ህቡብ ወኪል ከዋኽብቲ ኩዕሶ እግሪ ዝላታን፣ ፖግባን ሃላንድን ዝነበረ ሚኖ ራዮላ ነዊሕ ድሕሪ ምሕማሙ ዓሪፉ

Mino Raiola with Zlatan Ibrahimovic

ሚኖ ራዮላ ምስ ዝላታን ኢብራሂሞቪች Source: Getty Images

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/04/2022) * ኣብ ጀርመን ውድድራት ጉያ እግሪ 5 ኪሜ፣ 10 ኪሜን ፍርቂ ማራቶንን ተኻይዶም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዙሓት ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ምስ ጋንትኡ ኢንተርማሽ ዎንቲ ጎቤር ክሳብ 2026 ዓም ዘጽንሖ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ሓድሽ ውዕል ፈሪሙ፣ * ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ዙር ሮማንዲ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉእብርሃን፣ ኤፍሬም ገብረህይወትን ገብረህይወት ብርሃነን ከም’ኡ’ውን ኢትዮጵያዊ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃን ኣብ ኢጣልያ ተቐዳዲሞም ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፣ * ኣብ ካልኣይ እግሪ ሳልሳይ ዙርያ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ኩ’እግሪ ፊፋ ት17 መንእሰያት ደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ብደቡብ ኣፍሪቃ ብጸቢብ 1-0 ተሳዒራ፣ ናብ ዝቕጽል ዙር ግን ብውህሉል ነጥቢ ሓሊፋ፣ * ንበዓል ዝላታን ኢብራሂሞቪች፣ ፖውል ፖግባን አርሊንግ ሆላንድ ዝርከብዎም ዓማዊል ዝሓዘ ሓደ ካብ’ቶም ዝለዓሉን ዝሓየሉን ወከልቲ ከዋኽብቲ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ዝኾነ ኢጣልያዊ ሚኖ ራዮላ ብሕማም ምኽንያት ዓሪፉ፣



Share