'ሃይማኖታውን ዓሌታውን ፍልልያት ብዘየገድስ ውህደት ዝነበሮም ኤርትራውያን ኣብ መልበርን ዘኪረ ኣብ’ዚ እዋን ሓድነት ዘይምህላው የሕዝነኒ' - ኣቶ ተወልደ ኪዳነ

Source: A Home for the diaspora
መመረቅታ መጽሓፍ 'A Home for the diaspora: From the Horn of Africa to Melbourne’s Public Housing' ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን አብ ከተማ መልበርን ተኻይዱ። እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣብ ገለ ካብ'ቶም ፍሉያት መለለዪታት ከተማ መልበርን ተባሂሎም ዝውሰዱ ካብ ዝተፈላለየ ማሕበረሰባትን ባህልታትን ዝመጹ አባላት ሕብረተሰብ ዝነብሩሎም ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት እተዘንቱ’ያ።
Share