ቢንያም ግርማይ ካብ ዝለዓሉ ተቐዳዳምቲ ጂሮ ብምዃን ይቕጽል፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዓዳ ክካየዱ ዝግበኦም ግጥማታ ኣብ ማላዊ ከተካይዶም'ያ

Giro d'Italia

Source: Girod'italia

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/05/2022) * ካፍ ስታድየም ባህር ዳር ኣህጉራዊ ግጥማት ከአንግድ ብቑዕ ኣይኮነን ኢሉ ክእግዶ ድሕሪ ምውሳኑ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራ ተካይዶም ግጥማት ኣብ ማላዊ ሃገራዊ ስታድየም ቢንጉ ከተካይዶም ምዃና ተፈሊጡ፣ * ኮኾብ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ኢጣልያ ዝነኣድ ምንቅስቓሳቱ ብምቕጻል ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓሙሽተ መድረኻት ኣብ ዝለዓሉ ሓሙሽተ ቦታታት ቅድድሙ ፈጺሙ፣ * ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ዱ ሞርቢሃን ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ዝነኣድ መበል 22 ወጺኡ፣ * ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ዝለዓለ ብዝሒ ሽቶታት ዘመዝገበላ ገዲም ተጻዋታያ ሰርጂዮ ኣጒሮ ሓወልቲ ትሰርሓሉ፣ እታ ሓወልቲ ግን ምስ’ቶም ብጽቡቕ ዝተሰርሑ ድያ ትስራዕ፧



Share