5 ኤርትራውያን ንስልማት ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተሓጽዮም፣ ሃይለን ፈይሳን ክሳብ ኲናት ክንኣቱ ኢና ይብሉ

Olympic_great_Haile_Gebrselassie_speaking_at_the_Olympic_hunger_summit_in_Downing_Street,_12_August_2012

Source: Wikipedia

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (29/11/2021) * ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ናይ’ዚ ዓመት ተሓጽዮም፡ ስልማታት ኣትለቲክስ ዓለም 2021 ዝዕደለሉ ባሕቲ ታሕሳስ እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ኣትሌታት ዓመተ 2021 ብኽልቲኡ ጾታታት ዝሓለፈ ሰሙን ተረቚሖም፡ * ኤርትራዊት ዶልሺ ተስፋይ ኣብ ጉያ እግሪ መሮር ኣብ ስፐይን ተዓዊታ፡ ኢትዮጵያዊት ጸሃይ ኣለሙ ኸኣ ኣብ ማራቶን ፊረንዘ ኣብ ኢጣልያ ተዓዊታ፡ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኲናት ኣንጻር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክመርሖ ናብ ግንባር ክኸይድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ገዳይም ኣትሌታት ሃይለ ገብረስላሰን ፈይሳ ለሊሳን ክዘምቱ ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም፡ * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ማእከል ወቕቲ ግጥማት ጋንታታት ኤውሮጳ ዝካየድ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ጋንታታት ብዘይ ኣፍሪቃውያን ከዋኽብተን ግጥማተን ከካይዳ ይዳለዋ



Share