ኣበዓዕላ ዕለተ ልደት፣ መመረቕታ ገዛን ካልኦት ምትእኽኻባትን ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ ይመስሉ፣ ህያባትን ኣከዳድናን ከ፧

Australia Explained - Party Etiquette

ኣብ ገዛ ዝዳለዉ መደባት ምዝንጋዕ ወይ ምትእኽኻብ (House parties) መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝፈቐደሉ ወይ ዝጸበቐሉ ብድሕሪ ገዛ ይዳለዉ። Credit: ibnjaafar/Getty Images

ኣውስትራልያውያን በቲ ቅልል ዝበለ ወይ ተዛናዪ ባህሎምን ዝተረኽበ ዕድላት ኣውደኣመት፡ ጽብምል ወይ መደብ ምዝንጋዕ ብዝለዓለ መጠን ብምስትምቓርን ፍሉጣት'ዮም። እንተኾነ ግን ወግዓውያን ንጥፈታት ወይ ውራያት ጥራይ ኣይኮኑን ናቶም ኣካይዳታትን ኣገባባትን ሒዞም ዝመጹዝመጹ፡ ዝኾነ መደብ ምዝንጋዕ ወይ ፓርቲ፡ ክሳብ ክንደይ ብዕቱብ ይተሓዝ ብዘየገድስ፡ ዘይዝረበሎም ትጽቢታት ባህላዊ ስነምግባር ኣለዎም።


Key Points
  • Etiquette rules are strict for business parties, yet social gatherings also entail cultural expectations for both hosts and guests.
  • In Australia, it's customary to bring a small gift when visiting someone's home, emphasising thoughtfulness toward the host rather than extravagant spending.
  • Children's parties adhere to a distinct set of cultural expectations, which includes the practice of giving token gifts to the young guests.
በዓላት ልደት ህጻናት፡ መመረቕታታት ኣባይቲ/ገዛ፡ ከምኡ'ውን ናይ ድራር ዕድመታት ገለ ካብ'ቶም ኣውስትራልያውያን ብብዝሒ ተኣኪቦም ዘብዕልሎም ውራያት ወይ ምትእኽኻባት'ዮም።

እንተኾነ ግን ምትእኽኻባት ኣብ ገዛ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብ'ቲ ቅኑዕ ዝኾነ ህሞት ምምራጽ ንላዕሊ ዘድልዮም ነገር የለን።

እቲ ኣዝዩ ኣውስትራልያዊ ተባሂሉ ብፍሉይ ዝግለጽ ምትእኽኻብ፡ ብኻልእ ኣጸዋውዓ 'ባርቢ' (‘barbie’) ዝበሃል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግዜ ህዝባዊ በዓላት ወይ ቀዳመ ሰንበት ዝካየድ'ዩ።
Australia Explained - Party Etiquette
ናብ ሓደ ምትእኽኻብ ወይ መዘናግዒ መደብ ናይ ስራሕ ክትከዱ እንከለኹም፣ ትብል ወይዘሪት ሃርዲ፣ ካብ'ቲ ዘድልየኩም ወይ ዝተደለኹሞ ንላዕሊ ክትጸንሑ ወይ ክሳብ ዝወግሕ ምዝንጋዕኩም ክትቅጽሉ ኣየድልየኩምን'ዩ። Credit: xavierarnau/Getty Images
ብኣገላልጻ ኣካያዲት/ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ስነምግባር 'Australian School of Etiquette' ዝኾነት ዛሪፍ ሃርዲ፡ እዚ ምጥባስ ስጋ ዘካትት መደብ ምዝንጋዕ ወይ ባርቢኲ ፓርቲ "ቁጽሪ ሓደ ተመራጺ መደብ ምዝንጋዕ" ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን'ዩ ትብል። ነቶም ኣብ'ዛ ሃገር ኣብ 80ታትን 90ታትን ዝዝውተሩ ዝነበሩ ስሩዓት መደባት ምዝንጋዕ ድራር ወይ ምሸታት ድራር ተኪኦሞም ኣለዉ።

