ኣብ ብስደት ዝመጹ ብዛዕባ ክታበት ዝርአ ምጥርጣር ካብ ወጻኢ ብዝመጽእ ዘሎ ቤላ ቤሎ ምዃኑ ናይ ቪክቶሪያ ተጠባባቒ ሓላፊ ጥዕና ገሊጹ።

ናይ ቪክቶርያ ተጠባባቒ ሓላፊ ጥዕና ዶክተር በን ካዊ እቲ ብሰሜንን ምዕራብን መልበርን ዝርከብ - ብዙሓት ስደተኛታት ዝነብሩሉ ቦታ - ንኽፍሊ ጥዕና እታ ሃገር ዘሻቕል ኮይኑ ከም ዘሎን መንግስቲ ድማ ብግዲኡ ብዛዕባ ናይ ክታበት ምፍዋስን ግጉይ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝህብዎ ሓበሬታን ዘለዎም ሻቕሎት ብምግላጽ ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ ።

Acting Chief Health Officer Professor Ben Cowie speaks to the media during a press conference in Melbourne, Friday, August 20, 2021.

Acting Chief Health Officer Professor Ben Cowie speaks to the media during a press conference in Melbourne, Friday, August 20, 2021. Source: AAP

ደልታ ዝበሃል ዓይነት ኮሮና ተራእዩ ብዘይፈልጥ ፍጥነት ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ፡ ኣብ ሰሜናዊን ምዕራባውን ከባቢታት መልበርን ዘለዉ ኣብ ዕጽዋ ይነብሩ ኣለዉ ።

እቶም ብባህሊ ኰነ ብቋንቋ እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ብዙሓት ህዝቢ ዝነብሩላ ዝነበሩሉ ከባቢታት፡ ልክእ ከምቲ ንክፍሊ ጥዕና ቪክቶርያ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ዘሎ ፡ እዚ ቦታታት እዚ እውን ካብቲ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ ከባቢታት ለበዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ብዙሓት ካብ ቱርኪን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብዚ ክፋላት ናይ ቪክቶሪያ ርእሰ ከተማ ይነብሩ ።


ቀንዲ ዛዕባታት: 

  • ሰሜናውን ምዕራብን መልበርን ዝርከቡ ወረዳታት ዝበዝሑ ብስደት ዝመጹ ህዝቢ ዝነብርሎም ከባቢታት ኮይኖም ብለበዳ ደልታ ኣዚዮም ተጠቒዖም ኣለዉ።
  • መራሕቲ ማሕበረሰብ ናይ ቪክቶርያ ክፍሊ ጥዕና ግብረ መልሲ ከሐይል ይጽውዑ።
  • 'መንግስቲ እቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ማሕበረሰብ ቱርኪ፡ ዓረብ፡ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ይሰርሕ ኣሎ።" : Dr Ben Cowie

ናይ ቪክቶርያ ኣክቲቭ ሓላፊ ጥዕና በን ካዊ ን SBS ቱርክሽ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት መንግስቲ ኣብ ምዕራብን ሰሜንን መልበርን ኣብ ዝርከብ መኽተቢ ነቑጣታት ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ከም ዘውፈረን ካብኡ ንላዕሊ ክገብር ምዃኑን ሓቢሩ ።
COVID-19 test queue at the Broadmeadows Leisure Centre
COVID-19 test queue at the Broadmeadows Leisure Centre Source: SBS
ኣብ መልበርን ሻድሻይ ክፋል ዕጽዋ ኰይኑ ዘሎ ኣገዳሲ ጕዳይ ፡ ማሕበረሰብ ኣንጻር ኮቪድ-19 ኣብ ዝግበር ቃልሲ ምስታፍ እዩ ።

መራሕቲ ማሕበረሰብን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ዘርጊሖም ፡ መንግስቲን ፌደራልን ንተቐማጦ እቲ ከባቢ ተወሳኺ ክታበት ክወሃቦም ሓቲቶም ።

መንግስቲ ቪክቶሪያ ምስ ማሕበረሰብ ሕብረ ብዙሕ ባህሊ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ዘተኮረ ከምዝኾነ ብምጉላሕ እቲ መንግስቲ ብፍላይ ምስ ማሕበረሰብ ዓረብ ፣ ቱርኪ ፣ ሱማሊያን ደቡብ ሱዳናዊያንን ብምዃን ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ግቡእ ሓበሬታ ናብቲ ዝድለ ቦታ ከምዝኸይድ የረጋግፅ ኣሎ።
COVID-19 testing car queue at Roxburgh Park, Melbourne
COVID-19 testing car queue at Roxburgh Park, Melbourne Source: SBS
"መንግስቲ ቪክቶሪያ ፡ ግጉይ ሓበሬታን ናይ ክታበት ምጥርጣርን ንምግታእ ፡ 190 ኮማዊ ጽምዶታት ምስ ማሕበረ-ኮማትን ጕጅለታት እምነትን ርክባት ኣሎ" ይብል ዶ/ር ካዊ ን SBS ተርኪሽ

ብዛዕባ ገለ ካብዚ ግጉይ ሓበሬታ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽእ ኮይኑ ኣብ ማሕበረሰብ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣልዒሉ።

ዶክተር ካዊ ኣስዕብ ኣቢሉ ፡ "ኣብ ምሉእ ዓመት ፡ ዝርአ ዘሎ ናይ ክታበት ምጥርጣራት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ ።

ገሊኦም መራሕቲ ማሕበረሰብ ዓለም ፡ ብዛዕባ ግጉይ ሓበሬታ ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽእ ግጉይ ሓበሬታ ፡ ዝያዳ ሰጋእ መጋእ ከም ዝብል ዘግብር ከም ዘተሓሳስቦም ይሕብሩ እዮም።

