KEY POINTS:
- ልዕሊ 17 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ'ዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ረፈረንደም ከድምጹ ምዝጉባት'ዮም።
- ምጽዳቕ እማመ ሕጊ 'Voice Referendum (ቮይስ ረፈረንደም) ' መስርሕ ምምራጽ እቲ ምድማጽ ዝካየደሉ ፍሉጥ መዓልቲ ክቕመጥ የበጋግስ።
- እቲ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ካብ ክልተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘሎ ግዜ ክስመ ኣለዎ።
ኣውስትራልያውያን፡ ረፈረንደም ክካየድ ዘበጋግስ እማመ ሕጊ 52 ብ 19 ድምጺታት ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ወይ ሰነት ድሕሪ ምሕላፉ፡ ኣብ ውሽጢ'ዞም ዝመጹ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ጉዳይ ደቀባታዊ ድምጺ ኣብ ባይቶ (Voice to Parliament) ብወግዒ ከድምጹ'ዮም።
ባይቶ ነታ ቀቅድሚ ረፈረንደም ምክያዱ ዘላ ናይ መወዳእታ መሰናኽል ሶኑይ (19 ሰነ) ሰጊርዋ፡ ሕጂ ኣውስትራልያውያን እቲ - ቀንዲ ዓንዲ ናይ'ቲ 'መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ' ናይ 2017 ዝኾነ - ደቀባታዊ ድምጺ 'The Voice' ኣብ ቅዋም ክውቀር ክውስኑ ክህልዎም'ዩ።
ንሕራይ ወይ እወ ዝጉስጉሱ 'ስራሕ ባይቶ ተፈጺሙ'ዩ' ክብሉ ኣዊጆም፡ እቲ ክትዕ ድሕሪ ደጊም ለውጢ ኣብ ቅዋም ክህሉ ብዝጽውዕ ሰረታዊ ድፍኢት ክዝወር'ዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ደቀባት ኣውስትራልያውያን፡ ሊንዳ በርኒ፡ እዚ ምዕባለ ንኣውስትራልያ፡ ንደቀባት ኣውስትራልያውያን ኣብ ቅዋም ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ፡ 'ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝቐረበት'ን 'ዓባይ ሃገር ዝነበረት ዝዓበየት' ክትከውንን ገይሩዋ'ሎ ኢላ።
"እዚ ሕጂ ተበጊሱ'ዩ... ሎሚ፡ እቲ ፖለቲካዊ ክትዕ ኣብቂዑ'ሎ። ሎሚ፡ ብደረጃ ማሕበረሰብ ሃገራዊ ዘተ ክንጅምር ንኽእል ኢና።" ኢላ ንሳ።
"ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን፡ ደቀባት ኣውስትራልያውያን ብቐጻሊ ካብ'ቶም ደቀባት ዘይኮኑ ንላዕሊ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ጸኒሖም. . . እዚ ስርዓተ ኣሰራርሓ ዝተሰበረ'ዩ። ንከነዐርዮ ድማ እዚ 'ድምጺ' እቲ ዝሓሸ ዕድል'ዩ፡ ምኽንያቱ ነቶም ኣብ ባይታ ዘለዉ ህዝብታት ክንሰምዖም እንከለና፡ ንሶም ዝሓሸ ውሳነታት ይወስዱን ዝበለጸ ውጽኢታት የምጽኡን።"
ሰልፊ ለይበር እቲ 'ድምጺ' ኣማኻሪ ኣካል ጥራይ ክኸውን ምዃኑ የስምረሉ፡ ንደቀባት ኣውስትራልያውያን ንዕኦም ብፍላይ ኣብ ዝጸልዉዎም ጉዳያት ንባይቶን መንግስትን ምኽሪ ክህቡ ዕድል ዝህቦም ክኸውን'ዩ።
እንተኾነ ግን ገለ ንዕኡ ዝነቕፉ እቲ እማመ ስግኣታት ወይ ተኽእሎታት ሓደጋ ዝመልእዎ'ዩ ይብሉ፡ ካልኦት ከኣ ንደቀባት ህዝብታት እኹል ስልጣን ወይ ሓይሊ ኣይህቦምን'ዩ ክብሉ ይማጎቱ።
እዚ ዳርጋ ድሕሪ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ቀዳማይ ዝካየድ ረፈረንደም፡ ካብ ዝሓለፈ ሶኑይ ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጎ ካብ ክልተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘሎ እዋን ክካየድ'ዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ ኣብ'ዚ ዓመት ክካየድ ከምዝኾነ ከኣ ኣተንቢሁ'ሎ።
"እዚ ኣብ ህይወት ሓደ ግዜ ዝርከብ ዕድል ነዛ ክብርቲ ሃገርና ዝያዳ ንላዕሊ ክሰቕላ'ዩ" ክብል ከኣ ኣዊጁ።

Independent Senator Lidia Thorpe reacts after the passing of the Voice to Parliament in the Senate chamber at Parliament House. Source: AAP / Lukas Coch
"እዚ ነገራት ብዝሓሸ ንምፍጻም ዘኽእል ሓደ ዕድል'ዩ፡ ንደቀባት ኣውስትራልያ ኢልካ ነገራት ክንዲ ምፍጻም ምስ ደቀባት ኣውስትራልያ ኮይንካ ለውጢ ምምጻእ'ዩ።"
ተቓዋሚ ሰልፊ ጥምረት ንእማመ ሕጊ ረፈረንደም ስቕ ኢሉ የሕሊፍዎ
ን'ድምጺ' ምቅዋሙ ብዘየገድስ፡ ሰልፊ ጥምረት ሶኑይ ንግሆ ንመስርሕ ምጽዳቕ እማመ ሕጊ ሸለል ኢሉ ሓሊፍዎ።
ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ሊበራል ዝኾነት ሚካኤላ ካሽ፡ እቲ 'እወ' ዝብል ድምጺ ንቅዋም ኣውስትራልያ "ብዘየዳግም ክልውጦ'ዩ" ክትብል ትማጎት፡ ሰልፊ ለይበር ከኣ እቲ "ከፋፋሊ" ዝኾነ ኣካል ብኸመይ ክሰርሕ'ዩ እኹል ዝርዝራት ኣየቕረበን ትብል።
"እንተኾነ ግን ንሕና ኣብ ህዝቢ'ዛ ሃገርን ኣብ'ዚ ጉዳይ ዘለዎ መሰል ምድማጽን ንኣምን ኢና።" ትብል ንሳ።