“እዚ መደብ ምዝንጋዕ ብሓፈሽኡ ምጥባስ ስጋ ኣብ ደገን ምስ ገለ ሰባት ብሓባር ምትእኽኻብን የካትት። እዚ ተራ ወይ ስሩዕ ዘይኮነ፡ ተዛኒኻን ኣዝዩ ዘይወግዓዊን ምትእኽኻብ'ዩ፡" ትብል ወይዘሪት ሃርዲ።

እንተኾነ ግን፣ ኣብ ስሩዕ ወይ ወግዓዊ ዝኾኑ ምትእኽኻባት ስራሕ፡ ንኣብነት እቶም ብልምዲ ዝካየዱ ምትእኽኻባት በዓል ልደት፡ እዚ ኣገባብ ኣይሰርሕን'ዩ።
እቲ ምትእኽኻብ፣ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዘይኮነ፣ ኣካል ስራሕ ምዃኑ ዘክርዎ ኢኹም። ብልክዕ እቲ ተህልኽዎ ወይ ትሰትይዎ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ተኸታተልዎ ወይ ተቖጻጸርዎ፣ ብፍላይ ከኣ ንዓኹም ዝጸልወኩም እንተኾይኑ። ትኽደንዎ ኣልባሳት'ውን እንተኾነ ነቲ ቦታ ዝመጣጠኑ ክኾኑ ኣለዎም። ስለ'ዚ ኣዝዩ ሓጺር ክዳን ወይ ኣትሒቶም ዝተቖርጹ ክፉታት ሳእንታት (ሸበጣት) ወይ ንደገ ዝወጸ ወይ ጠልጠል ዝብል ማልያ/ካምቻ ክኸውን የብሉን።
ዛሪፍ ሃርዲ (Zarife Hardy)
ንሳ ሞያዊ ኣካይዳታት (ፕሮፌሽናሊዝም) ኣብ መላእ'ዞም ንጥፈታት ምህላዎም ማለት ነዞም ዝስዕቡ የካትቱ ትብል፡ ምክብባር ዘለዎም ዕላላት፡ ብዛዕባ መሳርሕትኹም ይኹን ብዛዕባ ሓለፍትኹም ሕማቕ ዘይምዝራብ።

ነቶም ኣብ ገዛውቲ ዝካየዱ መደባት ምዝንጋዕ ብዝምልከት ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ስሩዓት ኣይኮኑን ወይ ዝተዛነዩ ይኹኑ ብዘየገድስ፡ ግብረገብ ወይ ስነስርዓታዊ ኣካይዳ ነቶም ዓደምቲ ይኹን ነቶም ኣጋይሽ ብቐጻሊ ኣገዳሲ'ዩ።

“ቅድምን ቀዳድምን፡ እቶም ትዕድምዎም ሰባት መነመን'ዮም ክትውስኑ ኣለኩም፡ ስለ'ዚ ምስ ኩሉ ዝሳነዩ ወይ ክሰማምዑ ዝኽእሉ ሰባት ማለት'ዩ፡" ክትብል ወይዘሪት ሃርዲ ትመክር።

እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ እቲ ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ኩሎም ዝተዓደሙ ሰባት ተመቺእዎም ወይ ተፈሲሆም ክውዕሉ ወይ ዝወዓሉ ኮይኑ መታን ክስምዖም ብወገን ዓዳሚ እቲ ዝግባእ ምድላዋት ወይ ምቅርራባት ምግባር'ዩ።

“ዕዱማት ኣጋይሽኩም ናብ'ቲ ውራይ ክመጹ እንከለዉ ግዜን ቆላሕታን ክትህብዎም፡ ኣብ ክሽነ ጥራይ ኮይንኩም ወይ ኣብ ምድላው ነገራት ወይ ጠረጴዛታት ኣብ ምትዕርራይ ከይትውዕሉ ወይ ግዜኹም ከይተጥፍኡ ተጠንቀቑ ኢኹም፡" ክትብል ከኣ ትውስኽ።
እዚ ተቐሪቡ ክጸንሕ ማለት'ኡ፣ ዝስተ ነገር ክቕዳሕ ዝተዳለወ፣ ነቶም ኣጋይሽ ዘሐጉስ፣ ምዉቕ ሰላምታ ወይ ኣቀባብላ ክወሃቦም፣ ምስ ካልኦት ኣብ ዕላል ክትጽመዱ ወይ ከተዕልሉን ንሰባት ንሓድሕዶም ከምዝፋለጡ ምግባርን።
ዛሪፈ ሃርዲ (Zarife Hardy)
ነቶም ክበጽሑ ዝመጹ ወይ በጻሕቲ ኣጋይሽ፡ ቀረባ ቤተሰብ ክሳብ ዘይኮኑ፣ ናብ እንዳ ሰብ ክመጹ እንከለዉ ጥራይ-ኢዶም ክመጹ ዝምረጽ ኣይኮነን።

