ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ 1964 ዓም ናብ ሜዳ ብምውጻእ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተጸንቢሩ።
ኣብ 1970 ከኣ ሓደ ካብ መስረትቲ ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝኾነ ህዝባዊ ሓይልታት ኔሩ። ሓላፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ውድብ ኮይኑ ኸኣ ንነዊሕ ተቓሊሱ።
ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ግንባርን መንግስትን ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪኡን ብምግልጋል ንነጻነት ኤርትራ ተቓሊሱን ኣብ'ቲ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኸኣ ብመሪሕ ኣገልጊሉን።
ንሓጺር እዋን'ውን ሚኒስተር ዜናን ባህልን ኮይኑ ኣገልጊሉ ኔሩ። እንተኾነ ግን ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ግንባር ክኸውን ሓንሳብ ምስ ተመርጸ ክሳብ ሕጂ ኣብ'ቲ ጽፍሒ ከገልግል ጸኒሑ።
ንሱ ብዝተፈላለየ ጸገማት ጥዕና ክሳቐ ከም ዝጸንሐ ብዙሓት ምንጭታት ዝሕብሩ ኮይኖም ኣብ ገሊኡ እዋናት ንነዊሕ እዋን ካብ ህዝባዊ መድረኻት ርሒቑ ከምዝነበረ ይሕበር።
ተጋዳላይ ኣልኣሚን ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ከተማ ኣስመራ ምምራሹ ኣብ ዝቕጽለሉ ዝነበረን ደርጊ ምስዓሩ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ዝተረጋገጸሉን ነቲ ውድብ ወኪሉ ኣብ ዝርርባት ሰላም ኣንጻር ስርዓት ደርግ ኣብ ናይሮቢ፡ ለንደንን ኣትላንታን ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር መሪሑ ዝተሳተፈ'ዩ።
ብፍላይ ዋና ጸሓፊ ህግን ድሒሩ ኸኣ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ዘገልገለሉ ሓደ ካብ'ቶም እሙናት ኣገልገልቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ይምስከረሉ።
ንሱ ብተወሳኺ ንታሪኽ ኤርትራን ቃልሲ ንነጻነትን ዝድህስሱ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲን መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ኣቕሪቡ'ዩ።
ኣቶ ኣልኣሚን ንምንቅስቓስ ጉጅለ 15 ንፈለማ ግዜ ብወግዒ ዝነቐፈን መርገጺን ግብረመልሲን መንግስቲ ብመንጽር እቲ ዘቕረብዎ 'ኣዕናዊ' ዝበሎ ጎስጓስን ንፈለማ ግዜ ብወግዒ ዝገለጸን ብምዃን ብፍሉይ ይዝከር። ንማእሰርቶም ምኽንያታት ኣብ ምሃብን ግህሰታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣብ ምክልኻልን ንኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ የማነ ገብረመስቀልን ዑስማን ሳልሕን ወሲኽካ ካብ'ቶም ብዝለዓለ ተጠመትቲ ሰበስልጣን ኔሩ።
ኣብ'ዚ እዋን ከኣ ንምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻልን ምጥባቕን ተዋፊሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ንኤርትራውያንን ካልኦትን መብርሂታትን ሰሚናራትን ኣብ ምሃብ ብንጡፍ ክዋሳእ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደቱ ከኣ ኣካል ናቱ ኮይኑ ሃንደበታዊ ሕማም ስለዘጋጠሞ ግን ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ክፍለ ምኽኣሉ መንግስታዊ ምንጭታት ገሊጾም።