እንተዀነ ግን ፡ ንሱ ብቕልጡፍ ነቲ ናይ ክታበት ምጥርጣር ተኽእሎኡ ምስ ስደተኛታት ማሕበረሰባት ከም ዘይኮነ እዩ ዝገልጽ ።

"ብኣንጻሩ ግና ፡ ኵሉ ናይ ክታበት ቈጸራ ንኽግበር ምስ ገበርና ቀልጢፉ ሰብ ክምዝገብ ንርእዮ ኢና ። ንኽታበት ብዙሕ ጠለብን ውዕዉዕ ስምዒትን ይረኣየኒ ኣሎ ። ነዚ ድማ ብ ዶዝ ክንረኽቦ ኣሎና "በለ ።

ብተወሳኺ ዶር ካዊ ኣብ ሃይማኖታውን ማሕበረሰባዊን ማእከላት ከም ኣብ መልበርን ፡ ኣል ታቅዋ ኮሌጅ ኣብ ምዕራብ ፡ ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያንን ናይ ሂንዱ ቤተ-መቕደስን ዝርከብ እስላማዊ ማእከል ናይ ክታበት ቦታታት ከምዝቖመ ይጠቅስ ።

ብተወሳኺ ብዛዕባ ዝርጋሐ ክታበት ብዝምልከት እቲ ዝያዳ ተጸልዩ ዘሎ ክፋላት ናይ ቪክቶሪያ ቀዳምነት ናይ ክታበት ይወሃቦ ከምዘሎ ይጠቅስ።

ኣብ ሰሜንን ምዕራብን መልበርን ዝርከብ ሓያሎ ዞባዊ ምምሕዳር ንሰብ መዚ ጥዕና ቪክቶርያ ኣዝዩ ከም ዘገድሶም እውን ዶክተር ካዊ ኣጕልሐ ።

ኣብ ሰሜንን ምዕራብን መልበርን ካብ ዝርከብ ምምሕዳር ከባቢ ወይ ንኡስ ዞባ ፡ ኣብ "ዚ እዋን" ዚ ካብ መልበርን ኣዝዩ ዝዛየደ ብዝሒ መልከፍቲ ኮቪድ ከም ዘለዎ ብርግጽ ንፈልጥ ኢና ።

"ንኣብነት ፡ ከተማ ሁም ፡ ከተማ ሞሬላንድ ፡ ከተማ ዊንድሃም ። ትማሊ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ሰሜንን ምዕራብን ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ናይ መንግስቲ ቦታታት እዮም ነይሮም "ብምባል እውን ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ ።

ዘይከም ናይ ሲድኒ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ፡ መጠን ክታበት ኣብ መልበርን ኣብ ዝርከብ ሆትስፖት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ይርከብ ።

ዶክተር ካዊ ፡ ከምዝገልጾ እቲ መጠን ክታበት ፡ ኣብቲ ሕጂ ኣብ መልበርን ዝርከብ ብዝሒ መልከፍቲ ዘለዎ ቦታታት ክውስኽ ከም ዘለዎ ገለጸ ።

ዶ/ር ካዊ ኣስዕብ ኣቢሉ ፡ "እዚ ምስ ዶክተራት ስድራ. ምስራሕ ዘጠቓልል ኰይኑ ፡ ምስ ናይ ሓባር መሳርሕትና ኴንና ፡ ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ንዚነብሩ ማሕበረሰባት ክታበት ንምሃብ ዝያዳ ጂፒ ከም ዝስርሑ ምግባር የጠቓልል ።"


[unvaccinated patients in hospital]

ኣድማዕነት ናይ 'ቶም ክታበታት ንምጕላሕ ፡ ዶ/ር ካዊ ፡ ፡ ካብቶም ኣብዚ እዋን' ዚ ኣብ ቪክቶርያ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘለዉ 113 ሰባት ዋላ ሓደ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትበ ሰብ ከምዘየለ ይገልጽ ።

ኣነ ኣይወቕሶምን እየ ፣

[ኣብ ሆስፒታል ዘይከተቡ ሕሙማት]

"ሓቂ ንምዝራብ ግን ማሕበረሰብና ንገለ ካብቶም ዝያዳ ተኣፈፍቲ ዝዀኑ ክፋል ሕብረተሰብና በዚ መገዲ እዚ እዩ ዝከላኸለሎም ። እዚ ማለት ድማ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ክታበት ምርካብ ማለት እዩ ። እዚ ድማ ንስርዓተ ጥዕናና ክንሕልዎ ፡ ነቲ ኵላትና እንደልዮ ናጽነትን ኽንምለሶ እንደልዮን ድማ ክሕግዘና እዩ "ኢሉ።

እዚ ክታበት እዚ ምርካብ ንገለ ሰባት ዘተሓሳስብ ክኸውን ይኽእል ንገሊኦም ድማ እቲ ምጥርጣር ዘተሓሳስብ እዩ። ብዛዕባ ዘለዎም ጥርጣረ ሰባት ንሓኪሞም ( ጂ.ፒ.) ንኺዛረቡ የተባብዖም።

ብተወሳኺ ፡ ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጉልሐ ዶር ካዊ ፣ ነዚ ሕጂ ፍሉጥ ኰይኑ ዘሎ ህዝባዊ ጥዕና ከም ማስክ ምኽዳን ፡ ጽሬት ኣእዳው ምኽታልን ካብ ገዛ ምውጻእ ኣድላዪ እንተ ኰይኑ ድማ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ምግባርን ኣገዳሲ እዩ።


Share
Published 13 September 2021 10:09am
By Ismail Kayhan


Share this with family and friends