መስራቲን ዋና ኣካያድን ትካል 'Overseas Students Australia' ሳም ሻርማ፡ ናብ እንዳ ሰብ ተዓዲምኩም ክትከዱ እንከለኹም፡ ከም ጥርሙዝ ነቢት/ወይኒ፡ ዝቑረስ ወይ ዝቑርጠም ነገር (ስናክ) ወይ ከኣ ምቁር መግቢ (ስዊት) ዝኣመሰለ ንእሽቶ ህያባት ሒዝኩም ምኻድ ከም ኣኽብሮት ወይ ትሕትና'ዩ ዝቑጸር ይብል።

“ኣብ ምድላው እቲ ውራዮም ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ፍሉያት ነገራት ከተምጽኡሎም ዝደልይኹም እንተኾይኖም ነቶም ሰብ ውራይ ወይ ዝዕድምኹም ዘለዉ ሰባት ምሕታቶም'ውን ጽቡቕ ሓሳብ'ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ውራይ ምእንጋዶም ጥራይ ዓቢይ ስራሕ'ዩ፡ ስለ'ዚ ንስኹም ነዞም ነገራት ሒዝኩም ምምጻእኩም ተቃልልሎም ጥራይ ኢኹም ዘለኹም፡" ይብል ሚስተር ሻርማ ክገልጽ እንከሎ።
Australia Explained - Party Etiquette
ከይተተንከፈ ዝጸንሐ ተረፍመረፍ መግቢ ኣብ መወዳእታ ናይ'ቲ በዓል እንተሃልዩ፣ ኣብ መትሓዚ ተቐሚጡ ንገዛ ሒዝኩሞ ክትከዱ ይወሃበኩም ይኸውን። እዚ ግን ኣቐዲሞም እቶም ሰብ ውራይ ባዕሎም ክሓትኹም ወይ ክነግርኹም ናብኦም ግደፍዎ። Source: Moment RF / Sergey Mironov/Getty Images
እቲ ካልእ ኣገዳሲ ነገር ዶንጊኻ ዘይምምጻእ ኮይኑ መግለጺ ኣኽብሮት ጥራይ ዘይኮነ ንኣሳልጦ'ውን ዝሕግዝ'ዩ።

“ኣብ ኣውስትራልያ፡ ናብ መደብ ምዝንጋዕ/ዕድመ/ፓርቲ ኣብ ግዜኻ ምምጻእ ብጣዕሚ ኣገዳሲ'ዩ። ኣዚኹም ከይትድንጉዩ፡ እንተዘይኮይኑ፣ መግቢ ኩሉ ክሓልፈኩም'ዩ። እዚ ከምተኽእሎ ዘጋጥም'ዩ፡" ክብል ሚስተር ሻርማ ይውስኽ።

ካልእ ከም ተወሳኺ ምናልባት ንሰብ ውራይ ወይ ዓደምቲ ብኣካል ክትሕግዝዎም ብምርጫ ዝግበር ወይ ከከም ኣድላይነቱ ዝረአ እንተኾነ'ኳ ጽቡቕ'ዩ።
“ንሰብ ውራይ ኣብ ምኽሻን፡ ምቅርራብን ምጽብባቕን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምጽርራይ ክትሕግዝዎም እንተኽኢልኩም ኩሉ ግዜ ትምስገንሉ'ዩ። ኩሉ ግዜ ቅድሚ ምኻድኩም ወይ ምፍናውኩም ከኣ ምምስጋን ኣይትረስዑ።"

