ድሙቕ ኣቀባብላ ንበዓል ቢንያም፡ ዓወት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ድሬዳዋን ተኣምራታዊት ሽቶ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ኤውሮጳን

Source: Sweden FB Twitter
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/10/2021) * ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙርያ ምድባዊ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ባህር ዳር ኣካይዳ 3-1 ተሳዒራ፡ * በዓልቲ ብሩር መዳልያ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ዓዳ ተመሊሳ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ፡ * ደቀንስትዮ መንእሰያት ኢትዮጵያ ት20 ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ፊፋ ት20 መንእሰያት ንሩዋንዳውያን መዛኑአን ብገፊሕ 4-0 ስዒረን፡ * ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ሃገራት ኤውሮጳ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተኣምራዊት ሽቶ ብምምዝጋብ ሃገሩ 3-0 ክትዕወት ሓጊዙ፡ * እንግሊዛዊት ጋንታ ፕሪምየር ሊግ ኒውካስትል ዩናይትድ ስዑዳውያን ሃብታማት ገዚኦማ ደገፍታ ክሕጎሱ እንከለው ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ጋንታታትን ስግኣት ሓዲርዎም
Share