"እዚ ፍሉጥ ዘይኮነ፡ ከፋፋሊን ቀዋሚን'ዩ። እዚ 'ድምጺ' ከመይ ክሰርሕ ምዃኑ ዘይትፈልጡ እንተኾይንኩም እቲ ናተይ ምቕሉል ርእይቶ ኣይፋል (No) ኢልኩም ከተድምጹ'ዩ።"
ኣፈኛ ደቀባት ኣውስትራልያውያን ናይ ሰልፊ ጥምረት፡ ጃሲንታ ፕራይስ፡ ባዕላ ተወላዲት ዋርልፒሪ/ሰልቲክ ዝኾነት፡ ንባይቶ፡ እቶም ዝርዝራት ድሕሪ ረፈረንደም ከቐምጦም ምግዳፉ ንሕጊ ብዝምልከቱ ሓደጋታት ዝመልአ'ዩ ክትብል ትከራኸር።
"እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዝኾነ ውሕስነት ከይሃበ፡ ተዓሚትና ክንኣምኖ፡ ጥርሑ ቸክ ናይ ባንክ ክንፍርመሉን እዚ ተኽእሎ ሓደጋ ዘለዎ እማመኡ ኣብ'ቲ ቅዋም ንዘልኣለም ክውቀር ከነፍቅደሉን ይደልየና'ሎ።" ኢላ።
በጻብዕ ዝቑጸሩ ኣባላት ሰልፊ ጥምረት ኣንጻር'ቲ እማመ ሕጊ ኣድሚጾም፡ ኣብ'ቶም ናብ ኣድመጽቲ ዝዕደሉ ወግዓዊ ጽሑፋት ጎስጓስ ረፈረንደም ከኣ ናብ'ቲ ኣይፋል (No) ዝብል ጎስጓስ ከበርክቱ ዘፍቅደሎም ሓደ ቲክኒካል ቅጥዒ'ዩ።
ሰልፊ ግሪንስ ነዚ 'ሓቀኛ ታሪኻዊ ዕለት' ብሓጎስ ተቐቢልዎ
ኣፈኛ ጉዳያት ደቀባት ኣውስትራልያውያን ሰልፊ ግሪንስ ዶሪና ኮክስ፡ ኣብ'ቲ ቅድሚ ድምጺ (ቮይስ) ውዕልን ሕግን (ትሪቲ ኤንድ ትሩዝ) ክመጽእ ኣለዎ ዝብል መርገጺኣ ሕድገት ዝገበረት፡ እዚ ምጽዳቕ ኣብ ባይቶ ንቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያ "ብሓቂ ታሪኻዊ መዓልቲ" ዘበሰረ'ዩ ክትብል ገሊጻቶ።
"ዕዮ ፓርላመንት ኣብቂዑ'ዩ። ሕጂ እቶም ሰረታዊ ጎስጓሳት ን'እወ' ናብ ማሕበረሰብ ወጺኦም ንምንታይ እዚ ረፈረንደምን ድምጺ ናብ ባይቶን ኣዝዮም ኣገደስቲ ከም ዝኾኑ ዝገልጽሉን ዝካፈልሉን ግዜ'ዩ።" ኢላ።

Ms Burney, seated left, was present for the debate. Source: AAP / Lukas Coch
ሰነተር ኮክስ ከምዝጸቐጠትሉ እቲ 'ድምጺ' ንልዑላውነት ደቀባት ዘንኣእሶ ኣይኮነን፡ ንሳ ዘረባኣ ከተስምዕ እንከላ ብተደጋጋሚ ብነጻ ኣባል ባይቶ ሊድያ ቶርፕ ትቋረጽ ኔራ፡ ሰነተር ሊድያ ኣብ ጉዳይ'ዚ 'ድምጺ' ነጻ ኮይና ኣንጻሩ ክትጉስጉስ ብምባል ካብ ሰልፊ ግሪንስ ተሰናቢታ።
"ብግብሪ ኣመስክሪዮ!" ሰነተር ሊድያ ብተደጋጋሚ ትስንድዎ ቃል ኔሩ።
ሊድያ ቶርፕ ነቲ 'ናይ ፈጠራን ይምሰልን' ኢላ ዝገለጸቶ 'ድምጺ' ትኹንን
ካብ ጃብዉሩንግ፡ ጉናይን ጉንዲቲጅማራን ዝኾነት ሰነተር ቶርፕ፡ ነታ ድምጺ ዝጸቐደላ መዓልቲ ሶኑይ "መዓልቲ ምርዓም/ኢድካ ምሃብ (ኣሲሚለይሽን ደይ)" ኢላ ገሊጻታ፡ ኣውስትራልያውያን ከኣ ነቲ ረፈረንደም ክሕሰምዎ ትጽውዕ።