ከም ሓደ ናይ ደገ ተመሃራይ ኮይኑ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጸ፡ ሚስተር ሻርማ፡ ምስ መደባት ምዝንጋዕ ዝኸዱ ኣውስትራልያውያን ዝጥቀሙሎም ፍሉያት ኣዘራርባታት/ኣበሃህላታት (slangs) ካብ ባዶ ተበጊሱ ተማሂርዎም።

ገለ ካብ'ቶም መሰረታውያን ዝኾኑ ኣበሃህላታት ከኣ ኣብ'ዚ የካፍል፡
  • ባብልስ (Bubbles) = ዝዓፍር ወይ ዓፍራ ዘውጽእ ነቢት/ወይኒ (sparkling wine)
  • ቢዋይኦ (BYO) = ናትኩም [ዝስተ] ሒዝኩም ምጹ (Bring Your Own [drink]) 
  • ስናግ (snag) = ግዕዝም (sausage)
  • ሸሓኒኹም ሒዝኩም ምጹ (bring a plate) = ንዕዱማት ብሓባር ምስ ካልኦት ዝካፈልዎ መግቢ ሒዞም ክመጹ ዘዘኻኽር
"ጸገም ናይ መግቢ ዘይምስምማዕ (ኣለርጂ) እንተለኩም ወይ ፍሉይ ዓይነት መግቢ ዘድልየኩም እንተኾይኑ ቀዲምኩም ምሕባር ሰናይ ተግባር'ዩ፡ ካብኡ ዝበለጸ ኸኣ ዘድልየኩም ነገራት ዘማልእ መግቢ ባዕልኹም ሒዝኩም ትመጹ።" ክብል ሚስተር ሻርማ ይገልጽ።

“ክትመጹ እንተኾንኩም ኣቐዲምኩም ምሕባር ወይ ምርግጋጽ (RSVP) ኣብ ዝካየደሉ እዋን ሰባት ዝኾነ ዘይሰማማዓኩም መግቢ ወይ ኣለርጂ ዝገብረልኩም ወይ ብፍሉይ ትጠልብዎ ወይ ትሓትዎ ዓይነት እንተሃልዩ፡ ንኣብነት ምሉእ ብምሉእ ኣሕምልቲ ጥራይ ትመርጹ እንተኾይንኩም (ቬጋን ወይ ቨጅታሪያን)፡ ግሉተን ዘይብሉ፡ ወዘተ፡ ክሓትኹም ስለዝኽእሉ ኣቐዲምኩምን ብህድኣትን ኣፍልጥዎም ኢኹም።"

“እንተዘየሎ፡ ኣነ ባዕለይ ኣሕምልቲ ጥራይ ስለ ዝመርጽ (ቨጅታሪያን ስለዝኾንኩ) እንታይ'የ ዝገብር! ነቶም ዝደልዮም ነገራት ምሳይ ይማልኦም። ክሳብ ሕጂ'ኳ ናብ ብዙሓት ውራያት'የ ከይደ ዘለኹ፡ እቶም ዝዕድሙኹም ሰብ ውራይ ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ንስኹም ትሓትዎም ወይ ትደልይዎም ነገራት እንተዘይጸኒሖሞም ክሳብ ክንደይ ሕማቕ ከምዝስምዖም ይፈልጥ'የ።" ብምባል ሚስተር ሻርማ ይገልጽ።
Australia Explained - Party Etiquette
ኣብ ኣዳራሽ ዝካየድ በዓል ልደት ህጻናት ንዝምልከት፣ በቶም ዝዕድምኹም ሰባት መግቢ ወይ መስተ ክቐርበልኩም ምዃኑ ክሳብ ዘይተነግረኩም፣ ነብሲ ወከፍ ጋሻ ነቲ ዝበልዕዎን ዝሰተይዎን ክኸፍሉ ልሙድ'ዩ፣ ይብል ሚስተር ሻርማ። Credit: Thomas Barwick/Getty Images

መደባት ምዝንጋዕ ንህጻናት'ከ፧

ኣብ መደባት ምዝንጋዕ ንህጻናት ብመሰረቱ እቶም ነቲ ምዝንጋዕ ዘዳልው'ዮም ንመግቢ ዝምልከቱ ምድላዋት ዝገብሩ።

ካብ መልበርን ዝኾነት ኣደ ክልተ ቆልዑ ሶንያ ሀርዝበርግ፡ እቶም ኣብ'ዚኦም ዘለዉ ትጽቢታት ብሓፈሽኡ እንታይ ይመስሉ ብኸም'ዚ ትገልጾም።

