'እዚ ኣብያተ ማእሰርትና እዩ': ኣብ ናይ መልበርን ህዝባዊ ኣባይቲ ዝነብሩ ብዛዕባ ተኣዊጅዎም ዘሎ ምዕጻው የማርሩ።

ኣብቶም ብመንግስቲ ቪክቶሪያ ኣብ ገዛኦም ክዕጸዉ ዝተገብሩ ነበርቲ ናይቶ ክልተ ነዋሕቲ ርሻናት ህዝቢ ፍርሖም ን SBS News ገሊጾም።

Anisa Ali (left) and Hana Ibrahim (right) are among the public housing tenants now facing a drastic five-day total lockdown.

Anisa Ali (left) and Hana Ibrahim (right) are among the public housing tenants now facing a drastic five-day total lockdown. Source: Supplied

ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ተኻረይቲ ህዝባዊ ገዛውቲ (Public housing) ናይ መልበርን ምሉእ ብምሉእ ካብ ገዛኦም ከይወጹ ስለተገብሩ፡ ኣብ ጸቢብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ገዛ ከምተዓጽዉ ኮይኑ ይስምዖም ከምዘሎ ገሊጾም።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ልዕሊ  3000 ተኻረይቲ ናይ ትሽዓተ ህዝባዊ መንበሪ ርሻናት ብፖሊስ ይሕለዉ ኣለዉ።

ኣኒሺያ ዓሊ ነዚ መጠኑ ዝሓለፎን ከቢድ ስጉምቲን ከምዘይተዳለወትሉን፡ ከምዚ ከምዝመጽእ ዉሑድ ምልክታት ጥራይ ከምዝነበረ ትገልጽ።

“ከም ኩሉ ሰብ ብሓንሳብ እዩ ሰሚዐዮ፡ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ወይ ንመዳለዊ ግዜ ኣይተዋህበን" ብምባል እታ ጓል 24-ዓመት ን SBS News ገሊጻ።

ንሳ ኣብ ሓደ ካብቶም 9 ናይ መልበርን ህዝባዊ መንበሪ ንዝቕጽል ሓሙሽተ መዓልታት ክዕጾ ተጌሩ ዘሎ ነባሪት እያ።
Anisa Ali lives in the North Melbourne towers with her mother and younger brother.
انیسه علی همراه با مادر و برادرش در برج‌های ملبورن شمالی زندگی می‌کند Source: Supplied
ንሳ ምስ ኣዲኣን ወዲ 10 ዓመት ሓዋን ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ኖርዘርን መልበርን ህዝባዊ መንበሪ ትነብር ኮይና፡ ብዛዕባ ናታ ጥዕና ኣእምሮን ናይ ጎረባብታን ከምዘተሓሳስባ ገሊጻ።

“ብዙሓት ካባና ትሑት መጠን ቫይታሚን  D ዘለና፡ ሕጂ ድማ ናይ ጸሓይ ብርሃን ከይንረክብን ከይንዛወርን ተኸልኪልና ኣለና፡ እዚ ን ኣእምሮን ኣካላዊ ጥዕናን ኣዚዩ ሕማቕ እዩ፡ ስለዚ ብዛዕባ ኣብዚ ህንጻ ዘሎ ህዝቢ ኣዚዩ የተሓሳስበኒ ኣሎ። ነዚ ብኸመይ ክኽእልዎ እዮም?” ክትብል ገሊጻ።
ኣንሺያ ዓሊ ከምትብሎ፡ ነዚ ኣብ መልበርን ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ነዚ ማሕብረሰብ ከላግብሉ እዮም ደሊዮም ዘለዉ፡ ኣብ ካልእ ሳብ-በርብታት ዘለዉ ነበርቲ ካብ ገዝ ኦም ንኽወጹ ብኸመይ ተፈቒድሎም ኢላ ድማ ትሓትት።

“ብቐጥታ ኣብቲ ነኣሽቱ መንበሪና ኣብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ሴል ኢና ተዓጺና ዘለና። እዚ ሰብኣዊ ኣይኮነን  ፍትሓዊውን ኣይኮነን,” ኢላ።
Nine public housing towers have been placed in total lockdown.
Nine public housing towers have been placed in total lockdown. Source: Supplied
ብተመሳሳሊ  ነባሪት ኣብ ሓደ ካብቶም ክዕጸዉ ተጌሩ ዘሎ ናይ ፍላሚንግቶን ሻወር ዝኾነት ሃናእ ኢብራሂም፡ ብመንግስቲ ዝወሃብ ደገፍን ሓበሬታን ብዘይምህላዉ ስክፍታኣ ትገልጽ።

