ደልታ ዝበሃል ዓይነት ኮሮና ተራእዩ ብዘይፈልጥ ፍጥነት ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ፡ ኣብ ሰሜናዊን ምዕራባውን ከባቢታት መልበርን ዘለዉ ኣብ ዕጽዋ ይነብሩ ኣለዉ ።
እቶም ብባህሊ ኰነ ብቋንቋ እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ብዙሓት ህዝቢ ዝነብሩላ ዝነበሩሉ ከባቢታት፡ ልክእ ከምቲ ንክፍሊ ጥዕና ቪክቶርያ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ዘሎ ፡ እዚ ቦታታት እዚ እውን ካብቲ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ ከባቢታት ለበዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ብዙሓት ካብ ቱርኪን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብዚ ክፋላት ናይ ቪክቶሪያ ርእሰ ከተማ ይነብሩ ።
ቀንዲ ዛዕባታት:
- ሰሜናውን ምዕራብን መልበርን ዝርከቡ ወረዳታት ዝበዝሑ ብስደት ዝመጹ ህዝቢ ዝነብርሎም ከባቢታት ኮይኖም ብለበዳ ደልታ ኣዚዮም ተጠቒዖም ኣለዉ።
- መራሕቲ ማሕበረሰብ ናይ ቪክቶርያ ክፍሊ ጥዕና ግብረ መልሲ ከሐይል ይጽውዑ።
- 'መንግስቲ እቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ማሕበረሰብ ቱርኪ፡ ዓረብ፡ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ይሰርሕ ኣሎ።" : Dr Ben Cowie
ናይ ቪክቶርያ ኣክቲቭ ሓላፊ ጥዕና በን ካዊ ን SBS ቱርክሽ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት መንግስቲ ኣብ ምዕራብን ሰሜንን መልበርን ኣብ ዝርከብ መኽተቢ ነቑጣታት ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ከም ዘውፈረን ካብኡ ንላዕሊ ክገብር ምዃኑን ሓቢሩ ።
ኣብ መልበርን ሻድሻይ ክፋል ዕጽዋ ኰይኑ ዘሎ ኣገዳሲ ጕዳይ ፡ ማሕበረሰብ ኣንጻር ኮቪድ-19 ኣብ ዝግበር ቃልሲ ምስታፍ እዩ ።

COVID-19 test queue at the Broadmeadows Leisure Centre Source: SBS
መራሕቲ ማሕበረሰብን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ዘርጊሖም ፡ መንግስቲን ፌደራልን ንተቐማጦ እቲ ከባቢ ተወሳኺ ክታበት ክወሃቦም ሓቲቶም ።
መንግስቲ ቪክቶሪያ ምስ ማሕበረሰብ ሕብረ ብዙሕ ባህሊ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ዘተኮረ ከምዝኾነ ብምጉላሕ እቲ መንግስቲ ብፍላይ ምስ ማሕበረሰብ ዓረብ ፣ ቱርኪ ፣ ሱማሊያን ደቡብ ሱዳናዊያንን ብምዃን ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ግቡእ ሓበሬታ ናብቲ ዝድለ ቦታ ከምዝኸይድ የረጋግፅ ኣሎ።

COVID-19 testing car queue at Roxburgh Park, Melbourne Source: SBS
ብዛዕባ ገለ ካብዚ ግጉይ ሓበሬታ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽእ ኮይኑ ኣብ ማሕበረሰብ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣልዒሉ።
ዶክተር ካዊ ኣስዕብ ኣቢሉ ፡ "ኣብ ምሉእ ዓመት ፡ ዝርአ ዘሎ ናይ ክታበት ምጥርጣራት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ ።
ገሊኦም መራሕቲ ማሕበረሰብ ዓለም ፡ ብዛዕባ ግጉይ ሓበሬታ ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽእ ግጉይ ሓበሬታ ፡ ዝያዳ ሰጋእ መጋእ ከም ዝብል ዘግብር ከም ዘተሓሳስቦም ይሕብሩ እዮም።
እንተዀነ ግን ፡ ንሱ ብቕልጡፍ ነቲ ናይ ክታበት ምጥርጣር ተኽእሎኡ ምስ ስደተኛታት ማሕበረሰባት ከም ዘይኮነ እዩ ዝገልጽ ።