መደረ ከተስምዕ ኣብ ዝተስኣትሉ፡ ሰነተር ሊድያ ነቲ እማመ ሕጊ 'ኣብ ልዕሊ ሓደ ሬሳ ዝተሰመረ ናይ መወዳእታ ምስማር' ኢላ ገሊጻቶ፡ ግን ኣብ'ቲ ረፈረንደም ባዕሉ እንታይ ከተድምጽ'ያ ክሳብ ሕጂ ኣይገለጸቶን።
"ኣነ ኣብ'ዚ ስልጣንን ሓይልን ዘይህበና ኣዕናዊ ዝኾነ ሓሳብ 'ኣይፋል (No)' እየ ከድምጽ፡" ኢላ ንሳ።
"እንተኾነ ግን ኣነ ንህዝበይ ስልጣን ዘይህብ ነገር ክድግፎ ኣይክእልን እየ። ኣነ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዝኾነ ኣካል ተመሪጹ ዝተዋህበ ሓደ ነገር ክድግፍ ኣይክእልን'የ።"

Minister for Indigenous Australians Linda Burney poses for a photo with 40 members of Jawun at Parliament House in Canberra. Source: AAP / Mick Tsikas
"እወ፡ ኣነ ኣብ'ዚ ዘለኹ ናብ ውሽጢ ክሶልኽ፡ ነቶም መሰረታት ክንቕንቖምን ነቲ ኣብ'ዚ ተወኪሉ ዘሎ ልዑልነት ጸዓዱ ንምዕናው'ዩ።"
ሰነተር ሊድያ ቶርፕ፡ ኣብ ግዜ'ቲ ክትዕ 'ጋሚን' ዝብል ዝተጻሕፎ ካናቴራ (ቲ-ሸርት) ለቢሳ ዝነበረት፡ ንሞታት ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ደቀባት ኣውስትራልያውያን ዘጻሪ 'ሮያል ኮሚሽን' ዘቕረቦም ምኽርታት እቲ ባይቶ ከተግብሮም ጠሊባ።

Independent senator Lidia Thorpe reacts during debate on the Voice to Parliament in the Senate chamber at Parliament House. Source: AAP / Lukas Coch
"ንሕና ብዛዕባ'ዚ ከመይ ኢሉ ህይወትና ከዐርዮ'ዩ ኣብ ዝብል ኩሎም'ዚኦም ጽቡቓት፡ ካብ ልቢ ዝነቐሉ ዛንታታት ንሰምዕ ኣለና። ኩሉ ነገር ክፈትሕ'ዩ። ክሳብ እዚ ረፈረንደም ዝሓልፍ ዝኾነ ነገር'ውን ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ከም'ዚ'ሉ'ናሃለወ ግን ህጻናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ።
ኣብ ግዜ'ቲ ክትዕ ናይ ሶኑይ፡ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ትብል ካብ ሰልፊ ለይበር ማሪንድሪ ማ'ካርቲ ን"ዝሓሸ መጻኢ" ኣውስትራልያውያን 'እወ' ከድመጹ ተማሕጺና፡ እዚ ድምጺ ንደቀባት ህዝብታት "ዓቢይ ትርጉም" ዝህብ'ዩ ኢላ።
"ደቀባት ህዝብታት ናብ ኩሎም ኣውስትራልያውያን ጻውዒቶም የቕርቡ'ለዉ፡ በዚ ግዜ ኣብ ታሪኽ ናይ'ዛ ሃገር ሓበን ክስምዖም ክኽእልን ነንሓድሕድና ተደጋጊፍና ሓፍ ንብለሉን ክኸውን፡" ክትብል ገሊጻ።
"ህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ኣካል ናይ'ዚ ምሉእ ሕመረት ሕብረተሰብ ክኾኑን ኮይኑ ክስምዖምን።"
ድሕሪ ርእይቶታት ፖውሊን ሃንሰን ብዛዕባ ቃና ክትዕ ዝተፈጥሩ ሻቕሎታት
ሰነተር ሰልፊ ዋን ኔሽን ፖውሊን ሃንሰን ኣውስትራልያውያን እቲ ስርቂ ወልዶታት (ስቶልን ጀነሪሽንስ) ዘጋጠመሉ "ንምንታይ ኢሎም ክሓቱ" ኣለዎም ኢላ ድሕሪ ምምሕጻና፡ ሰነተር ማ'ካርቲ ብዛዕባ ቃና ወይ ትሕዝቶ ናይ'ቲ ክትዓት ኣብ ዝመጹ ኣዋርሕ ከመይ ክኸውን'ዩ ስግኣት ከምዘለዋ ተኣሚና።
ሰነተር ማ'ካርቲ ኣውስትራልያውያን ኣብ መላእ'ቲ ክትዕ "ነቲ ዝበለጸ ጎድኖም ክሰምዑ" ምሕጽንታ ተቕርብ።
“ኣነ ቁሩብ ስግኣት ኣለኒ፡ ብዛዕባ'ቶም ገለ ክትዓትን ዝበሃሉ ነገራትን ክሰምዕ እንከለኹ፡" ክትብል ገሊጻ።

Senator McCarthy conceded concern over the tenor of the debate, just moments after Pauline Hanson's (pictured) comments. Source: AAP / Lukas Coch
“ሽዑ ጥራይ'ዩ ዝሓሸ ኣካልና ከም ሃገር ክንረኽቦ ንኽእል፡ እቲ ዝበለጸ ኣካልና ከም ኣውስትራልያውያን።"
ሰነተር ሃንሰን ኣቐዲማ ብዙሓት ካብ'ቶም ዝትሰርቁ ወለዶታት ከምኡ ገይሮም እንተዘይፍለዩ ኔሮም 'ብህይወት ኣይምጸንሑን' ክትብል ተዛሪባ ኔራ።
“ብዛዕባ ዝተሰርቁ ወለዶታት ትዛረቡ። ኣብ'ቲ ግዚኡ ተፈጺሙ፡ ንምንታይ ኢልኩም ንነብስኹም ሕተትዋ፡" ኢላ።
እቲ ሰፊሕ ዝኾነ 1997 ጸብጻብ 'ብሪንግ ዘም ሆም ሪፖርት' ምፍላይ ደቀባት ህጻናት ካብ ቤቶም ዝለዓለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት'ዩ ክብል ደምዲሙ፡ ወለዶታት'ቶም ዝተወስዱ ህጻናት ክእሰሩን ጸገማት ጥዕና ክህልዎምን ዝለዓለ ተኽእሎ ይህልዎም፡ ሽቕለት ወይ ስራሕ ክረኽቡ ኸኣ ዝተሓተ ተኽእሎ ይህልዎም ኢሉ።
ሚስተር ኣልባነዚ ርእይቶ ሰነተር ሃንሰን ኣይረኹዎን ድሕሪ ምባል ምስ'ቶም ቀደም ትብሎም ዝነበረት ነገራት ተመሳሰልቲ ይኾኑ'ዮም ክብል ገሚቱ።
“ኣነ መልሲ ክህበሎም ድሌት የብለይን፡ ምኽንያቱ ብቀዳማይ ደረጃ መልሲ ዝግበኦም ኮይኑ ኣይስመዓንን። ኣብ መላእ ኩሎም መድረኻት ክብረት ዘለዎ ክትዕ ክህሉ መጸዋዕታይ የቕርብ፡" ኢሉ ንሱ።
“ናበየናይ ኣንፈት ሰባት የድምጹ ብዘየገድስ፡ ተጣበቕቲን ተኸራኸርትን ኣብ ሓቅታት ክጸንዑን ሓቂ ከምዘይኮኑ ዝፈልጥዎም ነገራት ከኣ ከይብልዎምን ዝከኣሎም ክገብሩ ኣለዎም።"
ሊንዳ በርኒ እቲ 'ድምጺ' ስርዓታዊ ለውጢ ከምጽእ'ዩ ትብል
