ኣንቶኒ ብሊንከን ናይሮቢ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣድመኛታት ኣብ ሱዳን ተቐቲሎም፡ ኣቢይ ኣሕመድ ብናይ ሓሶት ሓበሬታ ተንኮላት ይእለሙ'ለው ኢሉ

Source: Getty
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (18/11/2021) * ቀ/ሚ ኣውስትራልያ ኣብ ዙርያ እማመ ሕግታት ለበዳ ግዝኣት ቪክቶርያ ዘሎ ክትዓት ርእይቶ ሂቡ፡ ንሱ መንግስታት ካብ’ቲ ኣብ ግዜ ለበዳ ዝነበረን ቀጥታዊ ንጥፈታት ንድሕሪት ዝምለሳሉ ግዜ ሕጂ’ዩ ኢሉ፡ * ዝበዝሑ እቶም ተሪፎም ዘለው ቀይድታት ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ክለዓሉ’ዮም፡ ነበርቲ’ታ ግዝኣት ካብ ዓርቢ 19 ሕዳር ቀይዲ ዘይብሉ ምብጽጻሕን ምትእኽኻባት ኣብ ደገን ክህልዎም’ዩ፡ * ሰልፊ ለይበር ወፍሪ ኣብ ዘተኣማምን ቀረብ ኢንተርነት ንትምህርትን ምዕባለን ህጻናት ወሳኒ’ዩ ኢሉ፡ ክሳብ 30000 ሕማቕ ዝኾነ ወይ ፈጺሙ ኢንተርነት ዘይብሎም ስድራቤታት ቀረብ ክህቦምን ኤለክትሮኒካዊ ኣቑሑ’ውን ከቕርበሎም’ዩ ኢሉ። * ዑደት ኣፍሪቃ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓድሽ ሞት ዘኸተለ ዓፈና ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲ ዝጠልቡ ኣድመኛታት ኣብ ሱዳንን መልእኽቲ እምቢታ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣጋጢምዎ።
Share