"ብኣንጻሩ ግና ፡ ኵሉ ናይ ክታበት ቈጸራ ንኽግበር ምስ ገበርና ቀልጢፉ ሰብ ክምዝገብ ንርእዮ ኢና ። ንኽታበት ብዙሕ ጠለብን ውዕዉዕ ስምዒትን ይረኣየኒ ኣሎ ። ነዚ ድማ ብ ዶዝ ክንረኽቦ ኣሎና "በለ ።
ብተወሳኺ ዶር ካዊ ኣብ ሃይማኖታውን ማሕበረሰባዊን ማእከላት ከም ኣብ መልበርን ፡ ኣል ታቅዋ ኮሌጅ ኣብ ምዕራብ ፡ ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያንን ናይ ሂንዱ ቤተ-መቕደስን ዝርከብ እስላማዊ ማእከል ናይ ክታበት ቦታታት ከምዝቖመ ይጠቅስ ።
ብተወሳኺ ብዛዕባ ዝርጋሐ ክታበት ብዝምልከት እቲ ዝያዳ ተጸልዩ ዘሎ ክፋላት ናይ ቪክቶሪያ ቀዳምነት ናይ ክታበት ይወሃቦ ከምዘሎ ይጠቅስ።
ኣብ ሰሜንን ምዕራብን መልበርን ዝርከብ ሓያሎ ዞባዊ ምምሕዳር ንሰብ መዚ ጥዕና ቪክቶርያ ኣዝዩ ከም ዘገድሶም እውን ዶክተር ካዊ ኣጕልሐ ።
ኣብ ሰሜንን ምዕራብን መልበርን ካብ ዝርከብ ምምሕዳር ከባቢ ወይ ንኡስ ዞባ ፡ ኣብ "ዚ እዋን" ዚ ካብ መልበርን ኣዝዩ ዝዛየደ ብዝሒ መልከፍቲ ኮቪድ ከም ዘለዎ ብርግጽ ንፈልጥ ኢና ።
"ንኣብነት ፡ ከተማ ሁም ፡ ከተማ ሞሬላንድ ፡ ከተማ ዊንድሃም ። ትማሊ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ሰሜንን ምዕራብን ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ናይ መንግስቲ ቦታታት እዮም ነይሮም "ብምባል እውን ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ ።
ዘይከም ናይ ሲድኒ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ፡ መጠን ክታበት ኣብ መልበርን ኣብ ዝርከብ ሆትስፖት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ይርከብ ።
ዶክተር ካዊ ፡ ከምዝገልጾ እቲ መጠን ክታበት ፡ ኣብቲ ሕጂ ኣብ መልበርን ዝርከብ ብዝሒ መልከፍቲ ዘለዎ ቦታታት ክውስኽ ከም ዘለዎ ገለጸ ።
ዶ/ር ካዊ ኣስዕብ ኣቢሉ ፡ "እዚ ምስ ዶክተራት ስድራ. ምስራሕ ዘጠቓልል ኰይኑ ፡ ምስ ናይ ሓባር መሳርሕትና ኴንና ፡ ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ንዚነብሩ ማሕበረሰባት ክታበት ንምሃብ ዝያዳ ጂፒ ከም ዝስርሑ ምግባር የጠቓልል ።"
[unvaccinated patients in hospital]
ኣድማዕነት ናይ 'ቶም ክታበታት ንምጕላሕ ፡ ዶ/ር ካዊ ፡ ፡ ካብቶም ኣብዚ እዋን' ዚ ኣብ ቪክቶርያ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘለዉ 113 ሰባት ዋላ ሓደ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትበ ሰብ ከምዘየለ ይገልጽ ።
ኣነ ኣይወቕሶምን እየ ፣
[ኣብ ሆስፒታል ዘይከተቡ ሕሙማት]
"ሓቂ ንምዝራብ ግን ማሕበረሰብና ንገለ ካብቶም ዝያዳ ተኣፈፍቲ ዝዀኑ ክፋል ሕብረተሰብና በዚ መገዲ እዚ እዩ ዝከላኸለሎም ። እዚ ማለት ድማ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ክታበት ምርካብ ማለት እዩ ። እዚ ድማ ንስርዓተ ጥዕናና ክንሕልዎ ፡ ነቲ ኵላትና እንደልዮ ናጽነትን ኽንምለሶ እንደልዮን ድማ ክሕግዘና እዩ "ኢሉ።
እዚ ክታበት እዚ ምርካብ ንገለ ሰባት ዘተሓሳስብ ክኸውን ይኽእል ንገሊኦም ድማ እቲ ምጥርጣር ዘተሓሳስብ እዩ። ብዛዕባ ዘለዎም ጥርጣረ ሰባት ንሓኪሞም ( ጂ.ፒ.) ንኺዛረቡ የተባብዖም።
ብተወሳኺ ፡ ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጉልሐ ዶር ካዊ ፣ ነዚ ሕጂ ፍሉጥ ኰይኑ ዘሎ ህዝባዊ ጥዕና ከም ማስክ ምኽዳን ፡ ጽሬት ኣእዳው ምኽታልን ካብ ገዛ ምውጻእ ኣድላዪ እንተ ኰይኑ ድማ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ምግባርን ኣገዳሲ እዩ።