ረፈረንደማት በቲ 'ድርብ ኣብዝሓ ድምጺ (Double Majority) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ'ዮም ዝሓልፉ ወይ ዝጸድቁ - ኣብዝሓ ድምጺ ብሓፈሽኡ ኣብ ሃገርን ኣብዝሓ ድምጺ ኸኣ ኣብ ዝበዝሓ ግዝኣታትን። ነበርቲ ከባብያዊ ምምሕዳራት ኖርዘርን ተሪተሪን (NT) ኤሲቲ (ACT)ን ናብ'ቲ ዳሕረዋይ ኣይሕሰቡን ወይ ኣይቁጸሩን'ዮም።
ነጻ ሰነተር ደይቪድ ፖኮክ ነበርቲ ኣብ ኤሲቲን ኤንቲን ማዕረ ድምጺ ከምዘይብሎም ኣስሚርሉ።
ሰነተር ፖኮክ ነዚ ረፈረንደም ከም "ድምጺ ካንቤራ (ካንቤራ ቮይስ) ጌሩ ተቓዋሚ ሰልፊ ጥምረት ክገልጾ ዝፍትን ዘሎ " ውጹእ ሓሶት'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
"እዚ፡ ውጽኢት ናይ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ጽዑቕ መስርሕ ምምኽኻር ዝተኻየደሎም'ዩ. . . እወ እንተዘይተሰይሩ ኣይትጸግንዎ። እንተተሰይሩ ግን ምጽጋን የድልዮ'ዩ። እዚ ኸኣ ንምጽጋኑ ዘለና ሓደ ዕድል'ዩ።" ኢሉ ንሱ።
ሓደ ደቀባታዊ ድምጺ ናብ ባይቶ ክህሉ ብመራሕቲ ደቀባት ኣብ 2017 ካብ ዝተነድፈ መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ ዘቕረቦ ጠለብ'ዩ።
ኣውስትራልያውያን ድሒሩ ኣብ'ዚ ዓመት ኣብ ሓደ መስርሕ ድምጺ ህዝቢ ወይ ረፍረንደም - እወ/የስ ወይ ኣይፋል/ኖ ዘድምጽሉ - ንባይቶን ንፈደራላዊ መንግስትን ንደቀባት ኣውስትራልያውያን ኣብ ዝጸልዉ ዛዕባታት ምኽሪ ዘቕርብ ሓደ ቀዋሚ ዝኾነ ነጻ ኣካል ክፍጠር ኣብ ቅዋም ለውጢ ክግበር ትድግፉ ዲኹም ኣይትድግፉን ተባሂሎም ክሕተቱ'ዮም።
እቲ ዓይነትን ዝርዝራትን ናይ'ቲ ሞዴል ዕዉት ረፈረንደም ኣብ ዝኾነሉ ብኣባላት ባይቶ ዝውሰን ክኸውን'ዩ።
ወይዘሪት በርኒ ትብል ንሳ እቲ እማመ ነቶም ዝተሓተ ወይ ዝደኸመ ውጽኢታት ጥዕና፡ ማሕበረ-ቁጠባን ትጽቢት ዕድመ ህይወትን ዘሕልፉ ዘለዉ ደቀባትን ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዓሊምካ ንምሓዝ ዘድሊ መበገሲ ክኸውን'ዩ።
ሓድሽ ሓበሬታ ኣብ ሽቶታት ምጽባብ ጋጋት (ክሎዚንግ ዘ ጋፕስ) - ኣብ መለክዒታት መዳያት ጥዕና፡ ማሕበራዊን ኩነተህላወ ዘሎ ጋግ ኣብ መንጎ ደቀባትን ዘይደቀባትን ኣውስትራልያውያን ዝከታተል - ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርግሐ 4 ካብ'ቶም 19 (ጥራይ ኣብ መስመሮም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