“ንስኹም ንኹሎም'ቶም ህጻናትን ዓበይትን መግቢ ከተዳልዉሎም ትጽቢት ይግበረልኩም። ብርግጽ ዝተፈልዩ መግብታት ዝምገቡ ወይ ዝደልዩ ከይህልዉ ምሕታት ከድልየኩም'ዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ብብዝሒ ዘጋጥም ስለዝኾነ፡ ዘገርም ነገር'ዩ። ኣብ'ቲ ዝቐርብ ሽሻይ ንኩሎም መግብታት ወይ ዓይነታት መግቢ ዘካትት ትሕዝቶ ከተቕርቡ ክህልወኩም'ዩ፡ ንኹሉ ኸኣ ነናቱ ምልክት/ስም ክትገብርሉ ኢኹም።"

“እቶም ሰብ ውራይ ብተወሳኺ ከም ጋዝ ወይ ዓፍራ ዘለዎ/ዝፈጥር ነቢት (ስፓርክሊንግ ዋይን) ዝኣመሰሉ ንዓሽ መበሊ ወይ መብዓሊ ዝኾኑ፡ ወይ ጥኑሳት ንዝኾና ወይ ከኣ ጋዝ/ዓፍራ ዘለዎ ጽሟቕ ክሰትዩ ንዘይክእሉ ሰባት፡ ንመብዓሊ ተባሂሉ ልስሉስ መስተ እንተቐረቡ ኣብ ትዕዝብቲ ዘእትዎም ኣይኮነን።" ትብል ወይዘሪት ሀርዝበርግ።
Australia Explained - Party Etiquette
በዓል ልደት ሓደ ህጻን ኣብ ዝጽምበለሉ መደብ፣ ምእላይን ምክትታልን ዕዱማት ደቆም ናይ'ቶም ኣለይቲ ወይ ወለዲ ሓላፍነት እዩ። Credit: Jason Edwards/Getty Images
እኹል መግቢ ምህላዉ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እንተኾነ'ኳ፡ ወለዲ ናይ'ቲ ዕለተ ልደቱ ዘብዕል ዘሎ ህጻን ግድን ኣይኮነን መጠኑ ዝሓለፈ ወጻኢታት ክገብሩ።

ወይዘሪት ሀርዝበርግ ክትመክር እንከላ ፍሉይ ኣውስትራልያዊ መቐረት ዝህቡ ንመዘናግዒ በዓል ህንጻናት ዝኾኑ ንበጀት ዝሰማምዑ ወይ ዝምጥኑ ምርጫታት ኣለዉ ትብል።

“ብስልማት ሕብራውያን ምቁራት ነገራት ዘጌጸ ባኒ/ሕምባሻ (fairy bread) ክህልወኩም ይኽእል፡ ወይ ከኣ ብኣንጻሩ ናብ'ቲ ዝኸበረ ክትከዱ እንተደሊኹም ነዚ ኣገልግሎት ቀረብ ምዝንጋዕን መግብን ዝህቡ ንግዳዊ ትካላት ክትቆጽሩ ትኽእሉ። ዓይነታቱ ይፈላለ'ዩ፣ ስለ'ዚ በቲ ንስኹም ትቕርቡሎም ሽሻያት ዝመርጹ/ዝግደሱ ክሳብ ሕጂ ኣጋጢሞምኒ ኣይፈልጡን'ዮም።"

“ፈይሪ ብረይድ (Fairy bread) ኣውስትራልያዊ ባህሊ'ዩ። ብኣማኢትን ኣሽሓትን ዝቑጸሩ'ዮም እቶም ኣብ ልዕሊ'ቲ ጠስሚ ዝተለኽየ ጻዕዳ ባኒ ዝንስነሱ ምቁራት ነገራት፣ እቲ ባኒ ኸኣ ናብ ኣልማዝ ቅርጺ ዘለዎ ዓይነት ይቑረጽ። እንተዘይኮይኑ፣ ነከም'ዚኦም ህሞታት ተባሂሎም ዝዳለዉ እምበቲቶ (party pies) ብተወሳኺ ከም ባህሊ ኣዝዮም ኣውስትራልያውያን'ዮም፣" ትብል ወይዘሪት ሀርዝበርግ።

