and pre-bunking)፡ ከምኡ'ውን ምፍዳሕ/ምፍሻሉን ምትኽኻል/ምዕራዩን (debunking and recovery)።
ትራይስበርግን ተመራመርቲ ደቂ ጋንትኣን፡ ጸግዒ ዘይሓዘ ኣገባብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ደምዲሞም፡ ምኽንያቱ ኮነ ኢልካ ዝዝርጋሕ ሓሶት/ዘጋጊ ሓበሬታ ብምክፍፋል ሰባት ስለዝስስን።
LISTEN TO
What is misinformation and disinformation?
SBS Audio
16/09/202404:35
ፖለቲካ ምስ ዝኣትዎ ኸ እንታይ ይኸውን፧
ኣብ'ቲ ምስ'ቲ እማመ ተተሓሒዙ ዘሎ መተሓሳሰቢ፡ ኣብ ትሕቲ ንኡስ ኣርእስቲ ጽልዋታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ክፋል 'Human rights implications'፡ 'እዚ እማመ-ሕጊ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ብሕታውነት መሰልን ናይ ምዝራብ ነጻነትን ክድርት ይኽእል'ዩ' ዝብል መጠንቀቕታ ኣለዎ።
ወሃብቲ ኣገልግሎት ዲጂታዊ መድረኽ መራኸቢታት ክወስድዎም ዝኽእሉ ስጉምቲታት፡ ከምኡ ክገብሩ ብሕጊ እንተተገዲዶም ማለት'ዩ፡ ንዝወጹ ትሕዝቶታት ምቁጽጻር ኣብ ዝምልከት ኣዝዮም/ኣመና ጥንቁቓት ክኾኑ "overly cautious" ኣለዎም፡ ክብል እቲ እማመ ሰነድ የቐምጥ።
“እዚ ንናይ ምዝራብ ነጻነት ዝጸቅጥ ወይ ሰኸም ዝኸውን ቀዛሒ ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል'ዩ፡" ይብል እቲ ጽሑፍ።
ካልኦት ንቕድሚት ዘሰጉሙ መንገድታት ከ ኣለዉ ድዮም፧
ንምቁጽጻር ሓሶትን ዘጋጊን ሓበሬታን ኮነ ኢልካ ምዝርግሑን ኣብ ዝምልከት፡ ገሊኦም እቲ ሓላፍነት ናብ መንግስታት ክወድቕ የብሉን ይብሉ።
ተንታንን ተጣባቒ ናይ ምዝራብ ነጻነትን ጆሽ ዘፕስ፡ እቲ ሰኸም ናይ'ቲ ሓላፍነት ኣብ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ወይ ቴክ ካምፓኒስ'ዩ ክኸውን ዘለዎ ክብል ንSBS Examines ሓቢሩ።
ንሱ እዞም ትካላት ዝያዳ ግሉጽነት ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም ይብል።
“ብዛዕባ ምቁጽጻር ግሉጽነትን ኩባንያታት መድረኻት ሓፋሽ እንታይ ይገብራ ኣለዋ ዝብል መጽናዕቲ ክንርእዮ ብዛዕባ ዝድለየሉን፡ ብዛዕባ እቶም ኣልጎሪዝማት ናብ እንታይ ዓይነት ትሕዝቶ ክንከፍት ይደፍኡና ኣለዉን፡ እዚታት ከኣ ኣብ ጽሬትን ዓይነትን ኣብ'ቲ ኣብ ኦንላይን ዝዘውር ዘረባ እንታይ ጽልዋ ኣለዎን፡ - ንዝምልከቱ ሓላፍነታት ኣነ እንተዝኸውን ኣዝየ ትርር ምበልኩ።" ይብል ሚስተር ዜፕስ።
“ካብ'ቲ ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ናቱ ንዕኡ ብዘገድስ ዝተኸሸነ ሓበሬታ ንዓለም ይምልከትሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ስልጣነ ከመይ ጌርካ ከምዘለዎ ተኣሳሲሩ ከምዝጸንሕ ትገብሮ ዝብል ዝሰፍሐ ባህላዊ ጸገም ንላዕሊ፡ እዚ ምናልባት ፍታሕ ትረኽበሉ ዝቐለለ ጸገም ክኸውን ይኽእል ኢለ ይሓስብ።”
LISTEN TO
Do Australians have freedom of speech?
SBS English
02/09/202403:31