"እዚ ሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ'ዩ፡ ኣብ ምጽባብ ጋጋት ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ከኣ ዝያዳ ቆላሕታ ክረኽቡ ክሕግዝ'ዩ።" ክትብል ትውስኽ።
"እቲ ሓይልን ስልጣንን ኣብ ውሹጢ'ቶም ኣምራት'ዩ ዘሎ - ልዑል ሞራላዊ ሓላፍነት እቲ ናይ መጀመርያ'ዩ። ብዛዕባ'ቶም ኣምራት እስከ ንሕሰብ፡ ነጻ ኣካል'ዩ ክኸውን፡ ዘይሻራዊ ምኽሪ ንባይቶ ጥራይ ዘይኮነ ንፈደራላዊ መንግስቲ'ውን ክህብ'ዩ።
"ተሓታቲ ክኸውን'ዩ። ሚዛናዊ፡ ብማሕበረሰብ ዝምራሕ፡ ኣብ ውሽጢ'ዚ ዘሎ ቅርጽታትን ምምሕዳራትን ዝቕመጥ ክኸውን'ዩ።
'ምምሕዳራዊ ሕልኽላኻት/ቢሪክራሲ ካብኡ ይውጻእ'
መራሒ ሰልፊ ናሽናል ፓርቲ፡ ደይቪድ ሊትልፕራውድ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጉዳይ ድምጺ ናብ ባይቶ ብዝምልከት ሰልፉ ንኣይፋል ዝብል ድምጺ ክጉስጉስ ምዃኑ ብወግዒ ገሊጹ ኔሩ።
ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ንሱ እቲ እማመ "ብቕንዕና ነቲ ጋግ ከጽብብ'ዩ" ኢሉ ኣይሓሰበን ኔሩ።
ንሱ ሕጂ'ውን ነቲ መርገጺ ከምዝኽተልን እቲ መፍትሒ ሓደ ኣብ ቅዋም ዝተወቀረ ድምጺ ንባይቶ ኣየድልዮን'ዩ ኢሉ ከምዝኣምንን ይገልጽ።
"መንግስታት ነዚ ጸገም 'ምጽባብ ጋግ' ክፈትሑ ንምፍታን ቢልዮናት ዶላራት ኣፍሲሶም'ዮም፡ ግን ጌጋ ብዝኾነ ኣገባብ ኢና ከነተግብሮ ጸኒሕና፡" ክብል ንኤቢሲ ሬድዮ ሓቢሩ።
"እቲ ድሌት ንማዕርነት ኩሉ ግዜ ኔሩ'ዩ፡ እቲ ኣፈጻጽምኡ'ዩ ዘየለ፡" ይብል ንሱ፡ ግን እቲ ሰልፉ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ጥምረት ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብ'ቲ ዝፈሸለ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ኣካል ናይ'ቲ ጸገም ከምዝነበረ ተኣሚኑ።
"ንሕና ፈሺልና ኢና። ኣነ ኩሎም ኩሎም ወገናት መንግስቲ ፈሺሎም'ዮም ክብል ኣይፈርሕን'የ። እቲ ቢሮክራሲ ካብ'ዚ እንተውጺእናዮ ነቲ ጋግ ከነጽብቦ ንኽእል ኢና።"
ንሱ ይብል እቲ መልሲ ዘካትት፡ ፍታሓት ብደረጃ ማሕበረሰብ፡ ድምጺ ናብ ባይቶ ከየድለዮ'ዩ።
"ኣብ'ዚ'ዩ እቶም ሽማግለታት ወይ ዓበይቲ ብደረጃ ከባብያዊ ማሕበረሰብ - ብዞባ ደረጃ ዘይኮነ - ክጽመዱን ክሕይሉን ዘለዎም. . . እዚ ብዛዕባ ነቶም ቢሮክራትስ ካብ ካንቤራ ኣውጺእካ ኣብ ዙርያ ኣኼባታት ከብብያዊ ምምሕዳራትን ሓዊ ኣጒዶም ዝእከቡን ምምጽኦምን ነቶም ዓበይቲ ወይ ሽማግለታት ምስምዖምን'ዩ።"