እቶም ወለዲ ናይ'ቲ ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ህጻን ብተወሳኺ እቶም ዕዱማት ህጻናት ናብ ገዝኦም ሒዞሞም ክኸዱ ዝኽእሉ ንኣሽቱ ህያባት ዝመልኡ 'ቦርሳታት ፓርቲ' ከዳልዉሎም ዝተለምደ'ዩ።
Australia Explained - Party Etiquette
ወይዘሪት ሃርዲ ካብ ቤት ትምህርቲ ስነምግባር ኣውስትራልያ (Australian School of Etiquette) ኣብ ሓደ ንህጻናት ተባሂሉ ዝዳሎ መደብ ምዝንጋዕ (ፓርቲ) ክቡራት ህያባት ምምጻእ ከምዘየድሊ ትመክር። "ኣዝዩ ክብሪ ዘለዎ ወይ ክቡር ዝኾነ ህያብ ብምግዛእ ሃብቲ ወይ ክብሪ ከምዘለኩም ከተርእዩ ወይ ከተመስክሩ ኣየድልየኩምን'ዩ።" Credit: Nick Bowers/Getty Images
እዚ ኩሉ ክቡር ክኸውን ኣይኮነን እቲ ሰብ ዝጽበዮ፡ እንታይ ደኣ ንሓደ ዘይርሳዕ ተዘክሮ ንእሽቶ መዘናግዒ መደብ ወይ ፓርቲ ዝመስል ነገር ክኸውን።

ወይዘሪት ሀርዝበርግ ንዕለተ ልደት ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዳ መዘናግዒ መደብ ወይ ፓርቲ ዝኸውን ተዳልዎ ዘላ ውራይ ብኸምዚ ትገልጾ።

“ንእሽቶ መጉልሒ መነጽር፡ ሕብራዊ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ርሳስን ባዕሎም ክጽሕፍሉ ዝኽእሉ ጥርሑ ካርድን፡ ከምኡ'ውን ገጽካ ክትስእለሎም ትኽእል ንኣሽቱ ዝጥቅዑ (ስቲከራትን) ገዚእና።"
ስለ'ዚ፣ እዚ ሓደ ንገዝኦም ሒዞሞ ክኸዱ ዝኽእሉን ዝገብርዎን ንእሽቶ ፈጠራዊ ነገር'ዩ፣ ድሕሪኡ ነቲ መደብ ምዝንጋዕ ወይ ፓርቲ ክዝክርዎ'ዮም። ብርግጽ፣ ሰለስተ ዓመት ምስ ሓለፉ ከኣ ኩሉ ግዜ ከም ሓደ ንእሽቶ ሽኮራዊ ነገር ዝኣመሰለ ኣብ ውሽጡ ኣሎ።
ሶንያ ሀርዝበርግ
ብተመሳሳሊ ንሳ እቲ ዕለተ ልደት ንምብዓል ተባሂሉ ዝቐርብ ህያብ ዘይኮነ እቲ ሓሳብ ዝያዳ ዝቑጸር ወይ ትርጉምን ክብርን ዝህልዎ ምዃኑ ኣስተውዒላትሉ።

“ነቲ ዘብዕል ዘሎ ህጻን፣ ብዛዕባ እንታይ ይወሃቡ ወይ ይረኽቡ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ነዚ በዓል ዕለተ ልደቶም ዝፈትውዎም ነገራት ምስ ኣዕሩኽ መሓዙቶም ኮይኖም ብሓጎስ ምሕላፎም'ዩ። ህያባት እንተተዋሂቦም ወይ ረኺቦም ከኣ ጸበቐ፣ ግን እቲ ህያብ እንታይ ኔሩ ክዝክርዎ ኣይኮኑን። ንሶም ዝዝክሩ ነቲ ዘሕለፍዎ መዓልቲ ወይ ተሞክሮ'ዩ፣" ክትብል ወይዘሪት ሀርዝበርግ ሓሳባ ተጠቓልል።

Share