“ንምንታይ እዮም ኣብዚ ብዙሓት ፖሊስ ዘለዉ፡ ንምንታይ እዮም ዝሕልዉና ዘለዉ?” ብምባል ትሓትት።  

ንሳብ ኣብቲ ኣፓርታማ ምስ ብዕድመ ዓበይቲ ስድራኣን ምስ ወዲ ክልተ ዓመት ዉሉዳን ትነብር። ወዳ ኣብደገ ወጺኡ ክጻወት ብዘይምኽኣሉ የተሓሳስባ።
Hana Ibrahim lives in the Flemington towers with her parents and two year old son.
Hana Ibrahim lives in the Flemington towers with her parents and two year old son. Source: Supplied
“ብቕንዕና ንምዝራብ፡ እቲ ኣገባብ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ እኹል ግዜ ኣይተዋህበናን። እኹል ሓበሬታ ኣይተዋህበናን፡ ክሳብ ሎሚ ናብ ማዕጾና ኳሕኲሑ ኩነታትና ዝሓተት የለን። ተለቭዥን ጥራይ እዩ፡ ገለ ነበርቲውን ተለቪዥን ዘይብሎም ኣለዉ።" ክትብል ኣማሪራ።

ሚስ ዓሊ ከምዝገለጸቶ፡ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ሰንበት ኣትሒዙ ኪኢላታት ወይ ሰብ መዚ መጺኦም ብዛዕባ ዝኸውን ዘሎ ሓበሬታን ደገፍን ኣይሃቡናን።

“እዚ ብፍጹም ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ንሕና ጥራይ ኢና ኣብ ፍጹም ምዕጻው ኣቲና ዘለና፡ ዝተዋህበና ነገር የለን።" ኢላ

ፕሪሜር ነዚ ከቢድ ዉሳኔ ምኽንያት ይህበሉ

ፕሪሜር ዳኒኤል ኣንድሪውስ ብሰንበት በዚ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝተተንከፉ ህዝቢ ኣመስጊኑ፥

"እዚ መቕጻዕቲ ኣይኮነን፡ ምክልኻል እዩ፡ ነዚ ቫይረስ ከነራብሖ ኣይግባኣናን እዩ" ክብል ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።  

"ነዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝከኣል ኩሉ ክንገብር ኢና፡ በዚ ምኽንያት ኢኹም ኣብቲ ዩኒትኩም ክትጸንሑ ተጌሩ፡ እዚ ኣድላዪ እዩ። "

ቪክቶሪያ ብሰንበት 74 ሓድሽቲ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ከምተረኽቡን ብቀዳም ድማ  108 ሓደሽቲ ዝተለኽፉ ከምተረኽቡ ተፈሊጡ።

ሚስተር ኣንድሪውስ ነገራት ቅድሚ ምምሕያሾም እናኸፍኡ እዮም ዝኸዱ ኢሉ።

ኣብ ቪክቶሪያ ዝተራእየ ዘተሓሳስብ ናይ ኮሮና ቫይረስ ለበዳ ካብ መላእ ኣውስትራሊያ  ሰብ መዚ ጥዕና ናይ ህጹጽ ኣኼባ ክገብሩ ቀሲቡ። በቲ ዝተገብረ ኣኼባ መሰረት ድማ ህዝባዊ መንበሪ ዘለዉዎም ትሽዓተ ርሻናት ክዕጸዉ ተጌሩ።
እቶም ተዓጽዮም ዘለዉ ተወሳኺ ደገፍ ክወሃቦም ፕሮሜር ዳኒኤል ኣንድሪውስ ኣዊጁ ኣሎ።

እቶም በዚ ኩነታት ዝተጸልዉ ተኻረይቲ ህዝባዊ ገዛውቲ ናይ ዝመጽእ ክልተ ሰሙን ገዛ ኽራይ ኣይክኸፍሉን እዮም።

ተኻረይቲ ሰራሕተኛታት እንተኾይኖም፡ ነቲ ዘይሰርሕዎ መዓልታት ንምትካእ ናይ $1500 ክፍሊት ዝረኽቡ ኮይኖም፡  እቶም ዘይሰርሑ ድማ ናይ 'ሃርድሺፕ ፐይመንት'   $750 ክኽፈሉ እዮም።


 

  •  ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
    • መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብዶክተርኩምደውሉወይከኣሃገራዊሓበሬታጥዕናኮሮናቫይረስዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
    • ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
    • ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።  ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 
     


     

Share

Published

By Jarni Blakkarly


Share this with family and friends