ኤርትራን ቦትስዋናን ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ክራኸባ ተመዲበን፡ ምስዋር ተጻወቲ ይድገም ዶ ይኸውን፧

Source: Guardian
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/01/2022) * ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓመታዊ ‘ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ’ 2022 ተኻይዱ ያለምዘርፍ የኋላው ተዓዊታ፡ ምስ’ቲ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሽኡን ምስ በዓል ጥምቀት ተኣሳሲሩ ኣብ’ታ ከተማ ብፍላይ ክረአ ዝጸንሐ ወጥርን እዚ ውራይ ተስፋ ዝህብ’ዩ ክብሉ ገለ ተንተንቲ ገሊጾም፡ * ኣብ 2023 ኮትዲቭዋር ተአንግዶ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ዘካይዳ ሃገራት ዕጫታት ወዲቑለን መጋጥምተን ፈሊጠን፡ ኤርትራ ኣንጻር ቦትስዋና ክትገጥም ስለዝበጽሓ ቅድሚ 7 ዓመት ዘጋጠመ ተዘክሮ ምጥፋእ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣልዒሉ፡ * ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካሜሩን 2021 ናብ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣብ ዝበጽሓሉ ሰንበት ሓያል ጋንታ ናይጀርያ ብቱኒዝያ ክትግለፍ እንከላ ቡርኪናፋሶ ንጋቦን ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ስዒራታ፡ * ኣብ’ዚ ውራይ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ነጥበ መቐይሮታትን ዘገርሙ ውጽኢታትን ተመዝጊቦምን ምምዝጋብ ይቕጽሉን ኣብ ዘለውሉ እዋን ገለ ሓያላት ሃገራት ብጓዊ ክምለሳ እንከለዋ ካልኦት ተስፋ ሰኒቐን
Share