ቅድሚ ቀብሪ ምፍጻሙ በሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሓዘን ኣቡነ ፍራንሲስ ናብ ቫቲካን ይውሕዙ ኣለዉ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ጳጳስ ፍራንሲስ ቀዳም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፍጸም እዩ: ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ከምኡውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓዘንተኛታት ናብ ከተማ ቫቲካን ይውሕዝ ኣሎ ።

People are sitting in a prayer meeting in a square flanked by tall pillars and buildings in the background.

Mourners attend a rosary prayer for the late Pope Francis at Saint Peter's Square in the Vatican. Source: AP / Bernat Armangue

Key Points
  • Pope Francis' funeral will take place at St Peter's Square in the Vatican on Saturday.
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ቀዳም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፍጸም እዩ: እዚ ድማ መራሕቲ ካብ መላእ ዓለም ዝረኽብዎን ብዙሓት ኣመንቲ ሓዘኖም ዘፍስስዎን ዓብዪ ጽምብል ክኸውን እዩ ።
ኣብቲ ናብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዘምርሐ መዓልትታት ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣምንቲ ካቶሊክ ናብ ሮማ ስለ ዝመጹ ፡ ነቲ ብኮብል እምኒ ዝተሸፈነ ጐደናታት ብምምላእ ፡ኣብ ከባቢ ከተማ ቫቲካን ሽምዓታት ብምብራህ ፡ ናይ መወዳእታ ክብሪ ክህብዎም እዮም ።
ወዲ 88 ዓመት ዝዀኑ ፍራንሲስ ፡ ወቕዒን ሕማም ልብን ምስ ኣጋጠሞም ፡ ሰኑይ ዓሪፎም ፣ ነቲ ብተደጋጋሚ ምስ ልምዳውያን ዚጋጨወሉን ንድኻታትን ዚድግፈሉን ዝነበረ ጻዕሪ ዝመልኦ ህይወት ድማ ተዛዘመ ።
A man and a woman pay respects to late Pope Francis, whose body lies in a simple wooden coffin. Two Swiss Guards are standing on either side of the coffin.
Italian President Sergio Mattarella and his daughter Laura Mattarella pay their respects to the late Pope Francis. Source: AAP / EPA
እቶም ኣቡን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሆስፒታል ንሓሙሽተ ሰሙን ዝጸንሑ ብክልተ ኒሞንያ ይሳቐዩ ጸኒሖም: ቀስ ኢሎም ዝሓዊዩ ይመስሉ ነይሮም ፣ ይኹን እንተኾነ: ብሰሉስ ቫቲካን እቲ ናይ መወዳእታ ህሞት ህይወቶም ሞት ቀልጢፉ ከምዝመጸን: ከምዘይተሳቐዩን ገሊጻ።
ቫቲካን ንሬሳ ፍራንሲስ ፡ ሮዛሪ ሒዙ ፡ ኣብ ቤት ጸሎት ሳንታ ማርታ ኣብ ዝርከብ ክፉት ሳንዱቕ ሬሳ ንህዝቢ ኣርእያ። ኣብቲ ን12 ዓመት ጵጵስናኦም ዝፈጸምሉ እቲ ሬሳ ተነቢሩ ኣሎ ።
ናይ ስዊዘርላንድ ሓለውቲ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ሳንዱቕ ሬሳ ንኽብሪ ደው ኢሎም ነበሩ ፣ ፕረዚደንት ኢጣልያ ሰርጂዮ ማታሬላ ናይ መጀመርታ ነቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ዝተፋነኦም ነይሩ ።

ሬሳ ፍራንሲስ ሎሚ ረቡዕ ካርዲናላት እናመርሕዎ ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ፒተር ባሲሊካ ዘሎ ቦታ ክውሰድ እዩ ። ኣብኡ ከኣ ክሳዕ ዓርቢ ክጸንሕ እዩ ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ድማ ፡ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ፡ ንጽብሒቱ ሰዓት 6 ድ.ቐ. እዩ ዝካየድ ። እቲ ስነ ስርዓት ብወዲ 91 ዓመት ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ እዮም ክመርሕዎ ።

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ምስቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ብተደጋጋሚ ይጋጮዉ እኳ እንተነበሩ ፡ ንሱን ሰበይቱን ኣብቲ ቀብሪ ከም ዝካፈል ገሊጹ ነይሩ እዩ ፣ ካብ ፈረንሳ ፡ ብራዚል ፡ ጀርመን ፡ ፖላንድ ፡ ዩክረይን ፡ ከምኡውን ካብ ዓዱ ፍራንሲስ ዝመጹ መራሕቲ ሃገራት እውን ክሳተፉ እዮም ።



 For the latest from SBS News, and .

Share
Published 23 April 2025 11:36am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends