ጀነራል ፊሊጶስ ኣብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ስለዝተሳተፈ እገዳ ኣንቢርናሉ ኣለና - ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ብምኽንያት ተሳትፎኡ ኣብ ግህሰትን ዓመጽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ እገዳ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ። ዋሺንግተን ኣብ ምንዋሕ እቲ ግጭት ዝሳተፉ ኣካላትን ውልቀሰባትን ዒላማ ምግባር ክትቅጽሎ ምዃና ኣጠንቂቓ።

SBS Tigrinya News

Source: Getty

ክፍሊ ግምጃ (Treasury ) ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደሚካኤል ኣብ'ቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸሙ ከበድቲ ዓመጻት ሰብኣዊ መሰላት ተሳቲፉ ክብል ከሲስዎ።

ናይ'ቲ ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ተቐማጢ ንብረት ኣብ ወጻኢ (Treasury's Office of Foreign Assets Control) ንጀነራል ፊሊጶስ ኣብ ዝርዝር ሓደገኛታት ወይ ምክትታል ክግበረሎም ዘለዎም ሰባት ዝሕዝ ጸሊም መዝገብ ኣትዩ'ሎ ክብል ኣብ'ቲ ሶኑይ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ንሓልታት ምክልኻል ኤርትራ ብጃምላዊ ቅትለት፡ ምዝራፍ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግፍዕታትን፡ ምቕንጻላትን ደይ መደይ ኢልካ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ጎደናታት ብምቕታልን ከሲስዎ።

ዳይረክተር እቲ ቤት ጽሕፈት ኣንድሪያ ጋኪ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ናይ ሶኑይ ስጉምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ'ቶም ነዞም ኣጸየፍቲ ተግባራት ዝፈጸሙ ሰባትን ናብ'ቲ ዘይተኣደነ ስቓይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዘኸተለ ግጭት ዘጋደዱን ዋጋ ከኽፍሎም ዝኣተዎ ቃል ዘመልክት'ዩ ኢላ።

ንሳ ብተወሳኺ ኤርትራ ብቕጽበትን ንሓዋሩን ሓይልታታ ካብ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ብምጽዋዕ ኩሎም ወገናት ኣብ'ቲ ግጭት ተዂሲ ደው ናይ ምባል ዘተታት ክጅምሩን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብሉን ጸዊዓ።

ዩናይትድ ስቴትስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ምውጽኦም ሓያሎ ካብኦም ደጊሞም ኣትዮም ዝብል ስግኣት ኣለዋ። 

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሃገሩ ነቶም ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሙን ነቲ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ምንውሖም ዝሳተፉን ብቐጻሊ ከተለልየሞን ኣንጻሮም ስጉምቲ ክትወስድን ምዃና ደጊሙ ኣጠንቂቑ። 

እቲ መገልጺ ብተወሳኺ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መላእ ማሕበረሰብ ዓለምን ነዚ ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ዕግርግርን ሰላማዊ ፍታሕ ክግበረሉ ድፍኢት ንምግባር ክሓብር ይጽውዕ። 


Share
Published 24 August 2021 6:05am

Share this with family and friends